ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 94

ንኣምላኽ ስለቲ ቓሉ ነመስግኖ

ንኣምላኽ ስለቲ ቓሉ ነመስግኖ

(ፊልጲ 2:16)

  1. 1. የሆዋ ኣቦና፡ ነመስግነካ፣

    ስለ ዝሃብካና ’ቲ ቕዱስ ቃልካ!

    ቅዱስ ጽሑፍ ኣጽሒፍካ፡

    ሓራ ዜውጽኣና፣

    ብርሃን ዜብርሃልና ንመገድና።

  2. 2. ቃልካ ዚዓዪ’ዩ፡ ወትሩ ጠቓሚ፣

    ልብና ዚሓስቦ ዅሉ ይመሚ።

    ሕግታትካ ፍጹም’ዩ፡

    ፍርድታትካ ሓቂ፣

    ኣብኡ’ያ ’ትስረት መገዲ ጽድቂ።

  3. 3. ቃልካ ዚትንኪ’ዩ ውሽጢ ልብና፣

    ነብያትካ ሰባት’ዮም ከምዚ ኸማና።

    እምነትና ኸነደልድል

    ርድኣና ብቓልካ፣

    ስለቲ ህያብካ ነመስግነካ!