መዝሙር 143
ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት
-
1. ግዝኣት ያህ ቅኑዕ ምዃኑ፡
የሆዋ ጻድቕ ምዃኑ፡
እዚ ዚረጋገጸሉ፡
ቀሪቡ’ዩ እዋኑ።
(ኣዝማች)
ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት፡
ተሓጒስና’ውን ንጠምት፡
ናብታ ናይ ሓቂ ህይወት።
-
2. እቲ ወዱ ዚስዕረሉ፡
ጸላእቱ ዜወግደሉ፡
ተመዲቡ’ዩ እዋኑ፡
ዓወት ዜበስረሉ።
(ኣዝማች)
ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት፡
ተሓጒስና’ውን ንጠምት፡
ናብታ ናይ ሓቂ ህይወት።
-
3. ኵሉ ፍጥረት ’ናስቈርቈረ፡
ንሕና ግን ንጽበ ’ለና፡
’ታ መዓልቲ ኽትመጸልና፡
ክንነብር ሓራ ዄንና።
(ኣዝማች)
ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት፡
ተሓጒስና’ውን ንጠምት፡
ናብታ ናይ ሓቂ ህይወት።
(ማቴ. 25:13፣ ሉቃ. 12:36 እውን ርአ።)