ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 74

ንዑ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘምሩ!

ንዑ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘምሩ!

(መዝሙር 98:1)

  1. 1. እዛ መዝሙር፡ ዓወት’ያ እተበስር፣

    ነቲ ልዑል እተዕብዮ መዝሙር።

    ቃላታ’ውን ብሩህ ተስፋ የሕድር፣

    ሃየ ንዑ ሓቢርና ንዘምር።

    (ኣዝማች)

    ‘ሃየ ንዑ፡ ንስገደሉ፣

    ወዱ ’ንጊሱ፡ ንንገረሉ!

    ነዛ መዝሙር፡ ንዑ ተምሃርዋ፣

    ወድሱ’ውን ቅዱስ ስም የሆዋ።’

  2. 2. በዛ መዝሙር ነፋልጥ ንመንግስቲ፡

    ሰማያዊት፡ የሱስ ዝንጉሳ።

    መጋዝእቱ ምስኡ ተሓባቢሮም፡

    ኬርሕቑ’ዮም ሓጥያት ምስ ኣበሳ።

    (ኣዝማች)

    ‘ሃየ ንዑ፡ ንስገደሉ፣

    ወዱ ’ንጊሱ፡ ንንገረሉ!

    ነዛ መዝሙር፡ ንዑ ተምሃርዋ፣

    ወድሱ’ውን ቅዱስ ስም የሆዋ።’

  3. 3. እዛ መዝሙር፡ ቀላል’ያ ንትሑታት፣

    ንጹር ቃላት፡ ተስፋ ዝሓዘለት።

    ለሚዶምዋስ የዚምዋ ብዙሓት፣

    ብተራኦም ንዑ ’ብሉ ንሰባት።

    (ኣዝማች)

    ‘ሃየ ንዑ፡ ንስገደሉ፣

    ወዱ ’ንጊሱ፡ ንንገረሉ!

    ነዛ መዝሙር፡ ንዑ ተምሃርዋ፣

    ወድሱ’ውን ቅዱስ ስም የሆዋ።’