ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 3

“ራእያት ኣምላኽ ረኣኹ”

“ራእያት ኣምላኽ ረኣኹ”

ህዝቅኤል 1:1

ኣትኵሮ፦ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ሰማያዊት ሰረገላ

1-3. (ሀ) ህዝቅኤል እንታይ ከም ዝረኣየን እንታይ ከም ዝሰምዐን ግለጽ። (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እንታይ ዓይነት ሓይሊ እዩ ንህዝቅኤል ነቲ ራእይ ከም ዚርኢ ዝገበሮ፧ እዚኸ ንህዝቅኤል ብኸመይ ጸለዎ፧

ህዝቅኤል ስግር እቲ ሑጻ ዝመልኦ ጐልጐል ኣማዕድዩ ተቛመተ። ኣብ ፈለማ ኣዒንቱ ኣጨምጪሙ ጠመተ፡ ጸኒሑ ግና ኣፍጠጦ። በቲ ኣዒንቱ ዝርኣዮ ኺኣምን ኣይከኣለን። ኣብ ጥቓ እቲ ደረት ትርኢት ብርቱዕ ንፋስ ይልዓል ነበረ። እቲ ህቦብላ ግና ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። እቲ ኻብ ሰሜን ዝመጸ ብርቱዕ ንፋስ ንጸጕሩን ንኽዳውንቱን ኬወዛውዞ ኸሎ፡ ዓብዪ ደበና ረኣየ። እቲ ደበና ኸኣ ኣብ ማእከሉ ማሕማሕ ብዚብል ሓዊ በሪሁ ነበረ፣ እቲ ብርሃኑ ድማ ንፍሱስ ክቡር ብረት ይመስል ነበረ። * እቲ ደበና ናብ ህዝቅኤል እናቐረበ ምስ መጸ፡ ከም ደሃይ ዓብዪ ሰራዊት ዝበለ ደሃይ እናበርትዐ መጸ።—ህዝ. 1:4, 24

2 እቲ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ዝዀነ ሰብኣይ፡ ካብቲ ብተኸታታሊ ዜጋጥሞ ዘይርሳዕ ተመክሮታት፡ እቲ ናይ ፈለማ እዩ ዜሕልፍ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ኢድ የሆዋ” ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝዀነት፡ ማለት እቲ ኺዕገት ዘይከኣል ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝዀነ ተሰምዖ። እቲ መንፈስ ዘርኣዮን ዘስምዖን ነገር ከኣ መስተንክር እዩ ነይሩ፣ ሎሚ ሰራሕቲ ፊልም ኪሰርሕዎ ኻብ ዚኽእሉ ንላዕሊ ዕጹብ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ህዝቅኤል ነቲ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ልዕሊ ዓቕሙ ስለ ዝዀኖ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ወደቐ።—ህዝ. 1:3, 28

3 የሆዋ ግና ነዚ ሰብኣይ እዚ ብፍርሃት ከም ዚምላእ ኪገብሮ ጥራይ ኣይኰነን ሓሲቡ። እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ቐዳማይ ራእይ፡ ከምቲ ኣብታ መሳጢት ትንቢታዊት መጽሓፍ ዘሎ ዝተረፈ ሓበሬታ፡ ንዕኡ ዀነ ሎሚ ንዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። ስለዚ፡ ነቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮን ዝሰምዖን ነገር ብዝርዝር እስከ ንመርምሮ።

ኵነታት

4, 5. ህዝቅኤል ራእይ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ከመይ ዝበለ ዅነታት ነይሩ፧

4 ህዝቅኤል 1:1-3 ኣንብብ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ዅነታት እስከ ምልስ ኢልና ንርአ። እዋኑ 613 ቅ.ክ. እዩ ነይሩ። ኣብታ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ ኸኣ፡ ህዝቅኤል ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ምሩኻት ኣብ ባቢሎን፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር እዩ ዚነብር ነይሩ። ፈለግ ኬባር ድማ ካብ ፈለግ ኤፍራጥስ ተፈልዩ ዚወጽእ እሞ ደሓር ተመሊሱ ዚጽምበር ጃለቡ ኺጕዓዛሉ ዚኽእላ ሰብ ዝሰርሖ ፈለግ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ህዝቅኤል ምስ ካልኦት ምሩኻት ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር ይነብር ነበረ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

5 ዓዲ እቶም ምሩኻት፡ ማለት የሩሳሌም ካብቲ ቦታ ኣስታት 800 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እያ እትርከብ ነይራ። * እታ ኣቦ ህዝቅኤል ብኽህነት ዘገልገለላ ቤተ መቕደስ ከኣ ብብልሽውናን ብኣምልኾ ጣኦትን መሊኣ እያ ነይራ። እቲ ዳዊትን ሰሎሞንን ብኽብሪ ዝነገሱሉ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዝፋን ድማ፡ መሕፈሪ እዩ ዀይኑ ነይሩ። እቲ እምነት ዘይነበሮ ንጉስ ዮያኪን ምስቶም ምሩኻት ኣብ ባቢሎን እዩ ነይሩ። ንዕኡ ተኪኡ ኣብ ዝፋን ዝደየበ ጼዴቅያስ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ንጉስ ባቢሎን ኰይኑ ዚገዝእ እኩይ ሰብ እዩ ነይሩ።—2 ነገ. 24:8-12, 17, 19

6, 7. ህዝቅኤል ኣብ እዋን ጸልማት ይነብር ከም ዘሎ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

6 ንኸም ህዝቅኤል ዝበለ ናይ እምነት ሰብ፡ እቲ እዋን እቲ ግዜ ጸልማት ኪመስሎ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ምስኡ ዝነበሩ ምሩኻት ድማ፡ ‘የሆዋስ ካንዶ ንሓዋሩ ሓዲጉና እዩ፧ እዛ እክይቲ ባቢሎን ምስቶም ማእለያ ዘይብሎም ናይ ሓሶት ኣማልኽታ ዀይናኸ ነቲ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ኸተጥፍኦን ንግዝኣቱ ኽትድምስሶን ድያ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

7 ነዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ፡ ስለምንታይ ነቲ ህዝቅኤል ብንጹር ዝገለጾ ቐዳማይ ራእዩ ብብሕትኻ ኸተጽንዖ ዘይትጅምር፧ (ህዝ. 1:4-28) ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ንርእስኻ ኣብ ቦታ ህዝቅኤል ኣእትዋ፣ ነቲ ዝረኣዮ ርኣዮ፡ ነቲ ዝሰምዖ እውን ስምዓዮ።

ኣብ ጥቓ ከርከሚሽ ዚርከብ ፈለግ ኤፍራጥስ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-7 ርአ)

ንበይና ዝዓይነታ መጕዓዝያ

8. ህዝቅኤል ብራእይ እንታይ እዩ ርእዩ፧ እቲ ዝረኣዮ ነገርከ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

8 እሞ ደኣ ህዝቅኤል እንታይ እዩ ርእዩ፧ ሓንቲ ዓባይን መስተንክርን መጕዓዝያ እዩ ርእዩ፣ እታ መጕዓዝያ ኸኣ ሰረገላ ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። ኣርባዕተ ዓበይቲ መንኰራዅር ድማ ነበራ፣ ነቲ መንኰራዅር ከኣ ኣርባዕተ ፍልይ ዝበሉ መንፈሳውያን ፍጡራት ኣሰንዮምዎ ነበሩ። ንሳቶም ድማ ኪሩቤል ምዃኖም ጸኒሑ ተገሊጹ ኣሎ። (ህዝ. 10:1) ኣብ ልዕሊኦም ድማ ከም በረድ ዚመስል ሰፊሕ መድረኽ ወይ ጠፈር ተዘርጊሑ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዝፋን ኣምላኽ ነበረ፣ ኣብኡ እውን የሆዋ ተቐሚጡ ነበረ። እታ ሰረገላ ግና ንምንታይ እያ እተመልክት፧ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ንሓደ ነገር ጥራይ፡ ማለት ንሰማያዊ ኽፋል እታ ኽብሪ ዝዓሰላ ውድብ የሆዋ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ናብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ዝደረኸና ሰለስተ ረቛሒታት እስከ ንርአ።

9. እቲ የሆዋ ምስቶም ሰማያውያን ፍጡራቱ ዘለዎ ርክብ ምስቲ ብዛዕባ እቲ መጕዓዝያ እተዋህበ መግለጺ ኸመይ ኢሉ ይሳነ፧

9 የሆዋ ምስቶም ሰማያውያን ፍጡራቱ ዘለዎ ርክብ። ኣብዚ ራእይ እዚ፡ ዝፋን የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተነቢሩ ኸም ዘሎ ነስተብህል። ኣብ ካልእ ክፋላት ቃል ኣምላኽ፡ የሆዋ ወይ ንዕኡ ዚውክል ነገር ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ወይ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ከም እተቐመጠ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (2 ነገስት 19:15 ኣንብብ፣ ዘጸ. 25:22፣ መዝ. 80:1) ልክዕ እዩ፡ የሆዋ በቶም ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት ኪጽወር ስለ ዘየድልዮ፡ ቃል ብቓሉ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ኣይቅመጥን እዩ፣ ቃል ብቓሉ እውን ሰረገላ ኺውጣሕ ኣየድልዮን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኪሩቤል ንልዑላውነት የሆዋ ይድግፉ እዮም፣ ንልዑላዊ ፍቓዱ ንምፍጻም ከኣ ናብ ዝዀነ ቦታ ኺልእኮም ይኽእል እዩ። ንሳቶም እውን ከም ኵሎም ቅዱሳት መላእኽቲ የሆዋ፡ ኣገልገልቱ ወይ ወኪላቱ ብምዃን ውሳነታቱ ይፍጽሙ እዮም። (መዝ. 104:4) በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ኸም ልዑላዊ ገዛኢኦም መጠን እናመርሖም ኣብ ልዕሊኦም “ይውጣሕ” ኪብሃል ይከኣል እዩ፣ ንሳቶም እውን ከም ክፋል ሓንቲ ዓባይ መጕዓዝያ ጌርካ ኺግለጹ ይከኣሉ እዮም።

10. እታ ሰማያዊት ሰረገላ ኻብ ኣርባዕተ ኪሩቤል ንላዕሊ ኸም እተጠቓልል ዚእምት እንታይ ሓሳብ ኣሎ፧

10 እታ መጕዓዝያ ነቶም ኪሩቤል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ተመልክት። እቶም ህዝቅኤል ዝረኣዮም ኪሩቤል፡ ኣርባዕተ እዮም ነይሮም። እቲ ቝጽሪ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ንምዕሩይነት ወይ ንምሉእነት፡ ማለት ንዅሉ ዝሓቘፈ ምዃኑ የመልክት። እምበኣር፡ እቶም ኣርባዕተ ኪሩቤል ንዅሎም እሙናት መንፈሳውያን ደቂ የሆዋ እዮም ዜመልክቱ። እቶም መንኰራዅርን እቶም ኪሩቤልን ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ፣ እዚ ድማ እቶም ኣርባዕተ መንፈሳውያን ፍጡራት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ብዙሓት ካልኦት እውን ብንቕሓት ዚከታተሉ ምዃኖም የመልክት። እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ዓባይ መጕዓዝያ ዝሃቦ መግለጺ ኸኣ፡ ነቶም ኪሩቤል ንኣሽቱ ኸም ዝዀኑ እዩ ዜምስሎም። (ህዝ. 1:18, 22፣ 10:12) ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ሰፊሕ እዩ፣ ነቶም ኣርባዕተ ኪሩቤል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣዝዮም ብዙሓት እውን የጠቓልል እዩ።

ህዝቅኤል በቲ ዝረኣዮ ራእይ ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ ፍርሃት ሓደሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-10 ርአ)

11. ዳንኤል እንታይ ተመሳሳሊ ራእይ እዩ ርእዩ፧ ካብኡኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና እንበጽሕ፧

11 ዳንኤል ዝረኣዮ ተመሳሳሊ ራእይ ሰማይ። ነብዪ ዳንኤል ምሩኽ ኰይኑ ኣብ ከተማ ባቢሎን ነዊሕ ዓመታት ተቐሚጡ እዩ፣ ንሱ እውን ራእይ ሰማይ ርእዩ እዩ። እቲ ዜገርም ድማ፡ እቲ ኣብቲ ራእይ እቲ እተራእየ ዝፋን የሆዋ እውን መንኰራዅር ነይርዎ እዩ። እቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ ኣብ ግዝፊ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ መንፈሳዊ ስድራ የሆዋ እዩ ኣተኲሩ። ዳንኤል ከኣ፡ “ሽሕ ግዜ ሽሕ . . . እልፊ ግዜ እልፊ” ዝብዝሖም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቘይሞም ረኣየ። እቲ ሰማያዊ ቤት ፍርዲ ድማ ተቐመጠ፣ እዚ ማለት ድማ ነፍሲ ወከፎም ኣብ እተመደበሎም ቦታ ኸም ዝዀኑ የመልክት። (ዳን. 7:9, 10, 13-18) እሞ ደኣ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ነዞም ክብሪ ዝዓሰሎም እኩባት መንፈሳውያን ፍጡራት ኸም ዜመልክት ምድምዳምሲ ግቡእ ደይኰነን፧

12. ብዛዕባ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ሰማያዊት ሰረገላ ዀነ ብዛዕባ ኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ምጽናዕ፡ ንዓና ዕቝባ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

12 ሰባት ንኣእምሮኦም ኣብ መንፈሳዊ ነገራት፡ ማለት ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ዘይርአ” ኢሉ ዝጸውዖ ነገራት ከም ዜተኵር እንተ ገይሮምዎ ዕቝባ ኸም ዚዀኖም የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ስለምንታይ፧ ስጋን ደምን ስለ ዝዀንና፡ ኣብቲ ግዜያዊ ዝዀነ “ዚርአ” ስጋዊ ነገራት እምብዛ ነተኵር ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:18 ኣንብብ።) ሰይጣን ከኣ ነዚ ዝንባለና እዚ ብምትዅታዅ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘሎና ሰባት ክንከውን ይደፋፍኣና እዩ። የሆዋ ግና ነቲ ጸቕጢ እቲ ምእንቲ ኽንጻወሮ ኢሉ፡ ብፍቕሩ ተደሪኹ ነዚ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚርከብ ራእይን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓበሬታን ሂቡና ኣሎ። እቲ ሓበሬታ ኸኣ ነቲ ዜፍርህ ዕቤት ሰማያዊ ስድራ የሆዋ የዘኻኽረና እዩ።

“ተንኰርኰርቲ!”

13, 14. (ሀ) ህዝቅኤል ነቲ ዝረኣዮ መንኰራዅር ብኸመይ ገሊጽዎ፧ (ለ) እቲ ሰረገላ የሆዋ መንኰራዅር ዘለዎ ምዃኑ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 ፈለማ፡ ህዝቅኤል ኣብቶም ኣርባዕተ ኪሩቤል ኣተኰረ፣ ኣብ ምዕራፍ 4 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ፡ እቶም ፍጡራትን እቲ ዜደንቕ ትርኢቶምን ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚምህረና ኽንርኢ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ህዝቅኤል ነቲ ኣርባዕተ መንኰርኰር ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ረኣዮ፣ እቲ መንኰራዅር ድማ ኣብ ኣርባዕተ ነቝጣ ዀይኑ ዓብዪ ትርብዒት ኣቚሙ ኪኸውን ኣለዎ። (ህዝቅኤል 1:16-18 ኣንብብ።) ትርኢቱ ኸኣ ክሪሶሊት ይመስል ነበረ። ክሪሶሊት ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ብርሃን ዜመሓላልፍ ብጫ ወይ ሓምላይ ብጫ ዝሕብሩ ኽቡር እምኒ እዩ። እዚ ውቁብ ክቡር እምኒ ኸኣ የንጸባርቕ ነበረ።

14 እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ኣብ መንኰራዅር እታ ሰረገላ ብዙሕ ኣተኲሩ እዩ። ክልተ ብሓደ ዘይከይድ ነገር ድማ እዩ ጠቒሱ፦ ዝፋንን መንኰራዅርን! ዝፋን ኣብ ሓደ ቦታ ኸም ዚንበር ጌርና ኢና እንሓስቦ። ምድራውያን ነገስታት ጽልዋኦም ድሩት ስለ ዝዀነ፡ ከምኡ ምሕሳብና ቕኑዕ እዩ። ልዑላውነት የሆዋ ግና ካብ ዝዀነ ሰብኣዊ ግዝኣት ኣጸቢቑ እተፈልየ እዩ። ከምቲ ህዝቅኤል ድሕሪኡ ዝፈለጦ፡ እቲ ልዑላዊ ሓይሊ የሆዋ ደረት የብሉን። (ነህ. 9:6) እዚ ልዑላዊ ገዛኢ እዚ፡ ኣብ ኵሉ ስልጣን ኣለዎ!

15. ህዝቅኤል ብዛዕባ ዕቤትን ትርኢትን ኣሰራርሓን እቲ መንኰራዅር እንታይ እዩ ሓቢሩ፧

15 ህዝቅኤል ብዕቤት እቲ መንኰራዅር ተደኒቑ እዩ። “ዕንክሊላቱ ኸኣ ኣዝዩ ነዊሕ ብምዃኑ ዜፍርህ ነበረ” ኢሉ እውን ጽሒፉ ኣሎ። ህዝቅኤል ነቲ ዓብዪ ዜንጸባርቕ ዕንክሊላት ንምርኣይ ኬንቃዕርር ከሎ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ናይ ኣርባዕቲኡ [መንኰራዅር] ዕንክሊላት ኣብ ዙርያኡ ኣዒንቲ መሊእዎ ነበረ” ኢሉ ዜስደምም ዝርዝር ሓሳብ ጠቒሱ ኣሎ። ኣሰራርሓ እቲ መንኰራዅር ግና ልዕሊ ዅሉ መሳጢ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ህዝቅኤል ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ” ኢሉ ኣሎ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

16, 17. (ሀ) ኣብቲ ሰረገላ፡ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ ሓደ መንኰርኰር ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ መንኰራዅር ብዛዕባ ናይ ምጥውዋይ ክእለት እታ መጕዓዛያ የሆዋ እንታይ ይገልጽ፧

16 እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ መንኰራዅር፡ በብኽልተ መንኰርኰር ዝቘመ ኪኸውን ኣለዎ፣ ክልተ መንኰርኰር ብቕኑዕ ኵርናዕ ሓደ ኣብ ውሽጢ ሓደ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ እዩ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ መንኰራዅር፡ “ምስ ዚንቀሳቐስ፡ ኪኸይድ ከሎ ኸይተጠውየ፡ ብዝዀነ እቲ ኣርባዕተ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል ነበረ” ኢሉ ዝገለጸ። እዚ መንኰራዅር እዚ ብዛዕባ እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ሰማያዊት መጕዓዝያ እንታይ ይሕብረና፧

17 ኣዝዩ ነዊሕ ዝቝመቱ መንኰራዅር ኺዘውር ከሎ፡ ብሓንሳእ ነዊሕ ርሕቀት እዩ ዚሽፍን። ኣብቲ ራእይ እውን፡ እታ መጕዓዝያ ብፍጥነት በርቂ ኸም እትጕዓዝ ተሓቢሩ ኣሎ። (ህዝ. 1:14) ብዘይካዚ፡ እቲ ኣርባዕተ ዝኣንፈቱ መንኰራዅር፡ ሰብኣውያን መሃንድሳት ተመንዮም ኪሰርሕዎ ዘይክእሉ ናይ ምጥውዋይ ክእለት ከም ዘለዎ ይሕብር። እዛ መጕዓዝያ እዚኣ ፍጥነታ ኸይነከየት ወይ ከይተጠውየት ኣንፈታ ኽትቅይር ትኽእል እያ። ኰይኑ ግና፡ ንምንቅስቓሳ ብወዝቢ ኣይኰነትን እትገብሮ። እቲ ኣብቲ ዕንክሊላት ዘሎ ኣዒንቲ፡ እታ መጕዓዝያ ነቲ ብዅሉ ኣንፈት ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ዘበለ ዅሉ፡ ምሉእ ብምሉእ ከም እትፈልጦ ብንጹር ይሕብር እዩ።

እቲ መንኰራዅር ዓብዪ ነበረ፣ ብብርቱዕ ፍጥነት እውን ይጐዓዝ ነበረ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

18. ካብቲ ዜፍርህ ዕቤት እቲ መንኰራዅርን ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ ኣዒንትን እንታይ ንምሃር፧

18 እሞ ደኣ የሆዋ ንህዝቅኤል፡—ከምኡ ድማ ንዅሎም እሙናት ህዝቡ፡—ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኽፋል ውድቡ እንታይ እዩ ዚምህር ነይሩ፧ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ከም ዝረኣና እሞ ንሕሰብ። በቲ ዜንጸባርቕ መንኰራዅርን ብዕቤቱን ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እታ መጕዓዝያ ኽብሪ ዝዓሰላን እተፍርህን እያ። በቲ ኣብቲ መንኰራዅር ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ ኣዒንቲ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ ኸኣ፡ ንዅሉ ትፈልጥ እያ። ኣዒንቲ የሆዋ ንዅሉ ይርእያ እየን። (ምሳ. 15:3፣ ኤር. 23:24) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ናብ ዝዀነ ኽፋል ዩኒቨርስ ኪልእኮም ዚኽእል ሚልዮናት መላእኽቲ ኣለውዎ፣ ንሳቶም ድማ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ተዓዚቦም ነቲ ልዑላዊ ገዛኢኦም ጸብጻብ ኪህቡ ይኽእሉ እዮም።—እብራውያን 1:13, 14 ኣንብብ።

ኣሰራርሓ እቲ መንኰራዅር፡ ብቐሊሉ ኺጠዋወ ኸም ዚኽእል ይሕብር (ሕጡብ ጽሑፍ 17, 19 ርአ)

19. ሰረገላ የሆዋ ፈጣንን ብቐሊሉ እትጠዋወን ምዃና ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ሰማያዊ ኽፋል ውድቡን እንታይ ይምህረና፧

19 ብተወሳኺ፡ እታ ሰረገላ ኣዝያ ፈጣንን ብቐሊሉ እትጠዋወን ምዃና ርኢና ኢና። እቲ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኻብ ሰብኣውያን መንግስትታትን ትካላትን ውድባትን ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ሰብኣውያን መንግስትታትን ትካላትን ውድባትን ምስ ዚለዋወጥ ኵነታት ስለ ዘይተዓራረ፡ ናብ ውድቀት ክሳዕ ዚሽመም ወይ ግዜ ኽሳዕ ዚሓልፎ ጠምበርበር እናበለ እዩ ዚጕዓዝ። ሰረገላ የሆዋ ግና ንባህርያት እቲ ንዕኡ ዚቈጻጸሮ ሚዛናውን ተዋሃሃዳይን ዝዀነ ኣምላኽ እያ ምሉእ ብምሉእ እተንጸባርቕ። ስም ኣምላኽ ከም ዚሕብሮ፡ ፍቓዱ ንምፍጻም ዝደለዮ ዅሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 3:13, 14) ንኣብነት፡ ብፍጥነት ንህዝቡ ዚዋግኣሎም ሓያል ጅግና ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ብቕጽበት ከኣ ንሓጢኣቶም ዚሓድግ መሓሪ ኪኸውንን ነቶም ልቦም እተሰብረ ዚንስሑ ሓጥኣን ኪከናኸንን ይኽእል እዩ።—መዝ. 30:5፣ ኢሳ. 66:13

20. ሰረገላ የሆዋ ፍርሃት ከተሕድረልና ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧

20 ክሳዕ ሕጂ ዝመርመርናዮ ራእይ ህዝቅኤል፡ ‘ንሰረገላ የሆዋ ብሓቂዶ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ኣሎኒ እዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ይድርኸና ይኸውን። እታ ሰረገላ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኽዉን ነገር ከም እተመልክት ክንርስዕ የብልናን። የሆዋን ወዱን ኵሎም መላእኽቱን ንገሊኡ ዜጕህየና ጸገም ከም ዘይርእዩ ጌርና ጠሪስና ኽንሓስብ የብልናን። ኣምላኽና ዜድልየና ነገር ንምምላእ ከም ዚድንጒ ወይ ከኣ ውድቡ ነቲ ኣብዛ ተለዋዋጢት ዓለም ዜጋጥም ሓድሽ ጸገም ንምስጋር ከም ዘይትኽእል ጌርና ኽንጭነቕ የብልናን። ውድብ የሆዋ ንጥፍትን ወትሩ እትንቀሳቐስን ምዃና ኽንዝክር ኣሎና። ህዝቅኤል እውን “ተንኰርኰርቲ!” ኢሉ ኻብ ሰማይ ዚጭድር ድምጺ ሰሚዑ እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ መንኰራዅር ኪንቀሳቐስ ዚውሃብ ትእዛዝ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። (ህዝ. 10:13) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንውድቡ ዜንቀሳቕሰሉ መገዲ ምስትንታንሲ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ዜሕድር ደይኰነን፧ ልዕሊ ዅሉ ፍርሃት ዜሕድረልና ግና፡ የሆዋ ባዕሉ እዩ።

እቲ ዚቈጻጸራ

21, 22. ንኽፋላት እታ ሰረገላ ዜዋድዶ እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ክንገልጽ ንኽእል፧

21 ድሕርዚ፡ ህዝቅኤል ኣትኵሮኡ ኻብቲ መንኰራዅር ናብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚርከብ “ከምቲ ኸም መስተንክር በረድ ዜብለጭልጭ ጠፈር ዚመስል” ነገር ገበረ። (ህዝ. 1:22) ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ከኣ፡ እቲ ጠፈር ምስቲ ዜንጸባርቕ ክብሩ ተዘርጊሑ ነበረ። ኣብዚ ግና መካኒካዊ ነገራት ዚፈልጥ ኣንባቢ፡ ብዛዕባ እታ መጕዓዝያ ብዙሕ ሕቶታት ኪልዓሎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ‘እቲ መድረኽ ኣብ ልዕሊ መንኰራዅር ብኸመይ ይቐውም፧ እቲ መንኰራዅር ንሓድሕዱ ዜተሓሕዞ መቐለሳት ዘይብሉ ኽነሱ፡ ከመይ ገይሩ ይዓዪ፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን። እዛ መጕዓዝያ እዚኣ ንመንፈሳዊ ነገራት እትገልጽ ምሳልያዊ መጕዓዝያ ስለ ዝዀነት፡ ብሕግታት ፊዚክስ ከም ዘይትቕየድ ክንርስዕ የብልናን። ብዘይካዚ፡ “እቲ ኣብቶም ህያዋን ፍጡራት ዚዓዪ መንፈስ ኣብቲ መንኰራዅር እውን ነበረ” ዚብል ኣገዳሲ ቓላት ከም እተዘርበ ነስተብህል። (ህዝ. 1:20, 21) ኣብቶም ኪሩቤልን ኣብቲ መንኰራዅርን እንታይ መንፈስ እዩ ዚዓዪ ነይሩ፧

22 ብዘይ ጥርጥር እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዚብርትዕ ሓይሊ ዝዀነ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዚዓዪ ነይሩ። እቲ ንጡፍ ሓይሊ ድማ ነታ መጕዓዝያ ብሓደ የዋድዳ፡ ሓይሊ ይህባ፡ ነቲ ፍጹም ዚሳነ ምንቅስቓሳታ እውን የመሓድሮ ነይሩ እዩ። እምበኣር፡ ህዝቅኤል ኣትኵሮኡ ናብቲ ነታ ሰረገላ ዚቈጻጸራ ኺገብር ከሎ፡ ንሕና እውን ንዕኡ ንስዓቦ።

ህዝቅኤል ነቲ ዝረኣዮ ነገር ዚገልጸሉ ቓላት ኣናደየ

23. ህዝቅኤል ንየሆዋ ኺገልጾ ኺፍትን ከሎ እንታይ ዓይነት ቃላት እዩ ተጠቒሙ፧ ስለምንታይከ፧

23 ህዝቅኤል 1:26-28 ኣንብብ። ህዝቅኤል ኣብ ብምሉኡ እቲ ነዚ ራእዩ ዝገለጸሉ እዋን፡ ብዙሕ ሳዕ “ትርኢቱ፡” “ዚመስል፡” “ከም” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። ኣብዘን ፍቕድታት እዚአን ግና፡ ነዚ ብዝያዳ እዩ ተጠቒሙሉ። ነቲ ዝረኣዮ ነገር ንምግላጽ ቃላት የናዲ ዝነበረ እዩ ዚመስል። እቲ ዝረኣዮ ነገር ድማ፡ “ከም እምኒ ሰፊሮስ ዚመስል ነበረ፣ እዚ እውን ዝፋን ዚመስል ነበረ።” ካብ ሓደ ዓብዪ ድሙቕ ሰማያዊ ሰፊሮስ እተወቕረ ዝፋን ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእልዶ ትኽእል፧ ኣብኡ ኸኣ ሓደ እተቐመጠ ኣሎ። “ትርኢቱ ሰብ ዚመስል” እዩ።

24, 25. (ሀ) እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን የሆዋ ዚርከብ ቀስተ ደበና ንምንታይ የዘኻኽረና፧ (ለ) ከምዚ ዝኣመሰለ ራእያት ንሰብ እምነት ብኸመይ ጸልይዎም፧

24 ካብ ማዕጥቖ የሆዋ ንላዕልን ንታሕትን ሓዊ ዚመስል ነገር ይወጽእ ስለ ዝነበረ፡ ሓፈሻዊ ቕርጺ እቲ ግርማ ዝዓሰሎ ትርኢት ጥራይ እዩ ኺግለጽ ተኻኢሉ። ነብዪ ህዝቅኤል ነቲ ግርማዊ ቕርጺ ንምርኣይ፡ ኣዒንቱ ኼጨምጭምን ብኣእዳዉ ንኣዒንቱ ኪኽውልን ከሎ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ድሕርዚ፡ ህዝቅኤል ኣብ ራእዩ ዝረኣዮ ትንግርቲ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ዙርያኡ ድማ ብርሃን ነበረ፣ ንሱ እውን ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ቀስተ ደበና ነበረ” በለ። ቀስተ ደበና ምስ ረኣኻ መንፈስካ እተሓደሰሉ እዋንዶ ትዝ ይብለካ፧ እዝስ ንኽብሪ ፈጣሪና ዚገልጽ ከመይ ዝበለ መዘኻኸሪ ዀን እዩ! እቲ ኣብ ሰማይ እንርእዮ በበይኑ ሕብርታት ዘለዎ ቐስተ ደበና፡ ነቲ የሆዋ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝኣተዎ ኺዳን ሰላም እውን የዘኻኽረና ይኸውን። (ዘፍ. 9:11-16) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ሓያል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ሰላም እዩ። (እብ. 13:20) ኣብ ልቡ ሰላም ይሰፍን እዩ፣ ናብ ኵሎም እቶም ብተኣማንነት ዜምልኽዎ እውን ይዝርጋሕ እዩ።

እቲ ኣብ ዙርያ ዝፋን የሆዋ ዘሎ ቐስተ ደበና፡ ንኣምላኽ ሰላም ከም እነገልግል የዘኻኽረና (ሕጡብ ጽሑፍ 24 ርአ)

25 እሞኸ ኽብሪ የሆዋ ኣምላኽ ምርኣይ እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድር፧ ህዝቅኤል እንታይ ከም ዘጋጠሞ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምስ ረኣኽዎ ኸኣ፡ ብገጸይ ወደቕኩ” ኢሉ ኣሎ። እወ፡ እምብዛ ብዙሕ ኣድንቖትን ፍርሃት ኣምላኽን ስለ ዝሓደሮ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ወደቐ። ካልኦት ነብያት እውን ካብ የሆዋ ራእያት ምስ ረኣዩ ተመሳሳሊ ነገር እዮም ገይሮም፣ ኣመና ትሑታት ፍጥረት ከም ዝዀኑ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ዝረኣይዎ ልዕሊ ዓቕሞም ከም ዝዀነ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። (ኢሳ. 6:1-5፣ ዳን. 10:8, 9፣ ራእ. 1:12-17) ጸኒሖም ግና፡ እቶም ሰባት በቲ የሆዋ ዝገለጸሎም ነገር ብዙሕ ብርታዐ ረኺቦም እዮም። ህዝቅኤል እውን ብርግጽ በርቲዑ እዩ። እሞ ደኣ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ኣንበብና፡ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረልና ኣለዎ፧

26. ህዝቅኤል ካብቲ ዝረኣዮ ራእይ ብኸመይ ብርታዐ ረኺቡ ኪኸውን ኣለዎ፧

26 ህዝቅኤል በቲ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ባቢሎን ዝነበሮም ኵነታት ዘሕደረሉ ጥርጣረ ወይ ስክፍታ ተረቢሹ እንተ ነይሩ፡ እቲ ራእይ ኣበርቲዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። እሙናት ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ የሩሳሌም ይኹኑ፡ ኣብ ባቢሎን ይኹኑ፡ ወይ ኣብ ዝዀነ ቦታ ይኹኑ ዜገድስ ኣይነበረን። እታ ዓባይ ሰረገላ የሆዋ ኽትበጽሖ ዘይትኽእል ቦታ ኣይነበረን። ንኸምዚ ዝበለ ኽቡር ሰማያዊ ውድብ ንዚቈጻጸር ኣምላኽ ከኣ ኪቃወሞ ዚኽእል ሓይሊ ሰይጣን ኣይነበረን። (መዝሙር 118:6 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ህዝቅኤል፡ እታ ሰማያዊት መጕዓዝያ ካብ ደቂ ሰብ ርሑቕ ዘይምዃና እውን ርእዩ እዩ። አረ እቲ መንኰራዅራስ ንምድሪ ተንክዩ እዩ! (ህዝ. 1:19) ስለዚ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እሙናት ህዝቡ ኣጸቢቑ ይግደሰሎም ነይሩ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ይሃልዉ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ኣባታዊ ፍቕሩን ሓልዮቱን ኪረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

እታ ሰረገላን ንስኻን

27. እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

27 እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ሎሚ ንዓና ትርጉም ኣለዎዶ፧ ብርግጽ ኣለዎ! ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ይፍኑ ኸም ዘሎ ኣይትረስዕ። ካብ ሰማያዊ ኣቦናን ውድቡን በይንና እተፈለና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ኺገብር ይደሊ እዩ። እዚ ሓሶት እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ወይ ኣብ ልብኻ ሱር ኪሰድድ ከቶ ኣይተፍቅድ! (መዝ. 139:7-12) ከም ህዝቅኤል፡ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ኪሓድረና ኣለዎ። ከምኡ ብገጽና ኣይንወድቕን ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ በቲ ንሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዘለዎ ሓይሊ፡ ፍጥነት፡ ናይ ምጥውዋይ ክእለት፡ ምስ ኵነታት ናይ ምውህሃድ ብቕዓት፡ ወይ ዓብዪ ኽብሪ ኽንድነቕን ፍርሃት ኪሓድረናንዶ ኣይግባእን፧

28, 29. ሰረገላ የሆዋ ኻብ ዝሓለፈ ዘመን ኣትሒዛ ኽሳዕ ሕጂ ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ብኸመይ ክንርኢ ንኽእል፧

28 ውድብ የሆዋ ምድራዊ ኽፋል ከም ዘለዋ እውን ኣይትረስዕ። ልክዕ እዩ፡ እቲ ምድራዊ ኽፋል ብዘይፍጹማት ሰባት እዩ ቘይሙ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኣብ ምድሪ እንታይ ዓሚሙ ኸም ዘሎ እሞ ሕሰብ! የሆዋ ንሰባት ብምድራኽ፡ ብርእሶም ኪገብርዎ ዘይክእሉ ነገር ኪገብሩ ኣኽኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 14:12) ነታ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! ዘርእስታ መጽሓፍ እናገንጸልና ኽንርእያ ኸለና ጥራይ እኳ፡ ስፍሓት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን እተዓይየ ስብከት ዜደንቕ ምዃኑ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ነቲ ውድብ የሆዋ ንክርስትያናት ኣብ ምምሃር፡ ሕጋዊ ዓወታት ኣብ ምጭባጥ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ዘመናዊ ተክኖሎጂ ኣብ ምጥቃም ዝገበረቶ ግስጋሰ እውን ክንዝክር ንኽእል ኢና።

29 ነቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ብልሹው ስርዓት እዚ ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ እተገብረ ዘበለ ዅሉ ኽንሓስበሉ ኸለና፡ ሰረገላ የሆዋ ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ብዝያዳ እዩ ዚንጽረልና። ምስዛ ውድብ እዚኣ እንሓብርን ነዚ ልዑላዊ ኣምላኽ እነገልግልን ምዃንናስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መሰል ኰን እዩ!—መዝ. 84:10

ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ወትሩ ይንቀሳቐስ ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 28, 29 ርአ)

30. ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

30 ካብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ግና ተወሳኺ ነገር እውን ንምሃር ኢና። ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ፡ ነቶም ኣርባዕተ ዜደንቑ “ህያዋን ፍጡራት” ወይ ኪሩቤል ብደቂቕ ክንምርምሮም ኢና። እሞኸ ኻባታቶም ብዛዕባ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽና እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧

^ ሕ.ጽ. 1 ህዝቅኤል ነቲ ኽቡር ብረት፡ ሕዋስ ወርቅን ብሩርን ኢሉ ኣነጺሩ ጠቒስዎ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 5 እዚ ብቐጥታ እተለክዐ ርሕቀት እዩ፣ እቶም ምሩኻት ዝኸዱሉ መገዲ ግና ዳርጋ ዕጽፉ ዚኣክል ርሕቀት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።