ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 87

ኣብ ኣኼባና ንተሓደስ

ኣብ ኣኼባና ንተሓደስ

(እብራውያን 10:24, 25)

  1. 1. ዓለም ሓዲጋ’ላ መገዲ ኣምላኽ፣

    ኰይና’ላ ፋሉል ጥፍእቲ።

    ’ሞ ስጕምትና መታን ከነቕንዕ፣

    የድልየና’ዩ ትምህርቲ።

    ኣኼባና ድማ የሐድሰና፣

    የደልድላ ንእምነትና።

    ንሰናይ ግብሪ የነቓቕሓና፣

    ብርታዐ’ውን ይህበና።

    ሃየ’ሞ ኣይንሕደግ ትእዛዝ የሆዋ፣

    ኵሉ ሳዕ ፍቓዱ ንግበር።

    ነዚ የዕጥቐና ኣኼባታትና፣

    ኣብኡ’ውን ሓቂ ንምሃር።

  2. 2. የሆዋ ይፈልጥ’ዩ ዜድልየና፣

    ንምኽሩ ንጽሎ ኣእዛንና።

    ወትሩ ግዜ ዓዲግና ምእካብና፡

    ጥበብ’ዩ ፍሉይ ልቦና።

    ኣብኡ ንምሃር፡ ንስልጥን፡ ንዝቲ፡

    እምነት ከነርኢ ብግብሪ።

    ብደገፍ ’ቶም ብእምነት ቤተ ሰብና፡

    ማሚቝና ’ለና ብፍቕሪ።

    ገና ሰናይ ዘመን ይመጽእ ኣሎ፡

    ’ንራኸበሉ ምስ ሰብና።

    ሽዑ ምእንቲ ብጥበብ ክንነብር፡

    ኣይንሕደግ ኣኼባታትና።