ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 135

የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’

የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’

(ምሳሌ 27:11)

  1. 1. ኣቱም መንእሰያት፡

    ልብኹም ሃቡኒ፣

    ምእንቲ ኺርኢ

    እቲ ዚጸርፈኒ።

    ንእስነትኩም ሂብኩም

    ብምሉእ ፍታውኩም፣

    ንዓለም ኣርኢኹም

    ውፉያት ምዃንኩም።

    (ኣዝማች)

    ፍቑር ወደይ፡ ፍቕርቲ ጓለይ፡

    ኣሐጕስዎ ንልበይ፣

    ጥበበኛ ኹኑ፡ ኣብ ኵሉ፡

    ብፍታውኩም ኣገልግሉ።

  2. 2. ኣገልገልተይ ብምዃንኩም

    ባህ ይበልኩም፣

    ከተንስኣኩም’የ

    ዋላ ’ተ ወደቕኩም፣

    ’ተ ተነዓቕኩም’ኳ

    ጥራስ ኣይገድስኩም፣

    ኣነ ግን ካብ ልበይ

    እየ ዘፍቅረኩም።

    (ኣዝማች)

    ፍቑር ወደይ፡ ፍቕርቲ ጓለይ፡

    ኣሐጕስዎ ንልበይ፣

    ጥበበኛ ኹኑ፡ ኣብ ኵሉ፡

    ብፍታውኩም ኣገልግሉ።