ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 84

ንሓግዝ

ንሓግዝ

(ማቴዎስ 9:37, 38)

  1. 1. ያህ ይፈልጥ ዜድልየና፡

    ሓጐስ ደስታ ዜምጽኣልና፣

    ኪሰልጠና ኣገልግሎት፡

    ይሰርዓልና መገድታት።

    (ኣዝማች)

    ተጊህና ነገልግል፡

    ኣምላኽ ኪውደስ፣

    ሓገዝ ንዜድልዮም፡ ንሓግዝ፡

    ሃየ ንለግስ።

  2. 2. ብዙሕ ዕዮ ኣሎ ገና፡

    ’ሞ ንሓግዝ ብዓቕምና፣

    እወ፡ ነርኢ ኸም ’ንሓሊ፡

    ንሸፍኖ ዅሉ ኽሊ።

    (ኣዝማች)

    ተጊህና ነገልግል፡

    ኣምላኽ ኪውደስ፣

    ሓገዝ ንዜድልዮም፡ ንሓግዝ፡

    ሃየ ንለግስ።

  3. 3. ዚህነጽ’ውን ምስ ኣድለየ፡

    ሻማ ሻማ ኢልና ንዕየ፣

    ሓድሽ ቋንቋ ተማሂርና፡

    ነበስሮም ተዓጢቕና።

    (ኣዝማች)

    ተጊህና ነገልግል፡

    ኣምላኽ ኪውደስ፣

    ሓገዝ ንዜድልዮም፡ ንሓግዝ፡

    ሃየ ንለግስ።