መዝሙር 132
ሓደ ኢና
-
1. ዓጽሚ እያ ኻብ ኣዕጽምተይ፡
ስጋ እያ እወ ኻብ ስጋይ፣
ኣምላኽ ደጋፊት ሂቡኒ፡
እዚኣ’ያ ናተይ።
ሓደ ኢና፡ ሓደ ዄንና፣
ፈጣሪና’ውን ባሪኹና፣
ሰብኣይን ሰበይትን ኴንና፡
ስድራ ቤት ኣቚምና፣
ንኣምላኽ ከነገልግሎ’ና።
’ናሰልጠነና፡
ፍቕሪ ኽንለብስ ኢና።
ከምቲ ቓልና ይኹነልና፣
ሕጉስ ሓዳር’ውን ይግበረልና።
ንየሆዋ ይኹን ክብሪ፡
ኣባና’ውን ትንገስ ፍቕሪ።
(ዘፍ. 29:18፣ መክ. 4:9, 10፣ 1 ቈረ. 13:8 እውን ርአ።)