ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 2ሀ

ንትንቢታት ህዝቅኤል ብኸመይ ትርድኦ፧

ንትንቢታት ህዝቅኤል ብኸመይ ትርድኦ፧

ትንቢት እንታይ እዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ፡ “ምንባይ” ተባሂላ እትትርጐም ናባ እትብል ግሲ እብራይስጢ፡ ብቐንዱ ብድራኸ መንፈስ ንዚመሓላለፍ መልእኽቲ፡ ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ፡ ወይ ትእዛዝ እያ እተመልክት። ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን እተዘርበ መለኮታዊ ቓል እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ትንቢታት ህዝቅኤል ንዅሉ እዚ እተፈላለየ ዓይነት መለኮታዊ ራእያት ሒዙ ኣሎ።—ህዝ. 3:10, 11፣ 11:4-8፣ 14:6, 7፣ 37:9, 10፣ 38:1-4

ብኸመይ ተመሓላሊፉ፧

  • ራእያት

  • ምሳሌታት

  • ተዋስኦታት

መጽሓፍ ህዝቅኤል፡ ራእያትን ምሳሌታትን ምሳልያዊ ዛንታታትን ትንቢታዊ መልእኽቲ ዝሓዘ ተዋስኦታትን ሒዛ ኣላ።

ብኸመይ ተፈጺሙ፧

ገሊኡ ህዝቅኤል እተነበዮ ትንቢታት፡ ካብ ሓንሳእ ንላዕሊ ይፍጸም እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ እተነግረ ትንቢታት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ እተመልሱሉ እዋን ብእተወሰነ ደረጃ ጥራይ እዩ ተፈጺሙ ነይሩ። ኣብ ምዕራፍ 9 እዛ መጽሓፍ ተገሊጹ ኸም ዘሎ ግና፡ ሓያሎ ኻብቲ ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ እተነግረ ትንቢታት ሎሚ ይፍጸም ኣሎ፣ ከም ብሓድሽ እውን ኣብ መጻኢ ኺፍጸም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ተጠቒሱ ዘሎ ሓያሎ ነገራት ጽላሎት ናይ ዚመጽእ ነገር ከም ዝዀነ ጌርና ንኣምን ኔርና። ይኹን እምበር፡ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዘይካ እቲ ንጹር ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘለዎ ዘበለ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ነገር፡ ቦታ፡ ወይ ፍጻመ ትንቢታዊ ጽላሎት ከም ዝዀነ ጌርካ ኣይተገልጸን። * ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ትንቢታት ህዝቅኤል ብዝዓበየ ደረጃ ዚፍጸመሉ ዅነታት እዩ ተተኲሩሉ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ተገሊጹ ኻብ ዘሎ መልእኽትን ካብቶም ህዝብን ካብቲ ቦታታትን ካብቲ ፍጻመታትን እንረኽቦ ትምህርትታት ኪምርመር እዩ።

^ ሕ.ጽ. 12 ብዛዕባ ትንቢታዊ ጽላሎት ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 9-11፡ ሕ.ጽ. 7-12፣ ከምኡ እውን ኣብታ ሕታም እቲኣ ኣብ ገጽ 17-18 ዝወጸት፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።