ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 117

ሕያውነትን ሰናይን

ሕያውነትን ሰናይን

(2 ዜና መዋእል 6:41)

  1. 1. ኦ የሆዋ፡ ተዓዲልና፡

    ለዋህ ኢኻ ሕያዋይ፣

    ቅዱስ ኣምላኽ፡ እሙን ኢኻ፡

    ኵሉ ግብርኻ ሰናይ።

    ትምሕረና፡ ትሓልየልና፡

    ተርእየና ሞገስካ፣

    ካብ ልብና ዝፈልፈለ፡

    ኣምልኾ ’ግብኣካ።

  2. 2. ሕያውነትካ የርኢ፡

    እቲ ሕሩይ ህዝብኻ፣

    በካይዳን ብስብከትን

    የንጸባርቕ ባህርይካ።

    ጽቡቕ እዩ ትምህርትኻ፡

    ሕያዎት’ዮም ጓሶትካ፣

    ከነማዕብል ሕያውነት፡

    ኣፍስሰልና መንፈስካ።

  3. 3. ሰናይ ንግበር ንኣሕዋትና፡

    ሕያዎት ንዅነሎም፣

    ንንእሽቶ ዀነ ዓብዪ፡

    ካብ ልቢ ንሕለየሎም።

    ኣብ ጉባኤ፡ ኣብ ገዛና፡

    ንቤተ ሰብ፡ ንጓና፡

    ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንግበር፡

    ኣምላኽ ኪባርኸና።