ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 141

ተኣምር ህይወት

ተኣምር ህይወት

(መዝሙር 36:9)

  1. 1. ዚውለድ ሕጻን፡ ጃርጃር ዚብል ማይ፡

    ብርሃን ድምቕቲ ጸሓይ፡ ሰዊት ስርናይ፡

    ህያብ ኣምላኽ’ዩ፡ ንትምህርትና፣

    ንርኢ ተኣምር ወትሩ በዒንትና።

    (ኣዝማች)

    ’ሞ ’ንታይ ደኣ ንግበር ካብ ተዓደልና፧

    ነፍቅሮ ንኣምላኽና ኻብ ውሽጢ ልብና።

    ኣይትርከብን’ያ፡ ብጻዕሪ፡ ብጸዓት፣

    ውህበት’ያ ኻብ ኣምላኽ፡ ተኣምር’ያ ህይወት።

  2. 2. እተሓለሉ፡ ዚጸልኡ ህይወት፡

    ከም ሰይቲ እዮብ ይብሉ፡ “ረጊምካ ሙት።”

    ንሕናስ ንኣምላኽ ንውድሶ’ና፣

    ስለታ ኽብርቲ ህይወት ’ናመስገንና።

    (ኣዝማች)

    ’ሞ ’ንታይ ደኣ ንግበር ካብ ተዓደልና፧

    ነፍቅሮም ንብጾትና ኻብ ውሽጢ ልብና።

    ኣይትርከብን’ያ፡ ብጻዕሪ፡ ብጸዓት፣

    ውህበት’ያ ኻብ ኣምላኽ፡ ተኣምር’ያ ህይወት።