ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 116

ለውሃት እተሕድሮ ጽልዋ

ለውሃት እተሕድሮ ጽልዋ

(ኤፌሶን 4:32)

  1. 1. የሆዋ ኣምላኽ ንውድሰካ፡

    ድንቂ’ዩ ለውሃትካ፣

    ሓይልኻ ዓብዪ፡ ጥበብካ ብዙሕ፡

    ’ኳ ’ተ ዀነ ፈቃር ኢኻ።

  2. 2. የሱስ ዓዲሙ ንእተገፍዑ፡

    ጾሮም ኪጾረሎም፣

    ኣርዑቱ ምሹእ፡ ልቡ’ውን ትሑት፡

    ዕረፍቲ ዚህብ’ዩ ልኡም።

  3. 3. ንያህ ኣምላኽናን ንክርስቶስን

    ክንመስሎም ኣሎና፣

    ለውሃት ’ተ ዀይና ኽፍሊ ህይወትና፡

    ኣምላኽ ይረክብ ምስጋና።