ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 78

‘ቃል ኣምላኽ ንምሃር’

‘ቃል ኣምላኽ ንምሃር’

(ግብሪ ሃዋርያት 18:11)

  1. 1. ቃል ኣምላኽ ንሰባት ምምሃር፡

    ኣለዎ በረኸት፣

    መወዳድርቲ የብሉን፡

    ’ንረኽቦ ጥቕምታት።

    የሱስ ኣብነት ሓዲጉ፡

    ብፍቕሪ ምሂሩ፣

    ንሕና’ውን ንሰባት ንምሃሮም፡

    ንኣምላኽ ኬፍቅሩ።

  2. 2. ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ዅሉ፡

    ክንገብሮ ንጽዕር፣

    ሰባት መታን ኪጥቀሙ፡

    ንዛረብ ብተግባር።

    ብትግሃት ንምርምር ቃሉ፣

    ኣለዎ ቑም ነገር።

    ጽቡቕ መታን ከነካፍል’ውን፡

    ርእስና ንምህር።

  3. 3. የሆዋ የሰልጥነና፡

    ከነስተምህር ቃሉ፣

    ’ተ ጸሊና ኺረድኣና፡

    ይህበና ሓይሉ።

    ንቓል ኣምላኽ ንፈትዎ’ና፡

    ተስፋ ዜስንቐና።

    ን’ንምህሮም ’ተፍቂርናዮም’ውን፡

    ይዀኑ ኣሕዋትና።