መዝሙር 116
ለውሃት እተሕድሮ ጽልዋ
-
1. የሆዋ ኣምላኽ ንውድሰካ፡
ድንቂ’ዩ ለውሃትካ፣
ሓይልኻ ዓብዪ፡ ጥበብካ ብዙሕ፡
’ኳ ’ተ ዀነ ፈቃር ኢኻ።
-
2. የሱስ ዓዲሙ ንእተገፍዑ፡
ጾሮም ኪጾረሎም፣
ኣርዑቱ ምሹእ፡ ልቡ’ውን ትሑት፡
ዕረፍቲ ዚህብ’ዩ ልኡም።
-
3. ንያህ ኣምላኽናን ንክርስቶስን
ክንመስሎም ኣሎና፣
ለውሃት ’ተ ዀይና ኽፍሊ ህይወትና፡
ኣምላኽ ይረክብ ምስጋና።
(ሚክ. 6:8፣ ማቴ. 11:28-30፣ ቈሎ. 3:12፣ 1 ጴጥ. 2:3 እውን ርአ)