ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 75

“እነኹ፡ ልኣኸኒ!”

“እነኹ፡ ልኣኸኒ!”

(ኢሳይያስ 6:8)

  1. 1. ሰባት ኰይኖም ዜጸይፉ፣

    ንስም የሆዋ ይነቕፉ፣

    ይብልዎ ድኹም’ዩ ጨካን፣

    ዓያሹ’ውን ይብሉ “የልቦን።”

    ስለ ስሙ መን ይማጐት፧

    መን ይወድሶ ብትብዓት።

    (ኣዝማች 1)

    ‘ጐይታ፡ ’ነኹ ልኣኸኒ፡

    ክውድስ ዕድል ሃበኒ፣

    የሎን ካብዚ ዚዓቢ ኽብሪ፡

    እነኹ፡ ልኣኸኒ!’

  2. 2. ’ቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም፡

    ኣምላኽ ደንጓዪ ይመስሎም።

    ጣኦት የምልኹ ገሊኦም፣

    ናይ ኣምላኽ ንቄሳር ሂቦም።

    ጥፍኣት ኣሎ መን ይበሎም፧

    ውግእ ኣምላኽ ዘጠንቅቖም፧

    (ኣዝማች 2)

    ‘ጐይታ፡ ’ነኹ ልኣኸኒ፡

    ከጠንቅቖም ኣትብዓኒ፣

    የሎን ካብዚ ዚዓቢ ኽብሪ፡

    እነኹ፡ ልኣኸኒ!’

  3. 3. ሎሚ ትሑታት ይሓዝኑ፣

    ክፍኣት፡ እከይ ብምስፋኑ።

    ካብ ልቢ’ውን የናድዩ፣

    ሓቂ ኺረኽቡ ይደልዩ።

    መን ይኺድ ኬጸናንዖም፧

    መገዲ ጽድቂ ኼትሕዞም፧

    (ኣዝማች 3)

    ‘ጐይታ፡ ’ነኹ ልኣኸኒ፡

    ክምህሮም’ውን ሓግዘኒ፣

    የሎን ካብዚ ዚዓቢ ኽብሪ፡

    እነኹ፡ ልኣኸኒ።’

(መዝ. 10:4፣ ህዝ. 9:4 እውን ርአ።)