ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 1

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ”

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ”

ማቴዎስ 4:10

ኣትኵሮ፦ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቦታኡ ኺምለስ ዜድልየሉ ምኽንያት

1, 2. የሱስ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ወይ ኣብ መጀመርታ ሕዳር 29 ድ.ክ. ኣብ በረኻ ይሁዳ እንታይ ይገብር ነይሩ፧ ኣብኡኸ እንታይ ኣጋጢምዎ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

እዋኑ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ወይ ኣብ መጀመርታ ሕዳር 29 ድ.ክ. እዩ ነይሩ፣ የሱስ ከኣ ሽዑ ኣብቲ ብሰሜን ምዉት ባሕሪ ዚርከብ በረኻ ይሁዳ ነበረ። ምስ ተጠምቀን ምስ ተቐብአን፡ ናብቲ ቦታ እቲ ብመንፈስ ተመሪሑ እዩ ኸይዱ። ኣብቲ ኣኻውሕን ስንጭሮታትን ዝመልኦ ባድም ከኣ፡ ን40 መዓልቲ ኸይተረበሸ ጾመን ጸለየን ኣስተንተነን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንወዱ፡ ነቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ነገር ምእንቲ ኺዳሎ ኢሉ፡ ሓሳቡ ገሊጹሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

2 ድሕርዚ፡ የሱስ ብጥሜት ምስ ደኸመ፡ ሰይጣን ናብኡ መጸ። እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገር ድማ፡ ንዓኻን ንዅሎም ፈተውቲ ንጹህ ኣምልኾን ዚምልከት ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ።

“ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ . . .”

3, 4. (ሀ) ሰይጣን ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ፈተናታት እንታይ ቃላት እዩ እተጠቕመ፧ ንየሱስከ ብዛዕባ እንታይ እዩ ኼጠራጥሮ ዚፍትን ነይሩ፧ (ለ) ሎሚ ሰይጣን ተመሳሳሊ ስልትታት ዚጥቀም ብኸመይ እዩ፧

3 ማቴዎስ 4:1-7 ኣንብብ። ሰይጣን ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ፈተናታት፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ እዩ። እሞ ደኣ ሰይጣን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ድዩ ተጠራጢሩ፧ ኣይፋልን። እዚ መልኣኽን ወዲ ኣምላኽን ዝነበረ ፍጡር እዚ፡ የሱስ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። (ቈሎ. 1:15) ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ነቲ የሆዋ ኣብ ጥምቀት የሱስ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴ. 3:17) ምናልባት ሰይጣን ንየሱስ፡ ኣቦኡ እሙንን ሓላይን እንተ ዀይኑ ኼጠራጥሮ ደልዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብታ እንጌራ ናብ እምኒ ኪቕይር ዘቕረበሉ ቐዳመይቲ ፈተና፡ ‘ወዲ ኣምላኽ ካብ ኰንካ፡ ኣብዚ ባድም በረኻ እዚ ኣቦኻ ዘይምግበካ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሉ እዩ ዚሓትቶ ነይሩ። ኣብታ ኻብ ላዕለዋይ ጫፍ መንደቕ ቤተ መቕደስ ኪጸድፍ ዘቕረበሉ ኻልአይቲ ፈተና ኸኣ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ ካብ ኰንካ፡ ኣቦኻ ኼዕቍበካስ ብሓቂዶ ትኣምኖ ኢኻ፧’ ኢሉ እዩ ዚሓትቶ ነይሩ።

4 ሎሚ እውን ሰይጣን ተመሳሳሊ ስልትታት እዩ ዚጥቀም። (2 ቈረ. 2:11) እቲ ፈታኒ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኽሳዕ ዚደኽሙ ወይ ተስፋ ኽሳዕ ዚቘርጹ ይጽበ እሞ፡ ሽዑ ረቂቕ ብዝዀነ መገዲ እዩ ዜጥቅዕ። (2 ቈረ. 11:14) ፍቕሪ ወይ ስምረት የሆዋ ኽንረክብ ከቶ ኸም ዘይንኽእል ገይሩ ኼእምነና ይፍትን እዩ። ንየሆዋ ኽንኣምኖ ኸም ዘይንኽእል፡ ከምቲ ኣብ ቃሉ ዘተስፈዎ ኸኣ ከም ዘይገብር ገይሩ ኼእምነና እውን ይፍትን እዩ። እዚ ግና ጠሪሱ ሓሶት እዩ። (ዮሃ. 8:44) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ነዚ ኽንነጽጎ እንኽእል፧

5. የሱስ፡ እተን ቀዳሞት ክልተ ፈተናታት ምስ ቀረባሉ፡ እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰ፧

5 የሱስ፡ እተን ቀዳሞት ክልተ ፈተናታት ምስ ቀረባሉ፡ እንታይ ኢሉ ኸም ዝመለሰ እስከ ንርአ። ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ ዋላ ሓንቲ ጥርጣረ ኣይነበሮን፣ ብኣቦኡ እውን ምሉእ ብምሉእ ይእመን ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብኡብኡ ኻብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣቦኡ ብምጥቃስ፡ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ሓሳብ ነጺግዎ እዩ። ኣብቲ ዝጠቐሶ ኸኣ እቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ይርከብ እዩ። (ዘዳ. 6:16፣ 8:3) እወ፡ የሱስ ንስም ኣቦኡ ብምርቋሕ፡ ንኣቦኡ ኸም ዚኣምኖ ኣርእዩ እዩ። ከመይሲ፡ እዚ ፍሉይ ዝዀነ ስም እዚ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ኸም ዚፍጽሞ ውሕስነት ይዀነና እዩ። *

6, 7. ነቲ ረቂቕ መጥቃዕትታት ሰይጣን ከመይ ጌርና ኽንጻረሮ ንኽእል፧

6 ንሕና እውን ኣብ ቃል የሆዋ ብምውካልን ብዛዕባ መለኮታዊ ስም ብምስትንታንን፡ ነቲ ረቂቕ መጥቃዕትታት ሰይጣን ክንጻረሮ ንኽእል ኢና። እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ እንተላይ ስቡር ንዝልቦም ከም ዜፍቅሮምን ከም ዚሓልየሎምን ዚገልጽ ሓሳባት ንዓና እውን ከም ዚምልከት እንተ ተገንዚብና፡ ነቲ ሰይጣን ፍቕርን ስምረትን የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይንረክብ ዜቕርቦ ሓሶት ክንነጽጎ ንኽእል ኢና። (መዝ. 34:18፣ 1 ጴጥ. 5:8) የሆዋ ወትሩ ምስ ትርጉም ስሙ ተሰማሚዑ ኸም ዚመላለስ ዘይንርስዕ እንተ ዄንና ድማ፡ ነቲ ዘተስፈወና ኸም ዚፍጽሞ ምሉእ እምንቶ ይህልወና እዩ።—ምሳ. 3:5, 6

7 ቀንዲ ሸቶ ሰይጣን ግና እንታይ እዩ፧ ካባና እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ኣብታ ሰይጣን ንየሱስ ዘቕረበሉ ሳልሰይቲ ፈተና መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንጹር ኰይኑ ኣሎ።

“ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ”

8. ኣብታ ሳልሰይቲ ፈተና፡ ሰይጣን እቲ ጕዳይ ብሓቂ እንታይ ምዃኑ እዩ ዘግሃደ፧

8 ማቴዎስ 4:8-11 ኣንብብ። ኣብታ ሳልሰይቲ ፈተና፡ ሰይጣን እንታይ ከም ዚደሊ ብጐቦ ጐቦ ሓዲጉ ብግህዶ ገሊጹ እዩ። ንየሱስ “ኵለን መንግስትታት ዓለምን ክብረንን፡”—ንብልሽውናአን ሓዲጉ ማለት እዩ፡—ኣርኣዮ፣ ነዚ እውን ብራእይ እዩ ኣርእይዎ ኪኸውን ዚኽእል። ድሕሪኡ፡ ንየሱስ፡ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ። * እወ፡ እቲ ጕዳይ ምስ ስግደት ወይ ኣምልኾ እዩ ዚተሓሓዝ ነይሩ! ሰይጣን ንየሱስ፡ ንኣቦኡ ሓዲጉ ንዕኡ ኼምልኾ እዩ ዚደሊ ነይሩ። ኣቋራጭ መገዲ እዩ ዜቕርበሉ ነይሩ። ኵሉ ስልጣንን ሃብትን ኣህዛብ ኪረክብ ከም ዚኽእል፡ ነዚ ንምርካብ ድማ መከራ ኺጸግብ ከም ዘየድልዮ፡ ማለት ኣኽሊል እሾዅ ኪድፍኣሉን ኪግረፍን ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪስቀልን ከም ዘየድልዮ እዩ ዚእምተሉ ነይሩ። እዚ ቐሊል ፈተና ኣይነበረን። የሱስ ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ መንግስትታት ዓለም ዘለዎ ምልኪ ኣይተማጐተን። (ዮሃ. 12:31፣ 1 ዮሃ. 5:19) ሰይጣን ንየሱስ ካብቲ ንጹህ ኣምልኾ ኣቦኡ ምእንቲ ኼርሕቖ ኢሉ፡ ዘለዎ ዅሉ ምኸፈለ ነይሩ።

9. (ሀ) ሰይጣን ካብ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ከመይ ገይሩኸ እዩ ዚፍትነና፧ (ለ) ኣምልኾና እንታይ የጠቓልል፧ (“ኣምልኾ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

9 ሎሚ እውን ሰይጣን እንተ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ኸነምልኾ ይደሊ እዩ። “ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ” ብምዃኑ፡ ካብ ኵሉ እቲ ብሃይማኖታት ዓባይ ባቢሎን ዚቐርብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ይጥቀም እዩ። (2 ቈረ. 4:4) በቶም ቢልዮናት ናይ ሓሶት ኣምለኽቲ ስለ ዘይዓግብ ግና፡ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዚጻረሩ ንምግባር ይፍትኖም እዩ። ነቲ “ስለ ጽድቂ” መከራ ኽንጸግበሉ እንኽእል መገዲ ክርስትና ሓዲግና፡ ኣብ ዓለሙ ደድሕሪ ሃብትን ስልጣንን ክንጐዪ ይፍትነና እዩ። (1 ጴጥ. 3:14) በቲ ፈተና እንተ ተሰኒፍናን ንጹህ ኣምልኾ እንተ ሓዲግናን ክፍሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እንተ ዄንናን፡ ብኻልእ ኣዛራርባ ንሰይጣን ፍግም ኢልና ንሰግደሉ ወይ ኣምላኽና ንገብሮ ኣለና ኺብሃል ይከኣል እዩ። ነዚ ፈተና እዚ ኸመይ ጌርና ኽንጻረሮ ንኽእል፧

10. የሱስ፡ እታ ሳልሰይቲ ፈተና ምስ ቀረበትሉ፡ እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰ፧ ስለምንታይከ፧

10 የሱስ፡ እታ ሳልሰይቲ ፈተና ምስ ቀረበትሉ፡ እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰ፧ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እሙን ምዃኑ ብዜርኢ መገዲ፡ “ኪድ፡ ሰይጣን!” ብምባል፡ ነቲ ፈታኒ ብኡብኡ እዩ ሰጒጕዎ። ከምቲ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ፈተናታት ዝገበሮ ኸኣ፡ መለኮታዊ ስም ዘለዎ ጥቕሲ ኻብ ዘዳግም ብምጥቃስ፡ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” በለ። (ማቴ. 4:10፣ ዘዳ. 6:13) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ሓላፊ ዝና ዓለምን ነቲ መከራ ዘይብሉ ናብራ ምሾትን ምቕባል ኣብዩ እዩ። ኣምልኾ ንኣቦኡ ጥራይ ከም ዚግባእ፡ ንሰይጣን ሓንሳእ እውን እንተ ዀነ ‘ምስጋድ’ ከኣ ተገዛኢኡ ምዃን ከም ዜመልክት ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መትከሉ ብምጽናዕ፡ ነቲ እኩይ ፈታኒ ኣየምለኾን ወይ ኣምላኹ ኣይገበሮን። ቀጺሉ እቲ ዛንታ፡ “ድያብሎስ ሓደጎ” ይብለና። *

“ኪድ፡ ሰይጣን!” (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

11. ንሰይጣንን ንፈተናታቱን ከመይ ጌርና ኽንጻረሮ ንኽእል፧

11 ንሕና እውን ከም የሱስ ምርጫ ስለ ዘሎና፡ ንሰይጣንን ነቲ ኻብዛ እክይቲ ዓለሙ ዚመጽእ ፈተናታትን ክንጻረሮ ንኽእል ኢና። የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ፡ ክቡር ውህበት ሂቡና እዩ። ስለዚ፡ ሓደ እኳ ንንጹህ ኣምልኾ ኽንሓድግ ኬገድደና ኣይክእልን እዩ፣ እቲ ሓያል እኩይ ፈታኒ እውን እንተ ዀነ ኣይክእልን እዩ። ‘ብእምነት ጸኒዕና ንሰይጣን ክንቃወሞ ኸለና፡’ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “ኪድ፡ ሰይጣን!” ኢና እንብሎ ዘለና። (1 ጴጥ. 5:9) የሱስ ንሰይጣን ብጽኑዕ ምስ ተቓወሞ፡ ሰይጣን ሓዲግዎ እዩ ኸይዱ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ” ኢሉ ዜረጋግጸልና።—ያእ. 4:7

ናይ ሰይጣን ዓለም ንእተምጽኦ ፈተናታት፡ ክንጻረሮ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 11, 19 ርአ)

ጸላኢ ንጹህ ኣምልኾ

12. ሰይጣን ኣብ ኤደን ጸላኢ ንጹህ ኣምልኾ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

12 ሰይጣን ኣብታ ናይ መወዳእታ ፈተና፡ ቀዳማይ ጸላኢ ንጹህ ኣምልኾ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ቅድሚኡ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ግና፡ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ንኣምልኾ የሆዋ ዘለዎ ጽልኢ ኣርእዩ ነይሩ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ንሱ ንሄዋን ሓቢልዋ፣ ንሳ እውን ብግዲኣ ንኣዳም ትእዛዝ የሆዋ ኺጥሕስ ኣእሚናቶ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሰይጣን ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱን ቍጽጽሩን ኣእትይዎም። (ዘፍጥረት 3:1-5 ኣንብብ፣ 2 ቈረ. 11:3፣ ራእ. 12:9) ከም ሓቂ፡ መን ከም ዘስሓቶም ብልክዕ እኳ እንተ ዘይፈለጡ፡ ንሱ ኣምላኾም፡ ንሳቶም ከኣ ኣምለኽቱ እዮም ኰይኖም። ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ኣብ ኤደን ዕልወት ብምልዕዓሉ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ወይ ነቲ የሆዋ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ብድሆ ኣቕሪቡሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ እውን መጥቃዕቲ ፈንዩ እዩ። ብኸመይ፧

13. ንጹህ ኣምልኾ ምስ ጕዳይ ልዑላውነት ብኸመይ ይተሓሓዝ፧

13 ጕዳይ ልዑላውነት ምስ ንጹህ ኣምልኾ ይተሓሓዝ እዩ። ኣምልኾ ነቲ ናይ ሓቂ ልዑላዊ ወይ ነቲ ‘ንዅሉ ዝፈጠረ’ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚግባእ። (ራእ. 4:11) የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ፍጹማት ገይሩ ፈጢሩ ኣብ ገነት ኤደን ምስ ኣንበሮም፡ ብዘላ ምድሪ ንዕኡ ብፍታው ብዜምልኽዎ፡ ማለት ብንጹህ ልቢ ተላዒሎም ንጹህ ኣምልኾ ብዜቕርቡ ፍጹማት ሰባት ክትመልእ እዩ ዕላማ ገይሩ ነይሩ። (ዘፍ. 1:28) ሰይጣን ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ጥራይ ዚግባእ ነገር ማለት ኣምልኾ ስለ እተመነየ እዩ ንልዑላውነት የሆዋ ብድሆ ኣቕሪቡሉ።—ያእ. 1:14, 15

14. ሰይጣን በቲ ኣብ ልዕሊ ንጹህ ኣምልኾ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ተዓዊቱዶ፧ ግለጽ።

14 እሞኸ ሰይጣን በቲ ኣብ ልዕሊ ንጹህ ኣምልኾ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ተዓዊቱዶ፧ ንኣዳምን ንሄዋንን ካብ ኣምላኽ ኣርሒቕዎም እዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ከኣ፡ ሰይጣን ብእተኻእሎ መጠን ንብዙሓት ካብ የሆዋ ኣምላኽ ንምርሓቕ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ውግእ ወሊዑ ኣሎ። ነቶም ቅድሚ ግዜ ክርስትና ዝነበሩ ኣምለኽቲ የሆዋ ብፈተና ገይሩ ንምስዳዕ ከይተሓለለ እዩ ጽዒሩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ድማ፡ ክሕደት ኣለዓዒሉ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እታ ክርስትያናዊ ጉባኤ ስለ እተበላሸወት፡ ንጹህ ኣምልኾ ዝጠፍአ መሲሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 13:24-30, 36-43፣ ግብ. 20:29, 30) ካብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ ኣምለኽቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ ምርኮ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ኣትዮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ሰይጣን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ምፍሻል ኣይተዓወተን። ንኣምላኽ ዕላማኡ ኸይፍጽም ኪዓግቶ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። (ኢሳ. 46:10፣ 55:8-11) እዚ ምስ ስሙ ዚተሓሓዝ እዩ፣ ንሱ እውን ወትሩ ምስ ስሙ ተሰማሚዑ እዩ ዚመላለስ። የሆዋ ብርግጽ ዕላማኡ ይፍጽም እዩ!

ተጣባቒ ንጹህ ኣምልኾ

15. የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓለወኛታት ስጕምቲ ንምውሳድን ዕላማኡ ኸም ዚፍጸም ንምርግጋጽን እንታይ እዩ ገይሩ፧

15 የሆዋ ብኡብኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓለወኛታት ስጕምቲ ወሲዱን ዕላማኡ ኸም ዚፍጸም ኣረጋጊጹን እዩ። (ዘፍጥረት 3:14-19 ኣንብብ።) ኣዳምን ሄዋንን ገና ኣብ ገነት ኤደን ከለዉ እኳ፡ የሆዋ ነቶም ሰለስተ ዓለወኛታት በቲ ሓጢኣት ዝገበሩሉ መስርዕ ሰሪዑ፡ ማለት ፈለማ ንሰይጣን፡ ድሕሪኡ ንሄዋን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንኣዳም ፈሪድዎም እዩ። ነቲ ዘይርአ ቘስቋሲ ዝዀነ ሰይጣን ኣብ እተዛረቦ ቓላት ከኣ፡ ንሳዕቤናት እቲ ዕልወት ዜዐሪ “ዘርኢ” ኸም ዚመጽእ ተነብዩ እዩ። እቲ ተስፋ እተገብረሉ “ዘርኢ” ድማ ነቲ ምስ ንጹህ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ዕላማ የሆዋ ኣብ ምፍጻም ዓብዪ ግደ ዚህልዎ እዩ ነይሩ።

16. የሆዋ ደድሕሪ እቲ ኣብ ኤደን እተገብረ ዕልወት፡ ዕላማኡ ምፍጻም ዝቐጸለ ብኸመይ እዩ፧

16 የሆዋ ደድሕሪ እቲ ኣብ ኤደን እተገብረ ዕልወት፡ ዕላማኡ ምፍጻም ደው ኣየበለን። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ከም እንርእዮ፡ ዘይፍጹማት ሰባት ብቕቡል መገዲ ዜምልኹሉ ስርዓት ሰሪዑ እዩ። (እብ. 11:4–12:1) ንኸም እኒ ኢሳይያስን ኤርምያስን ህዝቅኤልን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ መሳጢ ትንቢታት ኪጽሕፉ ደሪኽዎም እዩ። ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ኸኣ ኣብቲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ጕሉሕ ቦታ ኣለዎ። ኵሉ እቲ ትንቢታት ድማ በቲ ተስፋ እተገብረሉ “ዘርኢ” እዩ ዚፍጸም፣ ንሱ ኸኣ ብቐዳምነት የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ገላ. 3:16) የሱስ ተጣባቒ ንጹህ ኣምልኾ እዩ፣ ነታ ሳልሰይቲ ፈተና ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ ነዚ ብንጹር ኣርእዩ እዩ። እወ፡ የሆዋ ንየሱስ፡ ነቲ ምስ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ እተተሓሓዘ ትንቢታት ኪፍጽም ሓርይዎ እዩ። (ራእ. 19:10) ንሱ ኸኣ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ መንፈሳዊ ምርኮ ሓራ ኣውጺኡ፡ ንንጹህ ኣምልኾ ናብ ግቡእ ቦታኡ ኺመልሶ እዩ።

እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

17. ነቲ ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ዚገልጽ ትንቢታት ኣብ ልብና እነሕድሮ ስለምንታይ ኢና፧

17 ነቲ ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ዚገልጽ ትንቢታት ምምርማር ባህ የብለናን ንእምነትና የደልድሎን እዩ። ነቲ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ፍጥረት ብንጹህ ኣምልኾ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ሓድነት ዚረኽበሉ እዋን ብሃንቀውታ ስለ እንጽበ፡ ነዚ ትንቢታት እዚ ኣብ ልብና ነሕድሮ ኢና። እዚ ትንቢታት እዚ ገለ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ልቢ ዚትንኪ መተባብዒታት ዝሓዘ ብምዃኑ፡ ተስፋ ይህበና እዩ። መን ካባና እሞ እዩ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት፡ እንተላይ ትንሳኤ እንፈትዎም ሰብናን ገነታዊት ምድርን መወዳእታ ዘይብሉ ፍጹም ህይወትን ኪፍጸም ከሎ ኺርኢ ዘይደሊ፧—ኢሳ. 33:24፣ 35:5, 6፣ ራእ. 20:12, 13፣ 21:3, 4

18. ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

18 ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዘሎ መሳጢ ትንቢታት ክንምርምር ኢና። ሓያሎ ኻብዚ ትንቢታት እዚ፡ ኣብ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ዘተኰረ እዩ። ኣብ ህዝቅኤል ዘሎ ትንቢታት ምስ ካልእ ትንቢታት ብኸመይ ከም ዚዛመድን ብክርስቶስ ኣቢሉ ብኸመይ ከም ዚፍጸምን ንዓና ብኸመይ ከም ዚምልከተናን ክንርኢ ኢና።—“ትሕዝቶ መጽሓፍ ህዝቅኤል” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

19. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧ ስለምንታይከ፧

19 ሰይጣን ብ29 ድ.ክ. ኣብ በረኻ ይሁዳ ንየሱስ ካብ ንጹህ ኣምልኾ ንምርሓቕ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን። ኣባናኸ ኸመይ ኰን ኪኸውን እዩ፧ ሰይጣን ንዓና ኻብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምርሓቕ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ቘሪጹ እዩ ተላዒሉ ዘሎ። (ራእ. 12:12, 17) እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ እኩይ ፈታኒ ንምጽራሩ ዘሎና ቘራጽነት ከተደልድል እዩ ትምኒትና። ብቓልናን ብተግባርናን ድማ ምስቲ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ” ዚብል ቃላት ከም እንሰማማዕ ነርኢ። ሽዑ፡ እቲ ኽቡር ዕላማ የሆዋ ኺፍጸም ከሎ ኽንርኢ ኢና። እወ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብሓድነት ንየሆዋ ኻብ ንጹህ ልቢ ተላዒሉ ዚግብኦ ንጹህ ኣምልኾ ኺህቦ ኸሎ ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኦም ሰባት ንስም የሆዋ፡ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ ገይሮም እዮም ዚርድእዎ። እዚ ኸኣ ምስቲ የሆዋ ኸም ፈጣርን ፈጻሚ ዕላማኡን ዘለዎ ግደ ኣጸቢቑ ይሰማማዕ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ብዛዕባ እተን ሰይጣን እተዛረበን ቃላት፡ ሓደ መወከሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ዝወደቑሉ ናይ ፈለማ ፈተና እተገልጸ . . . እቲ ሕቶ ኻብ ፍቓድ ሰይጣን ወይ ፍቓድ ኣምላኽ ሓዲኡ ኣብ ምሕራይ ዘተኰረ እዩ፣ ነዚ ሓደ ወይ ነቲ ሓደ ኣምልኾ ምቕራብ ዚብል ሓሳብ እውን ኣብ ውሽጡ ሒዙ ኣሎ። ሰይጣን ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ በይኑ ኣምላኽ ከም ኣምላኽ ኰይኑ ምእንቲ ኺርአ ንርእሱ ኽብ የብል እዩ።”

^ ሕ.ጽ. 10 ወንጌል ሉቃስ ነዚ ፈተናታት እዚ ብኻልእ መገዲ እዩ ሰሪዕዎ ዘሎ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ማቴዎስ ዝጸሓፎ ዛንታ፡ መስርዕ ግዜ ዝሓለወ ኪኸውን ኣለዎ። ነዚ መርትዖ ዚኸውን ሰለስተ ምኽንያት እስከ ንርአ። (1) ማቴዎስ ነታ ኻልአይቲ ፈተና፡ “ሽዑ” ድሕሪ እትብል ቃል ስለ ዘዘንተዋ፡ ቀጺሉ ዝዀነ ፍጻመ ምዃኑ ይሕብር። (2) እተን “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ” ዚብል ሓረግ ዘለወን ክልተ ፈተናታት ብረቂቕ መገዲ ዝቐረባ ብምዃነን፡ ቅድሚ እታ ነታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ ንምጥሓስ ብግህዶ ዝቐረበት ፈተና ኪዀና ኣለወን። (ዘጸ. 20:2, 3) (3) እቲ የሱስ፡ “ኪድ፡ ሰይጣን!” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት፡ ደድሕሪ እታ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን ፈተና ተዘሪቡ ኪኸውን ኣለዎ።—ማቴ. 4:5, 10, 11