መዝሙር 90
ንሓድሕድና ንተባባዕ
-
1. ንየሆዋ ንምግልጋሉ፡
ንተባባዕ ንሓድሕድና።
በዚ ትነቓቓሕ ፍቕርና፡
ይጸንዕ’ውን ሓድነትና።
’ታ ኣብ መንጎና ዘላ ፍቕሪ፡
ክንጻወር ተትብዓና።
መዕቀሊትና’ያ ጉባኤና፡
’ወ ጽንዕቲ መዕቈቢትና።
-
2. ኣየ ኽንደይ ኰን ዜሐጕስ’ዩ፡
ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል!
ፈተውትና ዚዛረቡና፡
ዜጸናንዕ፡ ባህ’ውን ዜብል።
ክንደይ ኰን ልቢ ዜረስርስ’ዩ፡
ኣሕዋት ሓቢርና ምዕያይና!
ከቢድ ጾር ሓድሕድ’ውን ንጸውር፡
ንበራታዕ ንሓድሕድና።
-
3. ’ታ መዓልቲ ኽትቀርብ ከላ፡
ኣይነብኵር ካብ ኣኼባና፣
ብመገዲ ሓቂ ንጐዓዝ፣
ብመገዲ ክርስትና።
ምስ ህዝቢ የሆዋ ሓቢርና፡
ከነገልግል’ዩ ተስፋና።
ክንሕሉ’ውን ንጽህናና፡
ንተባባዕ ንሓድሕድና።
(ሉቃ. 22:32፣ ግብ. 14:21, 22፣ ገላ. 6:2፣ 1 ተሰ. 5:14 እውን ርአ።)