ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 142

ንተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዝ

ንተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዝ

(እብራውያን 6:18, 19)

  1. 1. መገዲ ደቂ ሰብ ኰይኑ’ሎ ኣብ ጸልማት፣

    ጻዕሮም ከንቱ፡ ህይወቶም’ውን ደልሃመት።

    ከቶ ኣይተኻእለን ኪርከብ ድሕነት፣

    ኵሉ ስለ ዘለዎ ሓጥያት።

    (ኣዝማች)

    ንተሓጐስ ቀሪባ መንግስቱ!

    ኬርህወልና’ዩ ወዱ ኣብ ግዝኣቱ።

    ኪውገድ’ዩ እከይ ምስ ጭቈና፣

    ’ዛ ተስፋና ኸም መልህቕ ተጽንዓና።

  2. 2. መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ’ያ ዘላ፣

    ኵሉ እከይ ካብ ምድሪ ዚጠፍኣላ።

    ሽዑ’ውን ሓራ ኪኸውን’ዩ ፍጥረት፣

    ውዳሰ ንኣምላኽ ሰማያት።

    (ኣዝማች)

    ንተሓጐስ ቀሪባ መንግስቱ!

    ኬርህወልና’ዩ ወዱ ኣብ ግዝኣቱ።

    ኪውገድ’ዩ እከይ ምስ ጭቈና፣

    ’ዛ ተስፋና ኸም መልህቕ ተጽንዓና።