ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 81

ህይወት ፈላሚ

ህይወት ፈላሚ

(መክብብ 11:6)

  1. 1. ንግሆ ብጊሓቱ፡ ጸሓይ ከይበረቐት፡

    ናብ ኣምላኽ ጸሊና

    ንወፍር ክንነግር ብስራት፣

    ንሰባት ነበስር ብድሙቕ ፍሽኽታ።

    ይስምዑ ይእበዩ

    ነገልግል ጸኒዕና ብደስታ።

    (ኣዝማች)

    ነዚ’ና ሓሪና፡

    ብፍታው መሪጽና፡

    ክንነብር ንየሆዋ ኢልና።

    ንፍጽም ዕዮና፡

    ንዅሉ ኽኢልና፡

    በዚ’ውን ንገልጽ ልባዊ ፍቕርና።

  2. 2. ምሸት ምስ መሰየ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡

    ኣካልና’ኳ ይድከም፡

    ልብና ግን ኣለዎ ዕግበት።

    ንፈትዎ ህይወት’ዩ፡ ብሉጽ ’ንህበሉ፣

    የሆዋ ይመስገን

    ባሪኹና ኣሎ ብዅሉ።

    (ኣዝማች)

    ነዚ’ና ሓሪና፡

    ብፍታው መሪጽና፡

    ክንነብር ንየሆዋ ኢልና።

    ንፍጽም ዕዮና፡

    ንዅሉ ኽኢልና፡

    በዚ’ውን ንገልጽ ልባዊ ፍቕርና።