መዝሙር 94
ንኣምላኽ ስለቲ ቓሉ ነመስግኖ
(ፊልጲ 2:16)
-
1. የሆዋ ኣቦና፡ ነመስግነካ፣
ስለ ዝሃብካና ’ቲ ቕዱስ ቃልካ!
ቅዱስ ጽሑፍ ኣጽሒፍካ፡
ሓራ ዜውጽኣና፣
ብርሃን ዜብርሃልና ንመገድና።
-
2. ቃልካ ዚዓዪ’ዩ፡ ወትሩ ጠቓሚ፣
ልብና ዚሓስቦ ዅሉ ይመሚ።
ሕግታትካ ፍጹም’ዩ፡
ፍርድታትካ ሓቂ፣
ኣብኡ’ያ ’ትስረት መገዲ ጽድቂ።
-
3. ቃልካ ዚትንኪ’ዩ ውሽጢ ልብና፣
ነብያትካ ሰባት’ዮም ከምዚ ኸማና።
እምነትና ኸነደልድል
ርድኣና ብቓልካ፣
ስለቲ ህያብካ ነመስግነካ!
(መዝ. 19:9፣ 119:16, 162፣ 2 ጢሞ. 3:16፣ ያእ. 5:17፣ 2 ጴጥ. 1:21 እውን ርአ።)