ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 111

መሐጐሲና

መሐጐሲና

(ማቴዎስ 5:12)

  1. 1. ኣየ ኽንደይ ኰን ተባሪኽና፣

    ብዙሕ’ዩ መሐጐሲና፣

    ክቡር ነገራት ኵሎም ኣህዛብ፡

    ይሓብሩ ’ለዉ ምሳና።

    ኣብ ልብና ዚርከብ ሓጐስ፡

    ኣብ ቃል ኣምላኽና’ዩ ሱሩ፣

    እምነት ካብ ምስማዕ ብምዃና፣

    ካብ ቃሉ ንምሃር ወትሩ።

    መሰረት ሓጐስና ጽኑዕ’ዩ፣

    ወርትግ ሕጉስ’ዩ ልብና፣

    ፈተና’ኳ ’ተ ’ጋጠመና፡

    የሆዋ የበርትዓና።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ እዩ ሓጐስና፡

    ግብሪ ኣእዳዉ ደስታና፡

    ግሩም ሓሳቡ፡ ድንቂ ተግባሩ፡

    ሰናዩ የስደምመና!

  2. 2. መስተንክር’ዩ ዅሉ ፍጥረቱ፡

    ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ኣብ ምድሪ፣

    ይደንቀና ተግባር ኣእዳዉ፡

    ኣብ ታሕቲ ዘሎ፡ ኣብ ባሕሪ።

    ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽና፡

    ንሰባት ንእውጀሎም፣

    ብዛዕባ ’ተምጽኦ በረኸት፡

    ተሓጒስና ንሰብከሎም።

    ፍጹም ሓጐስ ይቐርብ ኣሎ፡

    ወገግ ከም ዚብል ወጋሕታ፣

    ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን፡

    ኬስፍን’ዩ ምሉእ ደስታ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ እዩ ሓጐስና፡

    ግብሪ ኣእዳዉ ደስታና፡

    ግሩም ሓሳቡ፡ ድንቂ ተግባሩ፡

    ሰናዩ የስደምመና!