ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 14

“ሕጊ እታ ቤተ መቕደስ እዚ እዩ”

“ሕጊ እታ ቤተ መቕደስ እዚ እዩ”

ህዝቅኤል 43:12

ኣትኵሮ፦ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ እተራእየ ራእይ—ንግዜ ህዝቅኤል ዚኸውን ግብራዊ ትምህርትታትን ንዓና ዘለዎ ትርጉምን

1, 2. (ሀ) ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ፡ ብዛዕባ እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ እንታይ ኢና ተማሂርና፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ እንታይ ክልተ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

ህዝቅኤል ነታ ሃዋርያ ጳውሎስ ድሕሪ ዘመናት ዝገለጻ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣይኰነን ርእይዋ። ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ፡ ብዛዕባ እዚ ተማሂርና ኢና። እቲ ራእይ ንህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንንጹህ ኣምልኾ ዝሰርዖ መለክዒታት ዘለዎ ኣገዳስነት ኪምህሮም ከም እተሓስበ እውን ተማሂርና ኢና። እቶም ህዝቢ ነቲ መለክዒታት እቲ ምስ ዚስዕቡ ጥራይ እዮም ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ኬሐድሱ ዚኽእሉ ዝነበሩ። ስለዚ፡ የሆዋ ኣብ ሓንቲ ፍቕዲ፡ “ሕጊ እታ ቤተ መቕደስ እዚ እዩ” ዚብል ሓሳብ ክልተ ሳዕ ዘጕልሓሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይኽእል እዩ።—ህዝቅኤል 43:12 ኣንብብ።

2 ሕጂ፡ ክልተ ተወሳኺ ሕቶታት ክንምርምር ኢና። ቀዳመይቲ፡ ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ ኣይሁድ ካብቲ እቲ ራእይ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ዝሰርዖ መለክዒታት እንታይ ዝርዝር ትምህርትታት እዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ነታ ኸምዚ ዚስዕብ እትብል ካልአይቲ ሕቶ ንምምላስ ኪሕግዘና እዩ፦ እቲ ራእይ ነዞም ኣብዘን ሽግር ዝመልአን ዳሕሮት መዓልትታት እንነብር ሰባት እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ብግዜ ጥንቲ እቲ ራእይ እንታይ ትምህርትታት ይምህር ነይሩ፧

3. እታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ ኣብ ነዊሕ ከረን ምዃና፡ ንሰባት ከም ዚሓፍሩ ገይርዎም ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

3 ነታ ቐዳመይቲ ሕቶ ንምምላስ፡ ኣብቲ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ እተራእየ ራእይ ጐሊሑ ዚርከብ ነገራት እስከ ነተኵር። ነዊሕ ከረን። እቶም ህዝቢ ነቲ ህዝቅኤል ኣብ ራእይ ዝረኣዮ ቦታ ምስቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ምምላስ እተነበዮ ዜተባብዕ ትንቢት ኣተሓሒዞምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳ. 2:2) ንቤት የሆዋ ኣብ በሪኽ ከረን ምርኣዮም ግና እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚህቦም ነይሩ፧ ንጹህ ኣምልኾ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ልዕል ኪብል፡ ክብ ኪብል፡ ወይ ኣኽቢርካ ኺርአ ኸም ዚግባእ እዩ ምሂርዎም። ልክዕ እዩ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኻብቲ ‘ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ልዕል ዝበለ’ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብባህርይኡ ልዕል ዝበለ እዩ። (መዝ. 97:9) እቶም ህዝቢ ግና እጃሞም ኣይገብሩን እዮም ነይሮም። ንሓያሎ ዘመናት፡ ንንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚሓስርን ከም ዚድርበን ከም ዚብከልን ገይሮምዎ ነይሮም እዮም። እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት፡ እታ ቕድስቲ ቤት ኣምላኽ ናብቲ ግቡእ ክብራን ዝናኣን ልዕል ኢላ ምርኣዮም፡ ከም ዚሓፍሩ ገይርዎም ኪኸውን ኣለዎ።

4, 5. እቶም ንህዝቅኤል ዝሰምዕዎ ሰባት ካብቲ ነዋሕቲ ኣፍ ደገታት እታ ቤተ መቕደስ እንታይ ትምህርቲ ረኺቦም ኪዀኑ ይኽእሉ፧

4 ነዋሕቲ ኣፍ ደገታት። ህዝቅኤል ኣብ መጀመርታ እቲ ራእዩ፡ እቲ መራሒኡ ዝዀነ መልኣኽ ነቲ ኣፍ ደገታት ኪልክዖ ረኣየ። እቲ ኣፍ ደገታት ከኣ ኣስታት 30 ሜተር ዝቝመቱ እዩ ነይሩ! (ህዝ. 40:14) ኣብ ውሽጢ እቲ መእተዊታት ድማ፡ ክፍልታት ሓላዊ ነበረ። እዚ ዅሉ ነቶም ነቲ ንድፊ ዘጽንዕዎ ሰባት እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ንመእተዊ እታ ቤተ መቕደስ . . . ኣቕልበሉ” በሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቶም ህዝቢ፡ “ልቦምን ስጋኦምን ዘይግዙር” ሰባት ናብታ ኣምላኽ ዚምለኸላ ቕድስቲ ቤት የእትዉ ነይሮም እዮም። እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧ የሆዋ፡ “ንሳቶም ንቤተ መቕደሰይ የርክስዋ እዮም” ብምባል ነቲ ሳዕቤን ገለጸሎም።—ህዝ. 44:5, 7

5 እቶም “ስጋኦም . .  ዘይግዙር” ሰባት ነቲ ብግዜ ኣብርሃም ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ንጹር ትእዛዝ ኣይሓለዉን። (ዘፍ. 17:9, 10፣ ዘሌ. 12:1-3) እቶም “ልቦም . . . ዘይግዙር” ሰባት ግና ዝኸፍአ ጸገም እዩ ነይርዎም። ንመምርሒታት የሆዋ ዘይሰምዑ ነቓጻትን ዓለወኛታትን እዮም ነይሮም። ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ናብታ የሆዋ ዚምለኸላ ቕድስቲ ቤት ንምእታው ኪፍቀደሎም ኣይግባእን እዩ ነይሩ። የሆዋ ግብዝና ይጸልእ እዩ፣ ህዝቡ ኸኣ ኣብ ቤቱ ግብዝና ኸም ዜስፋሕፍሕ ገይሮም ነይሮም እዮም። እቲ ኣብታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ ዚርከብ ኣፍ ደገታትን ክፍልታት ሓላውን እምበኣር፡ ደጊም ከምዚ ዝበለ ጌጋ ኸይግበር እዩ ብንጹር ዚምህር ነይሩ። ናብ ቤት ኣምላኽ ንምእታው ልዑል መለክዒታት ኪሕሎ ይግባእ። ድሕሪኡ ጥራይ እዩ የሆዋ ነቲ ህዝቡ ዜቕርብዎ ኣምልኾ ዚባርኾ።

6, 7. (ሀ) የሆዋ ነቲ ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስ እተደኰነትሉ ቦታ ዚርከብ መንደቕ፡ ንህዝቡ እንታይ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ እዩ ተጠቒሙሉ፧ (ለ) ህዝቢ የሆዋ ኣቐዲሞም ንቤት ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ዚሕዝዋ ነይሮም፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

6 ኣብ ዙርያ ዚርከብ መንደቕ። ካልእ ኣብታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ ጐሊሑ ዚርአ ነገር፡ እቲ ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስ እተደኰነትሉ ቦታ ዚርከብ መንደቕ እዩ። ህዝቅኤል፡ እቲ መንደቕ ብዅሉ ሸነኹ 500 ሻምብቆ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ 1,555 ሜተር ወይ ዳርጋ 1.6 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ እዩ ዚኸውን። (ህዝ. 42:15-20) እቲ ህንጻታት እታ ቤተ መቕደስን እቲ ኣጸዳትን ግና ብዅሉ ሸነኹ 500 እመት ወይ 259 ሜተር ኣብ ዝንውሓቱ ትርብዒት እዩ ዚርከብ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ብመንደቕ እተሓጽረ ሰፊሕ ቦታ ነይሩ እዩ። * እዚ ንምንታይ ዕላማ እዩ ተገይሩ ነይሩ፧

7 የሆዋ፡ “ሕጂ፡ ንመንፈሳዊ ምንዝርናኦምን ንሬሳታት ነገስታቶምን ካባይ የርሕቑ፣ ኣነ ኸኣ ንዘለኣለም ኣብ መንጎኦም ክነብር እየ” ኢሉ ኣሎ። (ህዝ. 43:9) “ሬሳታት ነገስታቶም” ዚብል መግለጺ፡ ንኣምልኾ ጣኦት እዩ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ስለዚ፡ የሆዋ በቲ ኣብ ዙርያ እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ሰፊሕ ቦታ ኣቢሉ፡ “ርስሓትኩም ኣርሑቕለይ። ጥቓይ እኳ ኣይተቕርብዎ” እዩ ዚብሎም ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ንጽህና ኣምልኾኦም እንተ ሓልዮም ድማ፡ የሆዋ ምሳታቶም ብምዃን ከም ዚባርኾም እዩ ገሊጹ።

8, 9. ካብቲ የሆዋ ነቶም ሓላፍነት እተሰከሙ ሰባት ዝሃቦ ሓያል ምኽሪ እንታይ ትምህርቲ ኺርከብ ይከኣል ነይሩ፧

8 ሓላፍነት ንእተሰከሙ ሰባት እተዋህበ ሓያል ምኽሪ። የሆዋ ነቶም ኣብ መንጎ ህዝቡ ዓብዪ ሓላፍነት እተሰከሙ ሰባት ብፍቕሪ ተደሪኹ ሓያል ምኽሪ ሂብዎም እዩ። ነቶም እቲ ህዝቢ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ኪምለስ ከሎ ኻብኡ ዝዀብለሉ ሌዋውያን ሓያል መአረምታ ሂብዎም እዩ፣ ነቶም “እስራኤላውያን [ካብኡ] ኪዅብልሉ ኸለዉ ኣብ [መቕደሱ] ዝነበሮም ሓላፍነት እተሰከሙ” ደቂ ጻዶቅ ግና ንኢድዎም እዩ። ንኽልቲኦም ጕጅለ ኸከም ተግባሮም ብፍትሕን ብምሕረትን እዩ ሒዝዎም። (ህዝ. 44:10, 12-16) ብተመሳሳሊ እውን፡ ንሹማምንቲ እስራኤል ሓያል መአረምታ ተዋሂብዎም እዩ።—ህዝ. 45:9

9 በዚ ኸምዚ ድማ፡ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘለዎም ሰባት፡ በቲ ንሓላፍነቶም ዚጥቀሙሉ መገዲ ኣብ ቅድሚኡ ተሓተትቲ ኸም ዚዀኑ የሆዋ ብንጹር ገሊጹ እዩ። ምኽርን መአረምታን ተግሳጽን ዘይውሃቦም ኣይኰኑን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንመለክዒታት የሆዋ ኣብ ምድጋፍ ኪመርሑ ነይርዎም።

10, 11. ገሊኦም ተመለስቲ ምሩኻት ካብቲ ኣብ ራእይ ህዝቅኤል ዚርከብ ትምህርትታት ከም እተማህሩ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

10 እቶም ተመለስቲ ምሩኻት ነቲ ራእይ ህዝቅኤል ሒዝዎ ዘሎ ትምህርትታት ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎዶ፧ ሽዑ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ራእይ እንታይ ይሓስቡ ኸም ዝነበሩ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ተመለስቲ ምሩኻት ዝገበርዎ ነገራትን ንንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ብዛዕባ ዝነበሮም ኣረኣእያን ብዙሕ ይነግረና እዩ። እሞኸ ነቲ ኣብቲ ራእይ ህዝቅኤል ዝነበረ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎዶ፧ ምናዳ ምስቶም ቅድሚ ምርኮ ባቢሎን ዝነበሩ ዓለወኛታት ኣቦታቶም ኪነጻጸሩ ኸለዉ፡ ብእተወሰነ ‘እወ ኸምኡ ገይሮም’ ኪብሃል ይከኣል እዩ።

11 ከም ነብዪ ሃጌ፡ ነብዪ ዘካርያስ፡ እቲ ኻህንን ቀዳሕን ዝዀነ እዝራ፡ እቲ ሹም ዝዀነ ነህምያ ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ነቲ ኣብቲ ራእይ ህዝቅኤል ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት ነቶም ህዝቢ ንምምሃር ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። (እዝ. 5:1, 2) ንጹህ ኣምልኾ ልዕል ኪብል ከም ዘለዎ፡ ካብ ስጋዊ ነገራትን ጥቕሚ ርእስን ንላዕሊ ድማ ቀዳምነት ኪውሃቦ ኸም ዚግባእ ምሂሮምዎም እዮም። (ሃጌ 1:3, 4) መለክዒታት ንጹህ ኣምልኾ ኪኽበር እውን ጽዒሮም እዮም። ንኣብነት፡ እዝራን ነህምያን ነቶም ህዝቢ፡ ነተን ብመንፈሳዊ መዳይ ዘዳኸማኦም ጓኖት ኣንስቲ ኼርሕቑ ሓያል ምኽሪ ሂቦምዎም እዮም። (እዝራ 10:10, 11 ኣንብብ፣ ነህ. 13:23-27, 30) ብዛዕባ ኣምልኾ ጣኦት እተዋህበ ምኽሪኸ ዓይዮምሉዶ፧ እቶም ህዝቢ ድሕሪ ምርኮ ነቲ ኣብ ታሪኾም ብዙሕ ሳዕ መፈንጠራ ዝዀኖም ሓጢኣት፡ ጽልኢ ዘሕደሩ እዮም ዚመስሉ። እቶም ካህናትን ሹማምንትን መሳፍንትንከ ተኣሪሞምዶ፧ ራእይ ህዝቅኤል ከም ዚሕብሮ፡ ንዓታቶም እውን ካብ የሆዋ ምኽርን መአረምታን ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (ነህ. 13:22, 28) ብዙሓት ድማ ብትሕትና ነቲ ምኽሪ እቲ ዓይዮምሉ እዮም።—እዝ. 10:7-9, 12-14፣ ነህ. 9:1-3, 38

ነህምያ ምስቶም ህዝቢ ሓቢሩ እናዓየየ፡ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ ምሂርዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

12. የሆዋ ነቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ምሩኻት ብኸመይ እዩ ባሪኽዎም፧

12 ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ባሪኽዎም እዩ። እታ ምድሪ ንነዊሕ እዋን ርእያቶ ዘይትፈልጥ እተወሰነ መንፈሳዊ ብልጽግናን ጥዕናን ስርዓትን ረኺባ ነይራ እያ። (እዝ. 6:19-22፣ ነህ. 8:9-12፣ 12:27-30, 43) ስለምንታይ፧ እቶም ህዝቢ ነቲ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ዝሰርዖ ቕኑዕ መለክዒታት ኪስዕቡ ስለ ዝጀመሩ እዩ። እቲ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ካብ እተራእየ ራእይ ዚርከብ ትምህርትታት ኣብ ልቢ ብዙሓት ዚሰምዑ ሰባት ኣትዩ ነይሩ እዩ። እምበኣር፡ እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ ነቶም ምሩኻት ብኽልተ ኣገዳሲ መገዲ ጠቒምዎም ክንብል ንኽእል ኢና። (1) ብዛዕባ መለክዒታት ንጹህ ኣምልኾን ብኸመይ ነቲ መለክዒታት ኪድግፍዎ ኸም ዚግባእን ግብራዊ ትምህርትታት ምሂርዎም እዩ። (2) ትንቢታዊ መረጋገጺ ሂብዎም እዩ። ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ኸም ዚምለስ ተነብዩ፡ እቶም ህዝቢ ብንጹህ ኣምልኾ ኽሳዕ እተመላለሱ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዚባርኾም እውን ተነብዩ እዩ። ግናኸ፡ ንሕና እውን፡ እዚ ራእይ እዚ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም እንተ ዀይኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና።

ሎሚ ኻብ ራእይ ህዝቅኤል እንረኽቦ ትምህርቲ

13, 14. (ሀ) እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ኣብዚ ግዜና ፍጻመ ኸም ዘለዋ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ሎሚ ኻብቲ ራእይ ብምንታይ ክልተ መገዲ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧ (“በበይነን ኣብያተ መቕደስ፡ በበይኑ ትምህርቲ” ዘርእስታ ሳጹን 13ሀ እውን ርአ።)

13 እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ ንዓና እውን ከም ዚምልከተና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእልዶ፧ እወ። ህዝቅኤል ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፡ እታ ቕድስቲ ቤት ኣምላኽ ኣብ “ኣዝዩ ነዊሕ ከረን” ምንባራ ጠቒሱ ነይሩ እዩ፣ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ከኣ “ከረን ቤት የሆዋ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ” ምዃኑ ተገሊጹ ይርከብ እዩ። ኣብ መንጎ እዚ ኽልቲኡ ምስስል ከም ዘሎ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኢሳይያስ ድማ ትንቢቱ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዚፍጸም ይነግረና እዩ። (ህዝ. 40:2፣ ኢሳ. 2:2-4፣ ሚክያስ 4:1-4 እውን ርአ።) ስለዚ፡ እዚ ትንቢታት እዚ ንዳሕሮት መዓልትታት፡ ማለት ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ኻብ 1919 ኣትሒዙ ኣብ ነዊሕ ከረን ልዕል ዝበለሉን ናብ ቀደሙ እተመልሰሉን እዋን ይምልከቶ እዩ። *

14 እምበኣር፡ ራእይ ህዝቅኤል ሎሚ ንዘሎ ንጹህ ኣምልኾ እውን ይምልከቶ እዩ። ከምቲ ጥንቲ ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ካብኡ እተጠቕሙ፡ ንሕና እውን ሎሚ ኻብኡ ብኽልተ መገዲ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። (1) ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ንጹህ ኣምልኾ ኸመይ ጌርና ኽንድግፎ ኸም እንኽእል ግብራዊ ትምህርትታት ይህበና እዩ። (2) ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾን በረኸት የሆዋን ከኣ ትንቢታዊ መረጋገጺ ይህበና እዩ።

ሎሚ ዘሎ መለክዒታት ንጹህ ኣምልኾ

15. ካብቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ ትምህርትታት ክንወስድ ከለና፡ እንታይ ክንርስዕ የብልናን፧

15 ገለ ኻብቲ ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ዚርከብ ነገራት እስከ ብዝርዝር ንመርምር። ምስ ህዝቅኤል ሓቢርና ነታ ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ንዞራ ኸም ዘለና ጌርና እሞ ንሕሰብ። ግናኸ፡ ነታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ንርኢ ኸም ዘየለና ኽንርስዕ የብልናን፣ የግዳስ፡ ሎሚ ንኣምልኾና ዚምልከት ትምህርትታት ኢና እንረክብ ዘለና። እሞ ደኣ እንታይ ትምህርትታት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

16. ህዝቅኤል ኣብ ራእዩ ብዙሕ ነገራት ኪልካዕ ምርኣዩ ንዓና እንታይ ትምህርቲ ይዀነና፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

16 ስለምንታይ እዩ ሓያሎ ነገራት ተለኪዑ፧ ህዝቅኤል እናረኣየ ኸሎ፡ እቲ ኸም ነሓሲ ዝትርኢቱ ሰብኣይ ዚመስል መልኣኽ ነታ ቤተ መቕደስ፡ እንተላይ ነቲ መንደቕን ነቲ ኣፍ ደገታትን ነቲ ኽፍልታት ሓላውን ነቲ ኣጸዳትን ነቲ መሰውእን ለክዖ። ብዝሒ እቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ነገራት ንኣንባቢ ልዕሊ ዓቕሙ ኪዀኖ ይኽእል እዩ። (ህዝ. 40:1–42:20፣ 43:13, 14) ግናኸ፡ ካብዚ ዝርዝር ነገራት ክንረኽቦ ብዛዕባ እንኽእል ኣገዳሲ ነጥብታት እሞ ሕሰብ። የሆዋ ኣገዳስነት መለክዒታቱ እዩ ኣጕሊሑ። ንመለክዒታቱ ድማ ሰባት ዘይኰኑስ፡ ንሱ እዩ ዚሰርዖ። ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እነምልኾ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ገይሮም ዚሓስቡ ሰባት ተጋግዮም እዮም ዘለዉ። ብተወሳኺ ድማ፡ የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ ብዝርዝር ከም እትልካዕ ብምግባር፡ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸ ምዃኑ እዩ ውሕስነት ሂቡ። ከምቲ ዓቐን እታ ቤተ መቕደስ ልክዕ ዝዀነ፡ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ድማ ብልክዕ ኪፍጸም እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ህዝቅኤል፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዚምለስ ኣረጋጊጹ እዩ።

ካብቲ ልክዕ ዓቐን እታ ቤተ መቕደስ እንታይ ትምሃር፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

17. እቲ ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስ ዚርከብ መንደቕ፡ ሎሚ እንታይ እዩ ኼዘኻኽረና ዚኽእል፧

17 ኣብ ዙርያ ዚርከብ መንደቕ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ህዝቅኤል፡ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስ እተደኰነትሉ ቦታ ብመንደቕ ተኸቢቡ ርእዩ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንዅሉ ሃይማኖታዊ ርኽሰት ካብ ንጹህ ኣምልኾ ኣዝዮም ኬርሕቕዎ ኸም ዚግባእ፡ ንቤት ኣምላኽ እውን ኪብክልዋ ኸም ዘይግባእ ዜጠንቅቕ ሓያል መዘኻኸሪ እዩ ነይሩ። (ህዝቅኤል 43:7-9 ኣንብብ።) እዚ ምኽሪ እዚ ሎሚ እውን የድልየና እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ካብ መንፈሳዊ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ምስ ወጹ፡ ክርስቶስ ብ1919 እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ሸይሙ እዩ። ምናዳ ኻብ ሽዑ ንነጀው፡ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ምስ ኣምልኾ ጣኦትን ኣረማዊ እምነትን እተሓናፈጸ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነታትን ልምድታትን ንምርሓቕ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። መንፈሳዊ ርኽሰት ናብ ንጹህ ኣምልኾ ኸይቀርብ ብዙሕ ንጥንቀቕ ኢና። ብተወሳኺ እውን፡ ዓለማዊ ዋኒንና ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይነምጽኦን ኢና፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንዓለማዊ ነገራት ካብ ኣምልኾና ንፈልዮ ኢና።—ማር. 11:15, 16

18, 19. (ሀ) ካብቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ እተራእየ ነዋሕቲ ኣፍ ደገታት እንታይ ንምሃር፧ (ለ) ነቶም ነቲ ልዑል መለክዒታት የሆዋ ኼትሕትዎ ዚደልዩ ሰባት እንታይ ምላሽ ክንህቦም ይግባእ፧ ኣብነት ሃብ።

18 ነዋሕቲ ኣፍ ደገታት። ነቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ነዋሕቲ ኣፍ ደገታት ምስ እነስተንትነሉ፡ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ እዚ ኽፋል ራእይ እታ ቤተ መቕደስ ነቶም ምሩኻት ኣይሁድ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘለዎ ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ምሂርዎም ኪኸውን ኣለዎ። ብግዜ ጥንቲ ኸምኡ ኻብ ተምሃሩ፡ ኣብዚ ግዜናኸ፧ ንሕና ኣብታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኢና እነምልኽ ዘለና። እሞ ደኣ ግብዝና ዘይብሉ ቕንዕናስ ሕጂ ብዝያዳ ዜድሊ ደይኰነን፧ (ሮሜ 12:9፣ 1 ጴጥ. 1:14, 15) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ የሆዋ ንህዝቡ በብደረጃኡ ነቲ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ብዝያዳ ኺስዕቡ መምርሒ ሂብዎም እዩ። * ንኣብነት፡ ዘይንስሑ ኣበስቲ ኻብ ጉባኤ ይውገዱ እዮም። (1 ቈረ. 5:11-13) ብዘይካዚ ድማ፡ እቲ ኣብቲ መእተዊታት ዘሎ ኽፍልታት ሓላዊ፡ ሞገስ ኣምላኽ ዘይብሉ ዘበለ ሰብ ናብ ኣምልኾ የሆዋ ኺኣቱ ኸም ዘይፍቀደሉ ኼዘኻኽረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ክልተ ዓይነት ህይወት ዚመርሕ ሰብ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ይኽእል ይኸውን፣ ነገሩ ምስ ኣምላኽ ክሳዕ ዜቕንዕ ግና ሞገስ የሆዋ ኣይረክብን እዩ። (ያእ. 4:8) ኣብዚ ብልሽውናን ርኽሰትን መሊኡሉ ዘሎ እዋንሲ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ዕቝባ ዀን እዩ ረኺቡ ዘሎ!

19 እዛ ዓለም እዚኣ ቕድሚ መወዳእታ ኸም እትበላሾ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። “እኩያትን ኣምሰሉታትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ዚብል ነንብብ ኢና። (2 ጢሞ. 3:13) ብዝሖም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰባት፡ እቲ ልዑል መለክዒታት የሆዋ እምብዛ ተሪር፡ ግዜ ዝሓለፎ፡ ወይ ጌጋ ኸም ዝዀነ ይማጐቱ ኣለዉ። እሞኸ ንስኻ እውን ክትስሕት ዲኻ፧ ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ፡ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ዘውጽኦ መለክዒ ጌጋ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኼእምነካ እንተ ፈቲኑ፡ ምስኡ ኽትሰማማዕ ዲኻ፡ ወይስ ምስቲ ብቓሉ ኣቢሉ እቶም ከምኡ ዚገብሩ “ጽዩፍ ተግባር” ይገብሩ ኸም ዘለዉ ብንጹር ዚነግረና የሆዋ ኣምላኽ ኢኻ ኽትሰማማዕ፧ ኣምላኽ ንርኹስ ኣካይዳ ኸይንሰምሮ የጠንቅቐና እዩ። (ሮሜ 1:24-27, 32) ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ ኣብቲ ህዝቅኤል ኣብ ዝረኣያ ቤተ መቕድስ ዘሎ ነዋሕቲ ኣፍ ደገታት ክንዝክር ኣሎና። የሆዋ፡ ካብዛ እክይቲ ዓለም ብዙሕ ጸቕጥታት እኳ እንተ መጸ፡ ነቲ ቕኑዕ መለክዒታቱ ኣየትሕቶን እዩ። እሞኸ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ተሰማሚዕና ንቕኑዕ ዘበለ ንድግፍ ዲና፧

ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኽንሳተፍ ከለና፡ “መስዋእቲ ውዳሰ” ነቕርብ ኢና

20. እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ኻብ ራእይ ህዝቅኤል እንታይ ዜተባብዕ መዘኻኸሪ ይረኽቡ፧

20 እቲ ኣጸዳት። ህዝቅኤል ነቲ ሰፊሕ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ምስ ረኣየ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሕጉሳት ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብኡ ኺእከቡ ኸም ዚኽእሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ፡ ክርስትያናት ብዝያዳ ቕዱስ ኣብ ዝዀነ ቦታ እዮም ዜምልኹ ዘለዉ። እቶም ኣብታ ናይ ወጻኢ ኣጸድ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ዘለዉ “ብዙሓት ህዝቢ” ዝዀኑ ኣምለኽቲ፡ ካብ ራእይ ህዝቅኤል ዜተባብዕ መዘኻኸሪ ይረኽቡ እዮም። (ራእ. 7:9, 10, 14, 15) ብዘይካዚ፡ ህዝቅኤል ኣብቲ ኣጸዳት ተር ኢሉ ዚርከብ መመገቢ ኽፍልታት ርእዩ ነይሩ እዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣምለኽቲ ኻብቲ ዘምጽእዎ መስዋእቲ ሕብረት ኪበልዑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (ህዝ. 40:17) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ መኣዲ ይቐርቡ ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ ምልክት ሰላማዊ ዕርክነት እዩ ነይሩ። ሎሚ፡ ከምቲ ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእትታት ኣይነቕርብን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኽንሳተፍ ከለና፡ በቲ ኣብ ኣኼባታትና ወይ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ነቕርቦ ሓሳባትን መግለጺ እምነትን ኣቢልና “መስዋእቲ ውዳሰ” ነቕርብ ኢና። (እብ. 13:15) ነቲ የሆዋ ዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግቢ እውን ንምገብ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ኸምቲ ነቶም “ካብ ሽሕ ኣብ ካልእሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ!” ኢሎም ንየሆዋ ዝዘመሩሉ ደቂ ቆራሕ እተሰምዖም ዓይነት ስምዒት ዚስምዓና።—መዝ. 84:10

21. ቅቡኣት ክርስትያናት ካብቲ ኣብ ራእይ ህዝቅኤል ዝነበረ ኽህነት እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

21 እቲ ኽህነት። ህዝቅኤል፡ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብኣፍ ደገታት ሓሊፎም ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸዳት ኪኣትዉ ኸም ዚኽእሉ ርእዩ ነይሩ እዩ። እቲ ኣፍ ደገታት ድማ ምስቲ እቶም ካህናት ዘይኰኑ ነገዳት ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸዳት ዚኣትዉሉ ኣፍ ደገታት ሕደ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ካህናት እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ዚሰርዖ መለክዒታት ኬማልኡ ኸም ዚግብኦም ዜዘኻኽር እዩ ነይሩ። ሎሚኸ፧ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ዘርኢ ኽህነት ዝዀኑ እኳ እንተ ዘየለዉ፡ ንቕቡኣት ክርስትያናት ግና፡ “ሕሩይ ዓሌት፡ ንጉሳዊ ኽህነት . . . ኢኹም” ተባሂሉ ተነጊርዎም እዩ። (1 ጴጥ. 2:9) ካህናት ጥንታዊት እስራኤል፡ ንበይኑ ኣብ እተፈልየ ኣጸድ እዮም ዜምልኹ ነይሮም። ሎሚ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ክርስትያናት ብጾቶም ብኣካላዊ መዳይ ዘይፍለዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ውልድነት ከም ዝረኸቡ ደቂ ኣምላኽ መጠን ግና ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ኣለዎም። (ገላ. 4:4-6) ምስናይዚ ኸኣ፡ ቅቡኣት ካብ ራእይ ህዝቅኤል ጠቓሚ መዘኻኸሪታት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ንኻህናት ምኽርን ተግሳጽን ከም እተዋህበ ኼስተብህሉ ይኽእሉ እዮም። እምበኣር፡ ኵላትና፡ ‘ሓደ ጓሳ’ ዚጓስየና “ሓደ መጓሰ” ምዃንና ኽንዝክር ኣሎና።—ዮሃንስ 10:16 ኣንብብ።

22, 23. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ካብቲ ኣብ ራእይ ህዝቅኤል እተገልጸ ሹም እንታይ ትምህርቲ ኺረኽቡ ይኽእሉ፧ (ለ) ኣብ መጻኢ እንታይ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን፧

22 እቲ ሹም። ኣብ ራእይ ህዝቅኤል፡ ነቲ ሹም ጕሉሕ ቦታ ተዋሂብዎ ኣሎ። ካብ ነገድ ካህናት ኣይኰነን ነይሩ፣ ኣብታ ቤተ መቕደስ ከኣ ንሱ እውን ንመሪሕነት እቶም ካህናት ይግዛእ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቶም ህዝቢ ሓላፍነት ነይርዎ እዩ፣ መስዋእትታት ኣብ ምቕራብ ከኣ ይሕግዞም ነይሩ እዩ። (ህዝ. 44:2, 3፣ 45:16, 17፣ 46:2) ስለዚ፡ ሎሚ ንዘለዉ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት እተሰከሙ ክርስትያን ሰብኡት ኣብነት ይዀኖም እዩ። ከመይሲ፡ ክርስትያን ሽማግለታት፡ እንተላይ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ነቲ እተቕብአ እሙን ባርያ ኺግዝኡ ኣለዎም። (እብ. 13:17) ሽማግለታት ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን መስዋእቲ ውዳሰ ኬቕርቡ ይሕግዝዎም እዮም። (ኤፌ. 4:11, 12) ብተወሳኺ ኸኣ፡ የሆዋ ንሹማምንቲ እስራኤል ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ብምጥቃሞም ብኸመይ ከም ዝገንሖም፡ ሽማግለታት ይዝክሩ እዮም። (ህዝ. 45:9) ስለዚ፡ ሽማግለታት ምኽርን መአረምታን ከም ዘየድልዮም ገይሮም ኪሓስቡ የብሎምን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንፉዓት ጓሶትን ሓለውትን ኪዀኑ ምእንቲ ኪኽእሉ፡ ነቲ ብየሆዋ ኺጸርዩ ዚረኽብዎ ዅሉ ኣጋጣሚታት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ።—1 ጴጥሮስ 5:1-3 ኣንብብ።

23 የሆዋ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ክኢላታትን ፈቃራትን ሓለውቲ ኺህብ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሽማግለታት ኣብ ገነት ብኸመይ ሓለይትን ክኢላታትን ጓሶት ከም ዚዀኑ እዮም ዚስልጥኑ ዘለዉ። (መዝ. 45:16) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብኡት ኣብ ሓዳስ ዓለም በረኸት ከም ዚዀኑና ምስትንታንሲ ባህ ዜብል ደይኰነን፧ ብዛዕባ ራእይ ህዝቅኤል ዘሎና ግንዛበ፡ ከምቲ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ካልእ ትንቢታት ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ብዝያዳ እናነጸረ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ምናልባት ገሊኡ መዳያቱ፡ ሕጂ ኽንርድኦ ብዘይንኽእል መገዲ ይፍጸም ይኸውን። ነዚ ግዜ ዚምልሶ ጕዳይ እዩ።

እቲ ነዋሕቲ ኣፍ ደገታትን እቲ ኣጸዳትን ብዛዕባ ኣምልኾና እንታይ ይምህረና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 18-21 ርአ)

ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ዚመጽእ በረኸት የሆዋ

24, 25. ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ እቶም ህዝቢ ብንጹህ ኣምልኾ ኽሳዕ እተመላለሱ በረኸት የሆዋ ኸም ዚረኽቡ ኸመይ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ፧

24 ኣብ መደምደምታ፡ ነቲ ኣብ ራእይ ህዝቅኤል እተራእየ ዓብዪ ፍጻመ ንዘክር። ኣብኡ ድማ የሆዋ ናብታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ መጺኡ እዩ፣ ህዝቡ ነቲ ንንጹህ ኣምልኾ ዝሰርዖ መለክዒታት ብተኣማንነት ክሳዕ ዝሓለዉ ኸኣ ኣብታ ቤተ መቕደስ ከም ዚጸንሕ ኣተስፍዩ እዩ። (ህዝ. 43:4-9) እሞ ደኣ የሆዋ ኣብኡ ምህላዉ ንህዝቡን ነታ ምድርን እንታይ ጽልዋ እዩ ዚህልዎ፧

25 እቲ ራእይ ንበረኸት ኣምላኽ ንምግላጽ፡ ክልተ ትንቢታዊ ስእልታት ተጠቒሙ ኣሎ፦ (1) ውሒዝ ካብታ መቕደስ ይውሕዝ፡ ነታ ምድሪ ኸኣ ህይወትን ፍርያምነትን ይህባ፣ (2) እታ ምድሪ ብስርዓትን ብልክዕን ትመቓቐል፡ እታ ቤተ መቕደስ ድማ ብንጹር ኣብ ማእከላ ትኸውን። ሎሚ ነዚ ብኸመይ ኢና እንርድኦ፧ ከመይሲ፡ የሆዋ ናብታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ፡ ማለት ናብቲ ብዝያዳ ቕዱስ ዝዀነ ስርዓት ኣምልኾ ኣብ ዝኣተወሉን ንዕኡ ኣብ ዘጽረየሉን ብእኡ ኣብ ዝሰምረሉን እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (ሚል. 3:1-4) ነዚ ኽልተ ትንቢታዊ ስእልታት ድማ፡ ካብ ምዕራፍ 19 ኽሳብ 21 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽንርእዮ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 6 በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ኻብቲ ህዝቡ ኣቐዲሞም ነታ ቕድስቲ ቤቱ ዚሕዙሉ ዝነበሩ መገዲ እተፈልየ ነገር ይገብር ምንባሩ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “መንደቕ ጥራይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ክሳዕ ዚኸውን፡ ድርኵዂቶም ኣብ ጥቓ ድርኵዂተይ፡ ልዳቶም ከኣ ኣብ ጥቓ ልዳተይ ብምግባሮም፡ በቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርኪሶምዎ እዮም።” (ህዝ. 43:8) ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኻብቲ ህዝቢ ዚነብረሉ ኣባይቲ ብመንደቕ ጥራይ እያ እትፍለ ነይራ። እቶም ህዝቢ ኻብቲ ቕኑዕ መለክዒታት የሆዋ ምስ ረሓቑ፡ እቲ ርኽሰቶምን ኣምልኾ ጣኦቶምን ክሳዕ ጥቓ ቤት የሆዋ የምጽእዎ ነይሮም እዮም። እቲ ዅነታት እቲ ስቕ ኢልካ ዚርአ ኣይነበረን።

^ ሕ.ጽ. 13 እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ ምስቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እተፈጸመ ትንቢታት እውን ይተኣሳሰር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ህዝቅኤል 43:1-9ሚልክያስ 3:1-5ን፣ ኣብ መንጎ ህዝቅኤል 47:1-12ዮኤል 3:18ን ዘሎ ምስስል ርአ።

^ ሕ.ጽ. 18 እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ፈለማ ብ29 ድ.ክ. የሱስ ምስ ተጠምቀን ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ዕዮኡ ምስ ጀመረን እያ ተደኲና። እንተዀነ ግና፡ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት የሱስ፡ ንጹህ ኣምልኾ ንሓያሎ ዘመናት ዕሽሽ ተባሂሉ ነይሩ እዩ። ካብ 1919 ንነጀው ግና ንጹህ ኣምልኾ ልዕል ኢሉ ኣሎ።