መዝሙር 74
ንዑ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘምሩ!
-
1. እዛ መዝሙር፡ ዓወት’ያ እተበስር፣
ነቲ ልዑል እተዕብዮ መዝሙር።
ቃላታ’ውን ብሩህ ተስፋ የሕድር፣
ሃየ ንዑ ሓቢርና ንዘምር።
(ኣዝማች)
‘ሃየ ንዑ፡ ንስገደሉ፣
ወዱ ’ንጊሱ፡ ንንገረሉ!
ነዛ መዝሙር፡ ንዑ ተምሃርዋ፣
ወድሱ’ውን ቅዱስ ስም የሆዋ።’
-
2. በዛ መዝሙር ነፋልጥ ንመንግስቲ፡
ሰማያዊት፡ የሱስ ዝንጉሳ።
መጋዝእቱ ምስኡ ተሓባቢሮም፡
ኬርሕቑ’ዮም ሓጥያት ምስ ኣበሳ።
(ኣዝማች)
‘ሃየ ንዑ፡ ንስገደሉ፣
ወዱ ’ንጊሱ፡ ንንገረሉ!
ነዛ መዝሙር፡ ንዑ ተምሃርዋ፣
ወድሱ’ውን ቅዱስ ስም የሆዋ።’
-
3. እዛ መዝሙር፡ ቀላል’ያ ንትሑታት፣
ንጹር ቃላት፡ ተስፋ ዝሓዘለት።
ለሚዶምዋስ የዚምዋ ብዙሓት፣
ብተራኦም ንዑ ’ብሉ ንሰባት።
(ኣዝማች)
‘ሃየ ንዑ፡ ንስገደሉ፣
ወዱ ’ንጊሱ፡ ንንገረሉ!
ነዛ መዝሙር፡ ንዑ ተምሃርዋ፣
ወድሱ’ውን ቅዱስ ስም የሆዋ።’
(መዝ. 95:6፣ 1 ጴጥ. 2:9, 10፣ ራእ. 12:10 እውን ርአ።)