ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 100

ተቐበልቲ ጋሻ ንኹን

ተቐበልቲ ጋሻ ንኹን

(ግብሪ ሃዋርያት 17:7)

  1. 1. የሆዋ ለዋህ’ዩ ንዅሎም ሰባት፣

    ብዘይ ኣድልዎ’ውን የርእዮም ሓልዮት።

    ጸሓዩ የብርቕ፡

    ዝናሙ የዝንም።

    ብሓጐስ ይመልኦ ልብና።

    ክንልውህ ከለና ንድኻ፡ ትሑት፣

    ንኣምላኽ ንመስሎ፡ ንፈቱ ለውሃት።

    ስለቲ ተግባርና፡

    ዓስቢ ይህበና፣

    ውዳሰ ተምጽእ ለውሃትና።

  2. 2. ኣይንፈልጦን ኢና ዚፈሪ ፍረ፡

    ክንሕግዝ ከለና እተሸገረ።

    ’ተ ዀኑ ኣጋይሽ፡

    ዘይንፈልጦም ጥራሽ፡

    ንቀበሎም ቤትና ኸፊትና።

    ከም ልድያ ንበሎም፡ ‘ንዑ ናብ ቤተይ፣’

    እወ ንቀበሎም ኢልና ሓንጐፋይ።

    ይርኢ’ዩ ’ቦና፡

    ’ቲ ሰናይ ግብርና፡

    ክንመስሎ ’ንገብሮ ጻዕርና።