መዝሙር 78
‘ቃል ኣምላኽ ንምሃር’
-
1. ቃል ኣምላኽ ንሰባት ምምሃር፡
ኣለዎ በረኸት፣
መወዳድርቲ የብሉን፡
’ንረኽቦ ጥቕምታት።
የሱስ ኣብነት ሓዲጉ፡
ብፍቕሪ ምሂሩ፣
ንሕና’ውን ንሰባት ንምሃሮም፡
ንኣምላኽ ኬፍቅሩ።
-
2. ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ዅሉ፡
ክንገብሮ ንጽዕር፣
ሰባት መታን ኪጥቀሙ፡
ንዛረብ ብተግባር።
ብትግሃት ንምርምር ቃሉ፣
ኣለዎ ቑም ነገር።
ጽቡቕ መታን ከነካፍል’ውን፡
ርእስና ንምህር።
-
3. የሆዋ የሰልጥነና፡
ከነስተምህር ቃሉ፣
’ተ ጸሊና ኺረድኣና፡
ይህበና ሓይሉ።
ንቓል ኣምላኽ ንፈትዎ’ና፡
ተስፋ ዜስንቐና።
ን’ንምህሮም ’ተፍቂርናዮም’ውን፡
ይዀኑ ኣሕዋትና።
(መዝ. 119:97፣ 2 ጢሞ. 4:2፣ ቲቶ. 2:7፣ 1 ዮሃ. 5:14 እውን ርአ።)