ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 97

ሰብ ብቓል ኣምላኽ እዩ ዚነብር

ሰብ ብቓል ኣምላኽ እዩ ዚነብር

(ማቴዎስ 4:4)

  1. 1. ቃል የሆዋ ኣድላዪ’ዩ፡

    ብህይወት ክንነብር፣

    ብ’ንጌራ ጥራይ ኣይንንበር፡

    ብቓል ኣምላኽ እምበር።

    ሕጂ ይህብ ሰላም፡ ሓጐስ፡

    በረኸት’ውን ደሓር፣

    (ኣዝማች)

    ሰብ ብቓል የሆዋ እዩ፡

    ብህይወት ዚነብር፣

    ብ’ንጌራ ጥራይ ኣይኰነን፡

    ብቓል ኣምላኽ እምበር።

  2. 2. ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ዛንታ፡

    ዚእመን’ዩ ሓቂ።

    ሒዙ’ሎ ታሪኽ እሙናት፡

    ታሪኽ ’ቶም ሰብ ጽድቂ።

    መዓልትን ለይትን ነንብቦ፣

    ንቓሉ ንመርምር፣

    (ኣዝማች)

    ሰብ ብቓል የሆዋ እዩ፡

    ብህይወት ዚነብር፣

    ብ’ንጌራ ጥራይ ኣይኰነን፡

    ብቓል ኣምላኽ እምበር።

  3. 3. ቃል ኣምላኽ ምስ እነንብብ፡

    ትድልድል ተስፋና፣

    ፈተና ምስ ኣጋጠመ፡

    ጥበብ ይህበና።

    ነቲ ዘንበብናዮ ዅሉ፡

    ኣብ ልብና ነሕድር፣

    (ኣዝማች)

    ሰብ ብቓል የሆዋ እዩ፡

    ብህይወት ዚነብር፣

    ብ’ንጌራ ጥራይ ኣይኰነን፡

    ብቓል ኣምላኽ እምበር።

(እያ. 1:8፣ ሮሜ 15:4 እውን ርአ።)