ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 136

ካብ የሆዋ፡ ‘ዓስብኻ ምሉእ ይኹን’

ካብ የሆዋ፡ ‘ዓስብኻ ምሉእ ይኹን’

(ሩት 2:12)

  1. 1. የሆዋ እሙን’ዩ፡ ይፈልጦም’ውን’ዩ፡

    ዜገልግልዎ ኻብ ልቦም፣

    ሳሕቲ ግን እቲ ልባዊ ቕንኣቶም፡

    ከቢድ መስዋእቲ የኽፍሎም።

    ሓዲግካ ’ተ ዄንካ ኣሕዋት ወይ ኣሓት፡

    ውሉዳት ኰነ ወይ ግራት፡

    ኪህበካ’ዩ ዜፍቅሩኻ ኣሕዋት፡

    ኣብ መጻኢ ድማ ህይወት።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ ኣብዚሑ ይባርኽካ፣

    ’ቲ ዓስብኻ ድማ ምሉእ ይኹን።

    ትሕቲ ኣኽናፉ’ውን ተማዕቈብ፣

    የሆዋ ፈቃር’ዩ፡ ዘይጠልም፡ እሙን።

  2. 2. ጾር ዚኸብደና እዋናት’ውን ኣሎ፡

    ዚኸውን ልዕሊ ዓቕምና፣

    ጭንቀት መነባብሮ ዀነ ’ዚ ስርዓት፡

    ምኽኣሉ ይብርትዓና።

    ነዚ ይርእዮ’ዩ የሆዋ ኣምላኽ፡

    ሰማዕ ጸሎት ብምዃኑ፣

    የጸናንዖም፡ ሓይሊ’ውን ይህቦም፡

    ነቶም ብእኡ ዚኣምኑ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ ኣብዚሑ ይባርኽካ፣

    ’ቲ ዓስብኻ ድማ ምሉእ ይኹን።

    ትሕቲ ኣኽናፉ’ውን ተማዕቈብ፣

    የሆዋ ፈቃር’ዩ፡ ዘይጠልም፡ እሙን።

(መሳ. 11:38-40፣ ኢሳ. 41:10 እውን ርአ።)