ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 148

የሆዋ መናገፊ እዩ

የሆዋ መናገፊ እዩ

(2 ሳሙኤል 22:1-8)

  1. 1. ኦ የሆዋ ኣቦ፡ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፣

    ኣብ ፍጥረት ይርአ

    ግብርታት ሓይልኻ፣

    የልቦን ዚዳረገካ፡ ከቶ የልቦን

    ማዕረኻ።

    መን ኣሎ ኸማኻ፧

    (ኣዝማች)

    የሆዋ የናግፎም ንእሙናት፣

    ንኣገልገልቱ ኸውሒ’ዩ ቐርኒ ድሕነት፣

    ’ሞ ንኣውጅ ስሙ ብትብዓት፡

    ንንገረሉ፡

    መናገፊ ኣምላኽ ምዃኑ

    ይፍለጥ ኵሉ።

  2. 2. ጨኒቑኒ’ሎ ኣግማድ ሞት ከቢቡኒ፣

    ኦ የሆዋ ኣቦይ፡

    ብርታዐ ሃበኒ፣

    ካብቲ ቕዱስ መቕደስካ ጽን በለኒ፡

    ስምዓኒ፡

    ድማ ኣድሕነኒ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ የናግፎም ንእሙናት፣

    ንኣገልገልቱ ኸውሒ’ዩ ቐርኒ ድሕነት፣

    ’ሞ ንኣውጅ ስሙ ብትብዓት፡

    ንንገረሉ፡

    መናገፊ ኣምላኽ ምዃኑ

    ይፍለጥ ኵሉ።

  3. 3. ካብ ሰማይ ኣንጐድጒድካ፡ ድምጺ ኣስሚዕካ፣

    በዚ ተሓጒሶም፡

    ኵሎም ገላዉኻ፣

    ዝደለኻዮ ጌርካ፡ ዕላማኻ

    ፈጺምካ፡

    መናገፊ ዄንካ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ የናግፎም ንእሙናት፣

    ንኣገልገልቱ ኸውሒ’ዩ ቐርኒ ድሕነት፣

    ’ሞ ንኣውጅ ስሙ ብትብዓት፡

    ንንገረሉ፡

    መናገፊ ኣምላኽ ምዃኑ

    ይፍለጥ ኵሉ።

(መዝ. 18:1, 2፣ 144:1, 2 እውን ርአ።)