ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 104

ኣምላኽ ዚህበና ውህበት መንፈስ ቅዱስ

ኣምላኽ ዚህበና ውህበት መንፈስ ቅዱስ

(ሉቃስ 11:13)

  1. 1. የሆዋ ኣምላኽ፡ መሓሪ ኣቦ፡

    ትዓቢ ኻብ ሓጥእ ልብና፣

    ጾርና ኽንክእሎ ኣበርትዓና፣

    ብመንፈስካ ኣጸናንዓና።

  2. 2. ሓራ ኻብ ሓጥያት ስለ ዘይኰንና፡

    ይጐድለና እዩ ኽብርኻ፣

    ኦ ኣምላኽ ስማዕ ንልማኖና፣

    ወርትግ ሃበና ቕዱስ መንፈስካ።

  3. 3. እንተ ደኺምና፡ ’ተ ተሓሊልና፡

    መንፈስ ቅዱስ የበርትዓና፣

    መታን ከም ንስሪ ኽንድይብ ላዕሊ፡

    ንጡፍ ሓይልኻ ግዳ ሃበና።