መዝሙር 104
ኣምላኽ ዚህበና ውህበት መንፈስ ቅዱስ
-
1. የሆዋ ኣምላኽ፡ መሓሪ ኣቦ፡
ትዓቢ ኻብ ሓጥእ ልብና፣
ጾርና ኽንክእሎ ኣበርትዓና፣
ብመንፈስካ ኣጸናንዓና።
-
2. ሓራ ኻብ ሓጥያት ስለ ዘይኰንና፡
ይጐድለና እዩ ኽብርኻ፣
ኦ ኣምላኽ ስማዕ ንልማኖና፣
ወርትግ ሃበና ቕዱስ መንፈስካ።
-
3. እንተ ደኺምና፡ ’ተ ተሓሊልና፡
መንፈስ ቅዱስ የበርትዓና፣
መታን ከም ንስሪ ኽንድይብ ላዕሊ፡
ንጡፍ ሓይልኻ ግዳ ሃበና።
(መዝ. 51:11፣ ዮሃ. 14:26፣ ግብ. 9:31 እውን ርአ።)