ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 21

“ስም እታ ኸተማ፡ የሆዋ ኣብኣ ኣሎ ኪኸውን እዩ”

“ስም እታ ኸተማ፡ የሆዋ ኣብኣ ኣሎ ኪኸውን እዩ”

ህዝቅኤል 48:35

ኣትኵሮ፦ ትርጉም እታ ኸተማን እታ መባእን

1, 2. (ሀ) እንታይ ክፋል እታ ምድሪ እዩ ንፍሉይ ዕላማ ዚፍለ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እቲ ራእይከ ነቶም ምሩኻት እንታይ መረጋገጺ እዩ ዚህቦም፧

ህዝቅኤል ኣብታ ናይ መወዳእታ ራእዩ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ንፍሉይ ዕላማ እተፈልየት ክፋል እታ ምድሪ ፈሊጡ እዩ። እታ እተፈልየት ክፋል ንሓደ ነገድ እስራኤል ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ መባእ ኰይና እያ ተዋሂባ። ህዝቅኤል ብዛዕባ ሓንቲ መሳጢ ስም ዘለዋ እተደንቕ ከተማ እውን ፈሊጡ እዩ። እዚ ኽፋል ራእይ እዚ ኸኣ ነቶም ምሩኻት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፦ ናብታ ዚፈትውዋ ዓዶም ምስ ተመልሱ፡ የሆዋ ምሳታቶም ኪኸውን እዩ።

2 እታ መባእ እንታይ ምዃና፡ ህዝቅኤል ብዝርዝር ገሊጹ ኣሎ። እምበኣር፡ ነቲ ንዓና ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ጸብጻብ ንመርምሮ።

“ምስ . . . እታ ኸተማ፡ ቅድስቲ መባእ”

3. ኣብታ የሆዋ ዝፈለያ ምድሪ እንታይ ሓሙሽተ ቦታታት ኣለዋ፧ እተን ቦታታትከ ንምንታይ የገልግላ፧ (“እታ እትፈልይዋ መባእ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

3 እታ ፍልይቲ ኽፋል ምድሪ ኻብ ሰሜን ናብ ደቡብ 25,000 እመት (13 ኪሎ ሜተር)፡ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ከኣ 25,000 እመት እያ እትልካዕ። እዛ ትርብዒት ዝዀነት ምድሪ፡ “ብዘላ እታ መባእ” ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። ኣብ ሰለስተ ንጋድም እተመቕለ ኽፋላት ከኣ ተኸፊላ ነይራ። እታ ላዕለወይቲ ኽፋል ንሌዋውያን፡ እታ ማእከለይቲ ኽፋል ንቤተ መቕደስን ንኻህናትን እያ ነይራ። እዚ ኽልቲኡ ኽፋላት ነታ “ቕድስቲ መባእ” የቕውም። እታ ዝነኣሰት ታሕተወይቲ ኽፋል ወይ “ዝተረፈት ቦታ” ድማ “ንሓባራዊ ጥቕሚ” ተባሂላ ኣላ። ንሳ ኸኣ ነታ ኸተማ እያ ነይራ።—ህዝ. 48:15, 20

4. ካብቲ ብዛዕባ እታ ንየሆዋ እተፈልየት መባእ ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

4 ካብዚ ብዛዕባ እታ ንየሆዋ እተፈልየት መባእ ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ የሆዋ ፈለማ ንፍሉይ መባእ ዚኸውን ምድሪ፡ ድሕሪኡ ነቶም ነገዳት ዚኸውን ምድሪ ብምፍላይ፡ ብቐዳምነት ኣገዳሲ ኪኸውን ዘለዎ እቲ መንፈሳዊ ማእከል እታ ምድሪ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። (ህዝ. 45:1) እቶም ምሩኻት ካብቲ መስርዕ ኣገዳስነት ኣመቓቕላ እታ ምድሪ ብዙሕ ተማሂሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ንኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ኺህብዎ ይግብኦም ነይሩ። ሎሚ፡ ንሕና እውን ንኸም መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ዕዮ ስብከትን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ንጥፈታት ቀዳምነት ኪውሃቦ ኸም ዚግባእ ጌርና ኢና እንርእዮ። ነቲ የሆዋ ቐዳምነት ንዚህቦ ነገራት ዚሰርዓሉ መገዲ ምስ እንቐድሖ፡ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ኣምልኾኡ ኸም ዜተኵር ኢና እንገብሮ።

“እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ማእከላ ኽትከውን እያ”

5, 6. (ሀ) እታ ኸተማ ናይ መን እያ፧ (ለ) እታ ኸተማ ንምንታይ እያ ኸተመልክት ዘይትኽእል ነይራ፧ ስለምንታይከ፧

5 ህዝቅኤል 48:15 ኣንብብ። “እታ ኸተማ” ምስቲ ኣብ ከባቢኣ ዚርከብ ምድሪ እንታይ ትርጉም ኣለዋ፧ (ህዝ. 48:16-18) ኣብቲ ራእይ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ርስቲ እታ ኸተማ . . . ናይ ኵሎም ቤት እስራኤል ክትከውን እያ” ኢልዎ እዩ። (ህዝ. 45:6, 7) ስለዚ፡ እታ ኸተማ ምስቲ ኣብ ከባቢኣ ዚርከብ ምድሪ፡ ናይታ ‘ንየሆዋ እትፍለ’ “ቕድስቲ መባእ” ኣይኰነትን እትኸውን። (ህዝ. 48:9) ነዚ ፍልልይ እዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ሎሚ ኻብታ ኸተማ እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ።

6 ካብታ ኸተማ እንታይ ትምህርትታት ከም እንረክብ ንምፍላጥ፡ ፈለማ እታ ኸተማ እንታይ ክትከውን ከም ዘይትኽእል እስከ ንርአ። እታ ኸተማ ነታ ምስ ቤተ መቕደሳ ዳግም እትህነጽ ከተማ የሩሳሌም ከተመልክት ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ኸተማ፡ ኣብ ውሽጣ ቤተ መቕደስ የብላን። ብተወሳኺ ድማ፡ እታ ኸተማ ኣብታ ናብ ቀደማ እተመልሰት ምድሪ እስራኤል ንእትርከብ ዝዀነት ትኹን ካልእ ከተማ ኸተመልክት ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቶም ተመለስቲ ምሩኻት ኰኑ ዘርኦም፡ ኣብዚ ራእይ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ነገራት እተጠቓልል ከተማ ጠሪሶም ኣይሃነጹን። ብዘይካዚ፡ እታ ኸተማ ንሰማያዊት ከተማ ኸተመልክት ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “ተራ” ወይ ዘይቅዱስ ኣብ እተባህለ ምድሪ እያ ተሃኒጻ፡ ማለት ኣብቲ ንቕዱስ ኣምልኾ ጥራይ እተፈልየ ምድሪ ኣይተሃንጸትን።—ህዝ. 42:20

7. እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ኸተማ እንታይ እያ፧ ንምንታይ እተመልክትከ እያ እትመስል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 እሞ ደኣ እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ኸተማ እንታይ እያ፧ ነታ ኸተማ ኣብቲ ነታ ምድሪ ዝረኣየሉ ራእይ ከም ዝረኣያ ኣይንረስዕ። (ህዝ. 40:2፣ 45:1, 6) ቃል ኣምላኽ፡ እታ ምድሪ ንመንፈሳዊት ምድሪ ኸም እተመልክት ይሕብረና እዩ፣ ስለዚ፡ እታ ኸተማ እውን ንመንፈሳዊት ከተማ እተመልክት ክትከውን ኣለዋ። ብሓፈሻኡ፡ “ከተማ” እትብል ቃል እንታይ ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ፧ እተዋቐረን እተወደበን ነገር ኣቚሞም ብሓባር ዚነብሩ ጕጅለ ሰባት ዚብል ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ። እምበኣር፡ እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ፍጹም ትርብዒት ኰይና እተደኰነት ብግቡእ እተሰርዐት ከተማ፡ ብግቡእ ንእተወደበ ማእከል ምምሕዳር እተመልክት እያ እትመስል።

8. ግዝኣት ወይ ጽልዋ እዚ ምምሕዳር ኣበይ እዩ፧ ከምኡ እንብልከ ስለምንታይ ኢና፧

8 ግዝኣት ወይ ጽልዋ እዚ ምምሕዳር ኣበይ እዩ፧ ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ እዛ ኸተማ ኣብ ውሽጢ እታ መንፈሳዊት ምድሪ ዕዮኣ ኸም እትዓዪ ተገሊጹ ኣሎ። እምበኣር፡ ሎሚ እዚ ምምሕዳር እዚ ኣብ ውሽጢ ንጥፈታት ህዝቢ ኣምላኽ እዩ ዚዓዪ። እታ ኸተማ ኣብ ተራ ወይ ዘይቅዱስ ምድሪ እተደኰነት ምዃናኸ እንታይ የመልክት፧ እታ ኸተማ ንሰማያዊ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንጥቕሚ ዅሎም እቶም ኣብታ መንፈሳዊት ገነት ዚርከቡ ንምግልጋል ዚዓዪ ዘሎ ምድራዊ ምምሕዳር ከም እተመልክት የዘኻኽረና።

9. (ሀ) ሎሚ ነዚ ምድራዊ ምምሕዳር ዜቝሙ መን እዮም፧ (ለ) የሱስ ኣብቲ ሽሕ ዓመት እንታይ ኪገብር እዩ፧

9 ነዚ ምድራዊ ምምሕዳር ዜቝሙ ደኣ መን እዮም፧ ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ እቲ ኣብ ምምሕዳር እታ ኸተማ ዚመርሕ ሰብ፡ “ሹም” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ህዝ. 45:7) ንሱ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ሓላዊ ዀይኑ ወይ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ ካህን ወይ ሌዋዊ ኣይነበረን። እዚ ሹም እዚ ብዛዕባ እቶም ሎሚ ቕቡኣት ዘይኰኑ ሓለውቲ ጉባኤ ኸም እንሓስብ እዩ ዚገብርና። እዞም ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ሓለይቲ መንፈሳውያን ጓሶት እዚኦም፡ ትሑታት ምድራውያን ኣገልገልቲ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ክርስቶስ እዮም። (ዮሃ. 10:16) ኣብቲ ዚመጽእ ሽሕ ዓመት፡ የሱስ “ኣብ ኵላ ምድሪ” ብቑዓት ሽማግለታት ወይ “መሳፍንቲ” ሓርዩ ኺሸይም እዩ። (መዝ. 45:16) ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኸኣ፡ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ንረብሓታት ህዝቢ ኣምላኽ ኪሓልዩ እዮም።

“የሆዋ ኣብኣ ኣሎ”

10. ስም እታ ኸተማ እንታይ እዩ፧ እቲ ስምከ እንታይ መረጋገጺ እዩ ዚህብ፧

10 ህዝቅኤል 48:35 ኣንብብ። ስም እታ ኸተማ፡ “የሆዋ ኣብኣ ኣሎ” እዩ። እዚ ስም እዚ ድማ፡ የሆዋ ኣብኣ ምህላዉ ኸም ዚስምዓካ እትገብር ከተማ ምዃና እዩ ዜረጋግጽ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ነታ ኣብ ማእከል እተደኰነት ከተማ ኼርእዮ ኸሎ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ነቶም ምሩኻት፡ ‘ከም ብሓድሽ ምሳኻትኩም ክኸውን እየ!’ እዩ ዚብሎም ነይሩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜተባብዕ መረጋገጺ ዀን እዩ!

11. ካብቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ኸተማን ብዛዕባ እቲ ትርጉም ዘለዎ ስማን ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧

11 ካብዚ ኽፋል ትንቢት ህዝቅኤል እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧ ስም እቲ ኸም ከተማ ዝኣመሰለ ምምሕዳር፡ ሎሚ ንዘለና ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ የሆዋ ምስቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ ሕጅን ንሓዋሩን ከም ዚቕመጥ እዩ መረጋገጺ ዚኸውን። እቲ ትርጉም ዘለዎ ስም እውን ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ዜጕልሕ፦ እታ ኸተማ ነቲ ፍቕራውን ሚዛናውን መገድታት የሆዋ ንምትእትታው እምበር፡ ንሰባት ስልጣን ንምሃብ ኣይኰነትን ተደኲና። ንኣብነት፡ እቲ ምምሕዳር እቲ ኸም ዝመሰሎ ገይሩ ብምሳልያዊ መገዲ ነታ ምድሪ ኺመቓቕላ፡ የሆዋ ስልጣን ኣይሃቦን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ነቶም ኣመሓደርቲ፡ ነቲ ንሱ ንኣገልገልቱ ዚምድቦ ግደ ወይ ፍሉይ መሰል ኬኽብሩ፡ እንተላይ ነቲ “ትሑት” ዘበለ እውን ግደኡ ኬኽብሩሉ እዩ ዚጽበዮም።—ምሳ. 19:17፣ ህዝ. 46:18፣ 48:29

12. (ሀ) እታ ኸተማ እንታይ ጕሉሕ መዳይ ኣለዋ፧ እዚኸ እንታይ ይሕብር፧ (ለ) እዚ ራእይ እዚ ንክርስትያን ሓለውቲ እንታይ ኣገዳሲ መዘኻኸሪ እዩ ዚህቦም፧

12 ካልእ ጕሉሕ መዳይ እታ “የሆዋ ኣብኣ ኣሎ” እትብሃል ከተማ እንታይ እዩ፧ ጥንታውያን ከተማታት ንመከላኸሊ ዚኸውን መካበብያ ኺህነጸለን ከሎ፡ ብእተኻእለ መጠን ሒደት ኣፍ ደገታት እዩ ዚስርሓለን ነይሩ፣ እዛ ኸተማ ግና 12 ኣፍ ደገ እዩ ዘለዋ! (ህዝ. 48:30-34) እዚ ብዙሕ ኣፍ ደገታት እዚ (ኣብ ኵሉ ሸነኽ እታ ትርብዒት ዝዀነት ከተማ ሰሰለስተ)፡ ኣመሓደርቲ እታ ኸተማ ንዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ተቐረብትን ብቐሊሉ ዚርከቡን ምዃኖም እዩ ዚሕብር። ብተወሳኺ ድማ፡ እታ ኸተማ 12 ኣፍ ደገ ዘለዋ ምዃና፡ ንዅሉ ሰብ፡ ወይ ን“ዅሎም ቤት እስራኤል” ክፍትቲ ኸም እትኸውን የጕልሕ። (ህዝ. 45:6) እምበኣር፡ እታ ኸተማ ብቐሊሉ እትእቶ ምዃና፡ ንክርስትያን ሓለውቲ ኣገዳሲ መዘኻኸሪ ይህቦም እዩ። የሆዋ ንዓታቶም፡ ንዅሎም እቶም ኣብታ መንፈሳዊት ገነት ዚነብሩ ሰባት ተቐረብትን ብቐሊሉ ዚርከቡን ኪዀኑሎም እዩ ዚደልዮም።

ክርስትያን ሓለውቲ ተቐረብትን ብቐሊሉ ዚርከቡን ኪዀኑ ኣለዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

“እቶም ኬምልኹ . . . ዝኣተዉ” ህዝቢ ኣምላኽ “ኣብታ ኸተማ ዜገልግሉ” እዮም

13. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ህዝቡ ዚገብርዎ እተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት እንታይ ኢሉ፧

13 ናብ ግዜ ህዝቅኤል ንመለስ እሞ ኣብቲ ብዛዕባ ኣመቓቕላ እታ ምድሪ ዝመዝገቦ ሰፊሕ ራእይ እንታይ ተወሳኺ ዝርዝር ነገራት ከም ዘሎ እስከ ንመርምር። ኣብኡ የሆዋ፡ ሰባት ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዚሳተፉ ጠቒሱ እዩ። ካህናት ወይ “ኣገልገልቲ እታ መቕደስ” መስዋእትታት ከም ዜቕርቡ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ድማ ከም ዚቐርብዎ ሓቢሩ እዩ። “ኣገልግሎት እታ ቤተ መቕደስን ኵሉ እቲ ኣብኣ ዚግበርን ኪዓይዩ ሓላፍነት ዚስከሙ” ሌዋውያን ወይ “ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ” እውን ከም ዚህልው ገሊጹ እዩ። (ህዝ. 44:14-16፣ 45:4, 5) ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ጥቓ እታ ኸተማ ዚዓይዩ ዓየይቲ ርእዩ እዩ። እቶም ዓየይቲኸ መን እዮም፧

14. እቶም ኣብ ጥቓ እታ ኸተማ ዚዓይዩ ዓየይቲ እንታይ እዮም ዜዘኻኽሩና፧

14 እቶም ኣብ ጥቓ እታ ኸተማ ዚዓይዩ ዓየይቲ፡ ካብ “ኵሎም ነገዳት እስራኤል” ዝመጹ እዮም ነይሮም። ደገፍ ናይ ምሃብ ግደ ኸኣ ነይርዎም። ዕዮኦም ከኣ “ነቶም ኣብታ ኸተማ ዜገልግሉ ምግቢ” ዚኸውን እኽሊ ምፍራይ እዩ ነይሩ። (ህዝ. 48:18, 19) እዚ መሰናድዎ እዚ ነቲ ንሕና ሎሚ ዘሎና ኣጋጣሚ የዘኻኽረና ድዩ፧ እወ። ሎሚ፡ ኵሎም ነበርቲ እታ መንፈሳዊት ገነት ንኣገልግሎት እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስን ንኣገልግሎት እቶም ካብቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ዝዀኑ ኺመርሑ እተሸሙ ዘበሉን ናይ ምድጋፍ ኣጋጣሚ ኣለዎም። (ራእ. 7:9, 10) ነዚ ደገፍ እዚ እንህበሉ ቐንዲ መገዲ ኸኣ፡ ምስቲ ኻብቲ እሙን ባርያ ዚመጽእ መምርሒ ብፍታው ብምትሕብባር እዩ።

15, 16. (ሀ) ካብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ተወሳኺ ዝርዝር ነጥብታት ክንረክብ ንኽእል፧ (ለ) ንሕና ኣብ ምንታይ ተመሳሳሊ ንጥፈት ክንሳተፍ እዩ ኣጋጣሚ ዘሎና፧

15 ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ንኣገልግሎትና ዚምልከት ትምህርቲ ኽንረኽበሉ እንኽእል ካልእ ዝርዝር ነጥቢ እውን ኣሎ። ንሱኸ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ኣባላት እቶም ሌዋውያን ዘይኰኑ 12 ነገዳት ኣብ ክልተ ቦታ ኸም ዚነጥፉ ጠቒሱ እዩ፦ ኣብ ኣጸድ እታ ቤተ መቕደስን ኣብቲ መጓሰዪ እታ ኸተማን። ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ኣብ ምንታይ እዮም ዚነጥፉ፧ ኣብቲ ኣጸድ እታ ቤተ መቕደስ፡ ኵሎም ነገዳት ንየሆዋ መስዋእቲ ብምቕራብ “ኬምልኹ” እዮም ዚኣትዉ። (ህዝ. 46:9, 24) ኣብ ምድሪ እታ ኸተማ ኸኣ፡ ኣባላት ኵሎም ነገዳት ነታ ምድሪ ብምሕራስ፡ ነታ ኸተማ ንምድጋፍ እዮም ዚመጹ። እሞ ደኣ ኻብቲ እዞም ዓየይቲ ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ንምሃር፧

16 ሎሚ፡ ኣባላት እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኸም ናይ ራእይ ህዝቅኤል ኣብ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ናይ ምስታፍ ኣጋጣሚ ኣለዎም። መስዋእቲ ውዳሰ ብምቕራብ፡ ንየሆዋ “ኣብታ ቤተ መቕደሱ” የምልኽዎ እዮም። (ራእ. 7:9-15) ነዚ ድማ ኣብ ዕዮ ስብከት ብምስታፍን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እምነቶም ብምግላጽን እዮም ዚገብርዎ። ንየሆዋ ብቐጥታ ኣምልኾ ምቕራብ፡ ከም ቀንዲ ሓላፍነቶም እዮም ዚርእይዎ። (1 ዜና 16:29) ብተወሳኺ ድማ፡ ብዙሓት ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ንውድብ ኣምላኽ ብእተፈላለየ ግብራዊ መገድታት ይድግፉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ህንጻታት ጨንፈርን ኣብ ምህናጽ ይድግፉ፡ ውድብ የሆዋ ኣብ እትትልሞ ሓያሎ ኻልእ ፕሮጀክትታት ከኣ ይሕግዙ እዮም። ገሊኦም ከኣ ገንዘብ ብምውፋይ ነዚ ፕሮጀክትታት እዚ ይድግፉ እዮም። “ንኽብሪ ኣምላኽ” ኢሎም እዮም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነታ ምድሪ ዚሓርስዋ ዘለዉ። (1 ቈረ. 10:31) የሆዋ ‘በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ባህ ከም ዚብሎ’ ስለ ዚፈልጡ፡ ዕዮኦም ብቕንኣትን ብታሕጓስን እዮም ዚዓይዩ። (እብ. 13:16) እሞኸ ንስኻ ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ካብቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማን ኣብ ከባቢኡን ንዚግበር እተፈላለየ ንጥፈታት ዝሃቦ መግለጺ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ)

“ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ንጽበ ኣለና”

17. (ሀ) ኣብ መጻኢ፡ እንታይ ዝዓበየ ፍጻመ ራእይ ህዝቅኤል ኢና ኽንርኢ፧ (ለ) ኣብቲ ሽሕ ዓመት፡ ካብቲ ኸም ከተማ ዝኣመሰለ ምምሕዳር መን ኪጥቀም እዩ፧

17 ኣብ መጻኢ፡ እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ መባእ ዝረኣዮ ራእይ ብዝዓበየ ደረጃ ኺፍጸም ክንርኢ ዲና፧ እወ! ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ህዝቅኤል ነታ “ቕድስቲ መባእ” እተባህለት ክፋል እታ ምድሪ ኣብ ማእከል እታ ምድሪ እዩ ርእይዋ። (ህዝ. 48:10) ብተመሳሳሊ፡ ድሕሪ ኣርማጌዶን ኣብዛ ምድርና ኣብ ዝነበርና ንንበር፡ የሆዋ ምሳና ኪቕመጥ እዩ። (ራእ. 21:3) ኣብቲ ሽሕ ዓመት ከኣ፡ እቲ ኸም ከተማ ዝኣመሰለ ምምሕዳር፡—እዚ ነቶም ኣብ ምድሪ ንረብሓታት ህዝቢ ኣምላኽ ኪሓልዩ እተሸሙ የመልክት፡—ንዅሎም እቶም ነታ “ሓዳስ ምድሪ” ወይ ነቲ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዜቝሙ መምርሒ ብምሃብ፡ ጽልዋኡ ኣብ ምልእቲ ፕላነትና ኺዝርግሕ እዩ።—2 ጴጥ. 3:13

18. (ሀ) እቲ ኸም ከተማ ዝኣመሰለ ምምሕዳር ምስ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ከም ዚሳነ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ስም እታ ኸተማ እንታይ ጽኑዕ መረጋገጺ እዩ ዚህበና፧

18 እቲ ኸም ከተማ ዝኣመሰለ ምምሕዳር ምስ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚሳነ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ እታ 12 ኣፍ ደገ ዘለዋ ምድራዊት ከተማ፡ ነጸብራቕ እታ በቶም 144,000 መጋዝእቲ ክርስቶስ ዝቘመት ሓዳስ የሩሳሌም እትብሃል 12 ኣፍ ደገ ዘለዋ ሰማያዊት ከተማ ምዃና ቓል ኣምላኽ ይገልጽ እዩ። (ራእ. 21:2, 12, 21-27) እዚ ድማ እቲ ምድራዊ ምምሕዳር ንዅሉ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እትገብሮ ውሳነታት ከም ዜንጸባርቖን ብጥንቃቐ ኸም ዚፍጽሞን ይሕብር። እወ፡ እቲ “የሆዋ ኣብኣ ኣሎ” ዚብል ስም እታ ኸተማ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ከም ዚኸውንን ከም ዚብልጽግን የረጋግጸልና። ኣብ መጻእስ ከመይ ዝበለ ሰናይ ግዜ ዀን እዩ ኺመጽእ!