መዝሙር 79
ኪጸንዑ ኣሰልጥኖም
-
1. ቅኑዓት ሓቂ ኺምሃሩ፡
ህይወቶም ኪቕይሩ፡
የሆዋ’ውን ኪመርሖም ከሎ፡
የሐጕሰና ወትሩ።
(ኣዝማች)
የሆዋ፡ ስማዕ ጸሎትና፦
ሓልዎም፡ ተኸናኸኖም፣
ምሃሮም፡ ኣበርትዓዮም፡ ኣስልጠሎም፡
ኪጸንዑ ሓይልኻ ሃቦም።
-
2. እምነቶም ክትሰግር ፈተና፡
ነይሮም’ዮም ኣብ ጸሎትና፣
ክንምህሮም ግዜና ሰዊእና፣
ደልዲሎም፡ ተባሪኽና።
(ኣዝማች)
የሆዋ፡ ስማዕ ጸሎትና፦
ሓልዎም፡ ተኸናኸኖም፣
ምሃሮም፡ ኣበርትዓዮም፡ ኣስልጠሎም፡
ኪጸንዑ ሓይልኻ ሃቦም።
-
3. እምንቶ ኣብ ኣምላኽ የሕድሩ፡
ይኹኑ’ውን እዙዛት፣
ይንበሩ ብተጻዋርነት፡
ይውረሱ ሰላም፡ ህይወት።
(ኣዝማች)
የሆዋ፡ ስማዕ ጸሎትና፦
ሓልዎም፡ ተኸናኸኖም፣
ምሃሮም፡ ኣበርትዓዮም፡ ኣስልጠሎም፡
ኪጸንዑ ሓይልኻ ሃቦም።