ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 108

ኣምላኽና ብተኣማንነት የፍቅር

ኣምላኽና ብተኣማንነት የፍቅር

(ኢሳይያስ 55:1-3)

  1. 1. ፍቕሪ’ዩ ኣምላኽና፣

    እሙን’ዩ የሆዋ ’ቦና፣

    ፍቑር ወዱ ልኢኹልና፡

    ምእንቲ ኺብጀወና፡

    ምእንቲ ኽንረክብ ህይወት፡

    ኣበር ኣብ ዘይብላ ገነት።

    (ኣዝማች)

    ማይ ዝጸማእኩም ዲኹም፧

    ንዑ ’ንሀ ስተዩ፣

    ተኣማንነቱ’ውን

    ኣብ ፍቕሩ ርኣዩ።

  2. 2. ፍቕሪ’ዩ ኣምላኽና፣

    እሙን’ዩ የሆዋ ’ቦና፣

    እታ ፍቕሩ ገሊጹልና፣

    ንክርስቶስ ኣንጊሱልና፣

    ክንርኢ’ና በረኸቱ፣

    ተመስሪታ’ላ መንግስቱ።

    (ኣዝማች)

    ማይ ዝጸማእኩም ዲኹም፧

    ንዑ ’ንሀ ስተዩ፣

    ተኣማንነቱ’ውን

    ኣብ ፍቕሩ ርኣዩ።

  3. 3. ፍቕሪ’ዩ ኣምላኽና፣

    እሙን’ዩ የሆዋ ’ቦና፣

    ንሓግዞም ንትሑታት፣

    ንዅነሎም ’ወ እሙናት፣

    ትእዛዛቱ ነስተምህሮም፣

    ብትብዓት’ውን ንስበኸሎም።

    (ኣዝማች)

    ማይ ዝጸማእኩም ዲኹም፧

    ንዑ ’ንሀ ስተዩ፣

    ተኣማንነቱ’ውን

    ኣብ ፍቕሩ ርኣዩ።

(መዝ. 33:5፣ 57:10፣ ኤፌ. 1:7 እውን ርአ።)