ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 125

‘መሓርቲ ሕጉሳት እዮም’

‘መሓርቲ ሕጉሳት እዮም’

(ማቴዎስ 5:7)

  1. 1. መሓሪ’ዩ ያህ ኣምላኽና፣

    ካብ ልቡ’ዩ ዚምሕረና፣

    ወትሩ ሰናይ ይገብረልና፣

    ይህበና እንጌራና።

    ንዚንስሑ ይምሕሮም፣

    ይሰምዖ ንልማኖኦም።

    ሓመድ ምዃንና ይዝክር፣

    ስለዚ ድማ ይምሕር።

  2. 2. ከም ሰብ መጠን ’ተ ሓጢእና፡

    ሕድገት ክንልምን ከለና፡

    የሱስ ነዚ ምሂሩና፡

    ’ታይ ከም ’ንብል ኣብ ጸሎትና፣

    “ከም ዝሓደግናሎም ንሕና፡

    በደልና ’ባ ሕደገልና፡”

    ኢልና በደል ’ተ ሓዲግና፡

    ሰላም ይኸውን ህይወትና።

  3. 3. ንሰብ ክንምጽውት ከለና፡

    ንሃብ ደኣ ኻብ ልብና፣

    ኣይንግበሮ ንኽንውደስ፣

    ንሃብ እምበር ከነሐጕስ።

    ኣምላኽ ድማ ነዚ ርእዩ፡

    ብግህዶ ኪኽሕሰና’ዩ።

    ’ወ ሕጉሳት’ዮም መሓርቲ፣

    ኣብ ቅድሚ ያህ ተፈተውቲ።

(ማቴ. 6:2-4, 12-14 እውን ርአ።)