ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 16

“ኣብ ግምባር . . . ምልክት ግበር”

“ኣብ ግምባር . . . ምልክት ግበር”

ህዝቅኤል 9:4

ኣትኵሮ፦ ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ እሙናት ብኸመይ ንድሕነት ምልክት ከም እተገብረሎምን እዚ ምልክት ምግባር ንግዜና ዘለዎ ትርጉምን

1-3. (ሀ) ህዝቅኤል ደንጽይዎ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌምከ እንታይ እዩ ፈሊጡ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

ህዝቅኤል ደንጽይዎ እዩ ነይሩ! ቀቅድሚኡ ነቲ ኸሓድቲ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዚገብርዎ ፍንፉን ነገራት ርእዩ ነይሩ እዩ። * እቶም ዓለወኛታት ነታ ኣብ እስራኤል ማእከል ንጹህ ኣምልኾ ዝነበረት ቦታ ኣርኪሶምዋ ነይሮም እዮም። እቲ ርኽሰት ግና ኣብታ ቤተ መቕደስ ጥራይ ኣይኰነን ተደሪቱ ነይሩ። ምድሪ ይሁዳ ኸም ዘይትሓዊ ዀይና ብዓመጻ ተመሊኣ ነይራ እያ። የሆዋ በቲ እቶም ሕሩያት ህዝቡ ዚገብርዎ ዝነበሩ ስለ ዝዀረየ፡ ንህዝቅኤል፡ “ብነድሪ ስጕምቲ ኽወስድ እየ” ኢልዎ እዩ።—ህዝ. 8:17, 18

2 ህዝቅኤል፡ የሩሳሌምን እታ ቕድስቲ ቤተ መቕደሳን ንየሆዋ ኸም ዘነደራኦን ከም ዚጠፍኣን ምፍላጡ ብዙሕ ኣጕህይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ፡ ‘ኣብታ ኸተማ ዘለዉ እሙናትከ ኺድሕኑ ድዮም፧ እንተ ድሒኖምከ ብኸመይ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መልሲ እዚ ሕቶታቱ ንምርካብ ግና ነዊሕ ኪጽበ ኣይነበሮን። ነቲ ኸቢድ ፍርዲ የሩሳሌም ካብ ዚሰምዕ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ነቶም ፈጸምቲ ፍርዲ ኣምላኽ ዚጽውዕ ዓው ዝበለ ድምጺ ሰምዐ። (ህዝ. 9:1) ኣብቲ ራእይ እቲ ድማ፡ እቲ ጥፍኣት ብኣልማማ ከም ዘይከውን ምስ ሰምዐ፡ እፎይ በለ። እወ፡ ዚግብኦም ሰባት ኪድሕኑ ምዃኖም ተገልጸ።

3 ንሕና እውን መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ምስ ኣኸለ፡ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕን እንተሎ ንሓስብ ንኸውን። እምበኣር፡ ነዚ ዚስዕብ እስከ ንመርምሮ፦ (1) ህዝቅኤል ቀጺሉ ኣብ ራእዩ እንታይ እዩ ርእዩ፧ (2) እቲ ራእይ ኣብቲ እዋን እቲ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ (3) እዚ ትንቢታዊ ራእይ እዚ ንግዜና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

“ነቶም . . . ዚቐጽዑ . . . ጸውዓዮም”

4. ህዝቅኤል ቀጺሉ ኣብቲ ራእይ እንታይ ከም ዝረኣየን እንታይ ከም ዝሰምዐን ግለጽ።

4 ህዝቅኤል ቀጺሉ ኣብቲ ራእይ እንታይ እዩ ርእዩን ሰሚዑን፧ (ህዝቅኤል 9:1-11 ኣንብብ።) ሸውዓተ ሰብኡት “ካብ ኣንፈት እቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዘሎ ላዕለዋይ ኣፍ ደገ” ኺመጹ ረኣየ፣ እዚ ኸኣ ምናልባት ጥቓ እቲ ምልክት ቅንኢ ዝነበረሉ ቦታ ወይ ጥቓ እቲ ኣንስቲ ንተሙዝ ኣምላኽ ዚበኽያሉ ዝነበራ ቦታ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ህዝ. 8:3, 14) እቶም ሸውዓተ ሰብኡት ናብ ኣጸድ እታ ቤተ መቕደስ ኣተዉ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ኸኣ ቈሙ። እቶም ሰብኡት ግና መስዋእቲ ኬቕርቡ ኣይኰኑን መጺኦም። ኣብታ ቤተ መቕደስ ቅቡል መስዋእቲ ዚቐርበሉ ግዜ ሓሊፉ እዩ ነይሩ። ሽዱሽተ ኻብቶም ሰብኡት፡ “ነፍሲ ወከፍ ዚሕምሽሽ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ” ነበረ። እቲ ሻውዓይ ግና ካባታቶም እተፈልየ እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ በፍታ እዩ ተኸዲኑ ነይሩ፣ ብዘይካዚ ድማ፡ ኣጽዋር ኣይኰነን ሒዙ ነይሩ፣ የግዳስ፡ “ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም፡” ወይ ከምቲ ኣብ እግረ ጽሑፍ እተገልጸ፡ “ናይ ጸሓፊ መትሓዝ ቀለም” እዩ ሒዙ ነይሩ።

5, 6. ብዛዕባ እቶም ምልክት እተገብረሎም ሰባት ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 እሞ ደኣ እቲ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ካብ የሆዋ፡ “በታ ኸተማ ሕለፍ፡ ብየሩሳሌም ሕለፍ፣ ኣብ ግምባር እቶም በቲ ኣብታ ኸተማ ዚግበር ዘሎ ዅሉ ፍንፉን ነገራት እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን ሰባት ምልክት ግበር” ዚብል ከቢድ ዕዮ ተዋህቦ። ህዝቅኤል ኣብቲ እዋን እቲ ነቶም በዅሪ ደቆም ካብ ጥፍኣት ኬድሕኑ ኢሎም ንላዕለዋይ ልዳትን ንቐዋሚ ልዳትን ኣባይቶም ደም ዝለኸዩ እሙናት እስራኤላውያን ወለዲ ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 12:7, 22, 23) እሞ ደኣ ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ እቲ በቲ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ ግምባር ዚግበር ምልክት ነቶም ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዚድሕኑ ድዩ ተገይሩሎም፧

6 እቲ ምልክት ንመን ከም ዚግበረሎም ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ይንጽረልና እዩ። ኣብ ግምባር እቶም “በቲ ኣብታ ኸተማ ዚግበር” ዝነበረ ፍንፉን ነገራት “እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን” እዩ ተገይሩሎም። ብዛዕባ እቶም ምልክት እተገብረሎም ደኣ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧ ብቐዳምነት፡ በቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦት ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ንየሩሳሌም መሊእዋ ዝነበረ ዓመጻን ብዕልግናን ብልሽውናን ካብ ልቦም ጕህዮም ነይሮም እዮም። (ህዝ. 22:9-12) ብተወሳኺ ኸኣ፡ ስምዒቶም ኣይሓብኡን። እዞም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት እዚኦም ነቲ ኣብታ ምድሪ ዚግበር ዝነበረ ነገራት ከም ዚፍንፍንዎን ንንጹህ ኣምልኾ ውፉያት ከም ዝዀኑን ብቓሎምን ብተግባሮምን የርእዩ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። የሆዋ ኸኣ ብምሕረቱ ተደሪኹ፡ ነዞም ዚግብኦም ሰባት እዚኦም ኣድሒንዎም እዩ።

7, 8. እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሰብኡት ነቲ እተዋህቦም ተልእኾ ኸመይ ገይሮም እዮም ኪፍጽሙ ዝነበሮም፧ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢትከ እንታይ እዩ ነይሩ፧

7 እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኡት ደኣኸ ኸመይ ገይሮም እዮም ተልእኾኦም ኪፍጽሙ ዝነበሮም፧ ህዝቅኤል ነቲ የሆዋ ንዓታቶም ዝሃቦም ትእዛዝ ሰሚዑ እዩ። ደድሕሪ እቲ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ኪስዕቡ፡ ብዘይካ ነቶም ኣብ ግምባሮም ምልክት እተገብረሎም ከኣ ንዅሎም ኪቐትሉ እዩ ተነጊርዎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ የሆዋ፡ “ካብ መቕደሰይ ጀምሩ” ኢልዎም እዩ። (ህዝ. 9:6) እቶም ፈጸምቲ ፍርዲ ኻብ ማእከል የሩሳሌም፡ ማለት ካብታ ድሕሪ ደጊም ንየሆዋ እተቐደሰት ዘይኰነት ቤተ መቕደስ እዮም ኪጅምሩ ነይርዎም። እቶም ቀዳሞት ቅቱላት ድማ፡ እቶም “ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበሩ ዓበይቲ” እዮም ነይሮም፣ እዚኣቶም ከኣ እቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ቈይሞም ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዕጣን ዚዓጥኑ ዝነበሩ 70 ዓበይቲ እዮም ነይሮም።—ህዝ. 8:11, 12፣ 9:6

8 እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢትከ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ህዝቅኤል እናተዓዘበን እናሰምዐን ከሎ፡ እቲ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ፡ “ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ” ኢሉ ንየሆዋ ጸብጻቡ ኣቕረበ። (ህዝ. 9:11) ስለዚ፡ ‘ነበርቲ የሩሳሌም እንታይ ኰን ኰይኖም ይዀኑ፧ ካብቲ ጥፍኣት ዝደሓኑ እሙናት ነይሮምዶ፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን።

እቲ ራእይ ኣብ ግዜ ህዝቅኤል ብኸመይ ተፈጺሙ፧

9, 10. ገለ ኻብቶም ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝደሓኑ እሙናት መነመን ክንጠቅስ ንኽእል፧ ብዛዕባኦምከ እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧

9 ካልኣይ ዜና መዋእል 36:17-20 ኣንብብ። እቲ ህዝቅኤል እተነበዮ ትንቢት፡ ብ607 ቅ.ክ. ሰራዊት ባቢሎን ንየሩሳሌምን ንቤተ መቕደሳን ምስ ኣጥፍኡ እዩ ተፈጺሙ። እቶም ባቢሎናውያን “ኣብ ኢድ የሆዋ” ኸም ዘላ “ጽዋእ፡” የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ዘይእምንቲ የሩሳሌም መቕጻዕቲ ንምኽዓው እተጠቕመሎም መሳርሒ እዮም ነይሮም። (ኤር. 51:7) ግናኸ፡ እቲ ጥፍኣት ብኣልማማ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ ገሊኦም በቶም ባቢሎናውያን ከም ዘይጠፍኡ ዚሕብር ትንቢት ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 18:22-33፣ 2 ጴጥ. 2:9

10 እሙናት ውልቀ ሰባት ድሒኖም እዮም፣ ገለ ኻባታቶም ከኣ ሬካባውያን፡ ዔቤድ-ሜሌክ እቲ ኢትዮጵያዊ፡ ነብዪ ኤርምያስ፡ ባሩኽ እቲ ጸሓፊኡ ኺጥቀሱ ይከኣሉ እዮም። (ኤር. 35:1-19፣ 39:15-18፣ 45:1-5) ብመሰረት እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ እዞም ሰባት እዚኦም በቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ “ፍንፉን ነገራት እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን” ከም ዝነበሩ ኽንድምድም ንኽእል ኢና። (ህዝ. 9:4) ቅድሚ እቲ ጥፍኣት ከኣ፡ ንእከይ ካብ ልቦም ከም ዚፍንፍንዎን ንንጹህ ኣምልኾ ውፉያት ምዃኖምን ኣርእዮም ኪዀኑ ኣለዎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኪድሕኑ ኽኢሎም።

11. እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኡትን እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይን ንመን ይውክሉ፧

11 እሞ ደኣ ነቶም እሙናት ቃል ብቓሉ ንድሕነት ዚኸውን ምልክት ተገይሩሎም ድዩ፧ ህዝቅኤል ኰነ ኻልእ ነብዪ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ኣብ ግምባር እሙናት ምልክት ከም ዝገበረ ዚሕብር እትመዝገበ ነገር የብልናን። እምበኣር፡ እቲ ትንቢታዊ ራእይ ህዝቅኤል ነቲ መንፈሳውያን ፍጡራት ዚገብርዎ ብዓይኒ ሰባት ዘይርአ ነገር እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይን እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኡትን ነቶም ፍቓድ የሆዋ ኺፍጽሙ ወትሩ ድሉዋት ዝዀኑ እሙናት መንፈሳውያን ፍጡራቱ ዚውክሉ እዮም ነይሮም። (መዝ. 103:20, 21) ስለዚ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ዘይእምንቲ የሩሳሌም ዚፍጸም ፍርዱ ንምቍጽጻር፡ ንመላእኽቱ ተጠቒሙሎም ኪኸውን ኣለዎ። ከምቲ ኣብቶም ዚድሕኑ ምልክት እተገብረ፡ እቶም መላእኽቲ እውን እቲ ፍርዲ ብኣልማማ ዜህልቕ ከይከውን ተቘጻጺሮምዎ እዮም።

ራእይ ህዝቅኤል ንግዜና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

12, 13. (ሀ) የሆዋ ንቝጥዓኡ ኣብ የሩሳሌም ዝኸዓዎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብዚ ግዜና ተመሳሳሊ ስጕምቲ እንጽበኸ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እታ ዘይእምንቲ የሩሳሌም ንህዝበ ክርስትያን ጽላሎት ኰይናታ ድያ፧ ግለጽ። (“ህዝበ ክርስትያን ብየሩሳሌም ተመሲላ ድያ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

12 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፍርዲ ኣምላኽ ኪፍጸም ከሎ ኽንርኢ ኢና፣ እወ፡ “ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ።” (ማቴ. 24:21) ነቲ እዋን እቲ እናተጸበና፡ ኣገዳሲ ሕቶታት ከነበግስ ንኽእል ኢና፦ እቲ ጥፍኣት ብኣልማማ ዘይኰነስ፡ ፈልዩ ድዩ ኼጥፍእ፧ እቶም ንጹሃት ኣምለኽቲ የሆዋ ንድሕነት ምልክት ኪግበረሎም ድዩ፧ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ዝረኣዮ ትንቢታዊ ራእይ፡ ኣብዚ ግዜና ኺፍጸም ድዩ፧ መልሲ እዘን ሰለስተ ሕቶታት እዚአን፡ ‘እወ’ ዚብል እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኢልና ኽንድምድም እንኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ፡ ናብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ እስከ ንመለስ።

13 የሆዋ ንቝጥዓኡ ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም ዝኸዓወሉ ምኽንያት ትዝክሮዶ፧ ናብ ህዝቅኤል 9:8, 9 ምልስ ኢልና እሞ ንርአ። (ኣንብብ።) ህዝቅኤል እቲ ጥፍኣት “ንዅሎም እቶም ተረፍ እስራኤል” ከም ዚውድኦም ገይሩ ምስ ሓሰበ፡ የሆዋ ነቲ ፍርዲ ዝሃበሉ ኣርባዕተ ምኽንያት ጠቒሱ እዩ። ቀዳማይ፡ “ስሕተት” እቶም ህዝቢ “ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ዓብዪ” ምዃኑ ገሊጹ እዩ። * ካልኣይ፡ ምድሪ ይሁዳ “ብምፍሳስ ደም መሊኣ” ነይራ እያ። ሳልሳይ፡ እታ ርእሲ ኸተማ መንግስቲ ይሁዳ ዝዀነት የሩሳሌም “ብብልሽውና መሊኣ” ነይራ እያ። ራብዓይ፡ እቶም ህዝቢ፡ “የሆዋ ኣይርእን እዩ” እናበሉ ብእከይ ይመላለሱ ነይሮም እዮም። እዛ ሎሚ ዘላ ብዕልግናን ዓመጻን ብልሽውናን ዝመልኣ እምነት ዘይብላ ዓለም እውን ብተመሳሳሊ ገበን ክትፍረድ ይግብኣ እዩ። የሆዋ “ዘይቀያየር ወይ ዘይለዋወጥ” ስለ ዝዀነ፡ ከምቲ ብግዜ ህዝቅኤል ብጽድቂ ቝጥዓኡ ዝኸዓዎ፡ ኣብዚ ግዜና እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። (ያእ. 1:17፣ ሚል. 3:6) እምበኣር፡ እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኡትን እቲ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይን ኣብዚ ግዜና ዕዮ ኺህልዎም ትጽቢት ክንገብር ኣሎና።

እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኡት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዕዮኦም ኪጅምሩ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 12, 13 ርአ)

14, 15. ግዜ ጥፍኣት ቅድሚ ምእካሉ፡ የሆዋ ንሰባት ከም ዜጠንቅቕ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧

14 ግናኸ፡ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ትንቢታዊ ራእይ ኣብዚ ግዜና ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ እቲ ራእይ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብኸመይ ከም እተፈጸመ ምልስ ኢልና እንተ ርኢና፡ ሕጅን ኣብ መጻእን እንታይ ክንጽበ ኸም እንኽእል ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ምስ ፍጻመ ትንቢት ህዝቅኤል ብዚተሓሓዝ እንታይ ምዕባለታት ከም ዝረኣና ወይ ከም እንርኢ እስከ ንመርምር።

15 ግዜ ጥፍኣት ቅድሚ ምእካሉ፡ የሆዋ ንሰባት የጠንቅቕ። ኣብ ምዕራፍ 11 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ንቤት እስራኤል ሓላዊ” ገይሩ መዚዝዎ እዩ። (ህዝ. 3:17-19) ህዝቅኤል ድማ ካብ 613 ቅ.ክ. ኣትሒዙ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ዚቐርብ ዝነበረ ጥፍኣት ብንጹር ኣጠንቂቕዎም እዩ። ከም እኒ ኢሳይያስን ኤርምያስን ዝኣመሰሉ ኻልኦት ነብያት እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚወርድ መዓት ኣጠንቂቖም ነይሮም እዮም። (ኢሳ. 39:6, 7፣ ኤር. 25:8, 9, 11) ኣብዚ ግዜና ኸኣ፡ የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንሓደ ንእሽቶ ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት ተጠቒሙሎም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ነቶም ኣገልገልቲ ቤት ዝዀኑ ንጹሃት ኣምለኽቲ ይምግቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ሰባት እውን ብዛዕባ እቲ ብፍጥነት ዚቐርብ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ የጠንቅቑ እዮም።—ማቴ. 24:45

16. ንሕና ህዝቢ የሆዋ ነቶም ዚድሕኑ ሰባት ምልክት ንገብረሎም ዲና፧ ግለጽ።

16 ህዝቢ የሆዋ ነቶም ዚድሕኑ ምልክት ኣይገብሩሎምን እዮም። ህዝቅኤል ባዕሉ ብየሩሳሌም ሓሊፉ ምልክት ኪገብር ከም ዘይተነግሮ ኣይንረስዕ። ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እውን ነቶም ንድሕነት ዚበቕዑ ምልክት ኪገብሩሎም ኣይኰኑን ተመዚዞም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ መንፈሳዊ ቤተ ሰብ ክርስቶስ እነገልግል ኣገልገልቲ ቤት ከም ምዃንና መጠን፡ ክንሰብኽ ኢና ተመዚዝና። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ብምስባኽን እዛ እክይቲ ዓለም ናብ መወዳእታኣ ብፍጥነት ትቐርብ ከም ዘላ ብምጥንቃቕን ከኣ፡ ነዚ መዝነት እዚ ኣርዚንና ኸም እንርእዮ ነርኢ ኢና። (ማቴ. 24:14፣ 28:18-20) በዚ ኸምዚ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት፡ ንንጹህ ኣምልኾ ኪቕበሉ ኣብ ምሕጋዝ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና።—1 ጢሞ. 4:16

17. ውልቀ ሰባት ኣብ መጻኢ ምልክት ምእንቲ ኺግበረሎም፡ ሕጂ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

17 ውልቀ ሰባት ካብቲ ዚመጽእ ጥፍኣት ንምድሓን፡ ሕጂ እምነቶም ኬርእዩ ኣለዎም። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ እቶም ብ607 ቅ.ክ. ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝደሓኑ ሰባት፡ ነቲ እከይ ከም ዚፍንፍንዎን ንንጹህ ኣምልኾ ውፉያት ምዃኖምን ኣቕዲሞም ኣርእዮም እዮም። ሎሚ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ጥፍኣት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ውልቀ ሰባት ብእከይ እዛ ዓለም እዚኣ ‘እህህ ኪብሉን ኪግዕሩን’ ወይ ካብ ልቦም ኪጕህዩ ኣለዎም። ነቲ ስምዒቶም ከኣ ኣብ ክንዲ ዚሓብእዎ፡ ንንጹህ ኣምልኾ ውፉያት ምዃኖም ብቓሎምን ብተግባሮምን ኬርእዩ ኣለዎም። ከመይ ገይሮም እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧ ነቲ ሎሚ ዚስበኽ ዘሎ መልኽቲ ኺሰምዑ፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ስብእና ኺለብሱ፡ ከም ምልክት እቲ ንየሆዋ ዝገበርዎ ተወፋይነት ኪጥመቑ፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ድማ ብተኣማንነት ኪድግፉ ኣለዎም። (ህዝ. 9:4፣ ማቴ. 25:34-40፣ ኤፌ. 4:22-24፣ 1 ጴጥ. 3:21) እቶም ሕጂ በዚ መገዲ እዚ ዚጕዓዙ፡ ብርቱዕ ጸበባ ኺጅምር ከሎ ድማ ንጹሃት ኣምለኽቲ ዀይኖም ዝጸንሑ ጥራይ እዮም ካብቲ ጥፍኣት ንምድሓን ምልክት ዚግበረሎም።

18. (ሀ) የሱስ ክርስቶስ ነቶም ዚግብኦም ሰባት ምልክት ዚገብረሎም መዓስን ብኸመይን እዩ፧ (ለ) እቶም እሙናት ቅቡኣት ምልክት ኪግበረሎም ድዩ፧ ግለጽ።

18 ነቲ ምልክት ናይ ምግባር ዕዮ የሱስ እዩ ዚገብሮ። ብግዜ ህዝቅኤል፡ መላእኽቲ ነቶም ዚድሕኑ ምልክት ናይ ምግባር ዕዮ ነይርዎም እዩ። ኣብ ዘመናዊ ፍጻመ፡ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ፡ ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ንምፍራድ “ብኽብሩ” መጺኡ ንዚድሕኑ ምልክት ዚገብረሎም የሱስ ክርስቶስ የመልክት። (ማቴ. 25:31-33) እቲ የሱስ ዚመጸሉ ፍጻመ እቲ፡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ድሕሪ ጥፋኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እዩ ኪኸውን። * ኣብቲ ቐቅድሚ ምጅማር ኣርማጌዶን ዚህሉ ወሳኒ ግዜ፡ የሱስ ንሰባት፡ ኣባጊዕ ወይ ኣጣል ኢሉ ኺፈርዶም እዩ። እቶም “ብዙሓት ህዝቢ፡” ኣባጊዕ ተባሂሎም ኪፍረዱ ወይ ምልክት ኪግበረሎም እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ” ምዃኖም ዜመልክት እዩ። (ራእ. 7:9-14፣ ማቴ. 25:34-40, 46) እቶም እሙናት ቅቡኣትከ፧ ምልክት ተገይሩሎም ብኣርማጌዶን ኪሓልፉ ኣይኬድልዮምን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ወይ ቅድሚ ሙማቶም፡ ወይ ድሕሪ ምጅማር ብርቱዕ ጸበባ፡ ናይ መወዳእታ ማሕተም ኪቕበሉ እዮም። ድሕሪኡ፡ ኣርማጌዶን ቅድሚ ምጅማሩ፡ ናብ ሰማይ ልዕል ኪብሉ እዮም።—ራእ. 7:1-3

19. የሱስ ምስ መን ኰይኑ እዩ ነዚ ስርዓት እዚ ዜጥፍኦ፧ (“እህህ ምባልን ምግዓርን፡ ምልክት ምግባር፡ ምሕምሻሽ—መዓስን ብኸመይን፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

19 እቲ ሰማያዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን እቶም ሰማያውያን ሰራዊቱን ኣብ ልዕሊ እዚ ስርዓት እዚ ፍርዲ ኺፍጽሙ እዮም። ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኡት፡ እቲ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ ነቲ ምልክት ናይ ምግባር ዕዮኡ ኽሳዕ ዚዛዝም ኬጥፍኡ ኣይጀመሩን። (ህዝ. 9:4-7) ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ እቲ ዚመጽእ ጥፍኣት፡ የሱስ ንዅሎም ኣህዛብ ምስ ፈረዶም፡ ነቶም ኣባጊዕ ከኣ ንድሕነት ምልክት ምስ ገበረሎም እዩ ዚጅምር። ድሕሪኡ፡ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን፡ የሱስ ነቶም ንቕዱሳት መላእኽትን ንዅሎም እቶም 144,000 መጋዝእቱን ዚርከብዎም ሰማያውያን ፈጸምቲ ፍርዲ ኺመርሖም እዩ። ብሓባር ከኣ ነዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ጠሪሶም ኣጥፊኦም፡ ንንጹሃት ኣምለኽቲ ናብታ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ኬእትውዎም እዮም።—ራእ. 16:14-16፣ 19:11-21

20. ካብቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ዜጸናንዕ ትምህርትታት ኢና ረኺብና፧

20 ካብቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ዝረኣዮ ራእይ ዜጸናንዕ ትምህርትታት ብምርካብና፡ ብዙሕ ተሓጒስና ኢና። የሆዋ ንጻድቕ ምስ እኩይ ለኪሙ ኸም ዘየጥፍእ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (መዝ. 97:10) ኣብ መጻኢ ንድሕነት ምልክት ምእንቲ ኺግበረልና፡ ሕጂ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ፈሊጥና ኢና። ኣምለኽቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና ኸኣ፡ ነቶም ብእከይ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን መጠንቀቕታ ኣብ ምንጋርን ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር ቈሪጽና ኣለና። ከምዚ ብምግባር ድማ፡ ነቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺጽምበሩና ንሕግዞም ንኸውን፣ በዚ ኸምዚ እውን፡ ናብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ኪኣትዉ ዜኽእሎም ምልክት ይግበረሎም ይኸውን።—ግብ. 13:48

^ ሕ.ጽ. 1 ህዝቅኤል ኣብ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ዝረኣዮ ፍንፉን ነገራት ዚገልጽ ራእይ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 13 ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እታ “ስሕተት” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ዝርጋን” ዚብል ሓሳብ ኣለዋ። ካልእ መወከሲ ጽሑፍ ድማ፡ እታ ቓል እቲኣ “ሃይማኖታዊ ቓል” ምዃና ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ዳርጋ ወትሩ ንስነ ምግባራዊ በደል ወይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዚግበር ኣበሳ እያ እተመልክት” ኢሉ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 18 ዓባይ ባቢሎን ምጥፋኣ፡ ኵሎም ኣባላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ይሞቱ ማለት ከይከውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ገሊኦም ኣቕሽሽቲ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ይሓድጉን ‘ኣባላታ ኣይነበርናን’ ይብሉን ይዀኑ።—ዘካ. 13:3-6