መዝሙር 146
“ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”
-
1. ኣምላኽ ግዝኣቱ ኣብ ሰማይ ጀሚሩ፣
ወዱ ነጊሱ ብዓብዪ ኽብሩ።
ኣብ ሰማይ፡ ኣብ ውግእ ተዓዊቱ፣
ምድሪ ትጽበ’ላ በረኸቱ።
(ኣዝማች)
ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ’ዩ፣
ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪኸውን’ዩ።
ስቓይ፡ ኣውያት ፈጺሙ ኣይህሉን፣
ደጊም ሓዘን፡ ሞት ኣይኪኸውንን፣
ኣምላኽ ‘ኵሉ ኸሐድስ’የ’ ኢሉ፡
እዚ ሓቂ’ዩ እሙን።
-
2. መርዓት ’ቲ ገንሸል ሓዳስ የሩሳሌም፡
ከተንጸባርቕ ይርኣዩ ዅሎም፣
ተሰሊማ’ያ ብኽቡር ኣእማን፡
የሆዋ ጥራይ’ዩ ናታ ብርሃን።
(ኣዝማች)
ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ’ዩ፣
ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪኸውን’ዩ።
ስቓይ፡ ኣውያት ፈጺሙ ኣይህሉን፣
ደጊም ሓዘን፡ ሞት ኣይኪኸውንን፣
ኣምላኽ ‘ኵሉ ኸሐድስ’የ’ ኢሉ፡
እዚ ሓቂ’ዩ እሙን።
-
3. እዛ ኸተማ ተምጽእ’ያ ባህታ፡
ወትሩ ኽፉት’ዩ ኣፍ ደገታታ፣
ኵሉ ይመላለስ ብብርሃና፡
ባሮት ኣምላኽ ጹሩ ናታ ፋና።
(ኣዝማች)
ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ’ዩ፣
ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪኸውን’ዩ።
ስቓይ፡ ኣውያት ፈጺሙ ኣይህሉን፣
ደጊም ሓዘን፡ ሞት ኣይኪኸውንን፣
ኣምላኽ ‘ኵሉ ኸሐድስ’የ’ ኢሉ፡
እዚ ሓቂ’ዩ እሙን።
(ማቴ. 16:3፣ ራእ. 12:7-9፣ 21:23-25 እውን ርአ።)