ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ብ1919 እተገብረ ታሪኻዊ ኣኼባ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ኻብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ኸም ዝወጹ ዜርኢ ሓያል መርትዖ እዩ

ሳጹን ትምህርቲ 9ለ

ስለምንታይ 1919፧

ስለምንታይ 1919፧

ህዝቢ ኣምላኽ ብ1919 ካብ ባርነት ዓባይ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም እንብል ስለምንታይ ኢና፧ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽን እዩ ናብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ኣኽኢሉና።

የሱስ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ ሰማይ ከም ዝነገሰ፡ እዚ ድማ ምጅማር ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ናይ ሰይጣን ስርዓት ምዃኑ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽን ብዜእምን መገዲ ይሕብር እዩ። የሱስ ምስ ነገሰ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ንምድራውያን ኣገልገልቱ ብኡብኡ ኻብ ባርነት ዓባይ ባቢሎን ድዩ ሓራ ኣውጺእዎም፧ ብ1914 ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸይምዎን ነቲ ዓብዪ ዕዮ ቐውዒ ጀሚርዎን ድዩ፧—ማቴ. 24:45

ከምኡ ኸም ዘይገበረ ንጹር እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ ፍርዲ ‘ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ዚጅምር’ ሓቢሩ ምንባሩ ኣይንረስዕ። (1 ጴጥ. 4:17) ብተመሳሳሊ እውን፡ ነብዪ ሚልክያስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ በቲ “ልኡኽ እቲ ኺዳን” ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ ተሰንዩ ናብ ቤት ኣምልኾኡ ዚመጸሉ ግዜ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሚል. 3:1-5) እቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ግዜ ዅላዐን ፈተናን ከም ዚኸውን ተገሊጹ ነይሩ እዩ። እሞኸ ታሪኽ ምስዚ ትንቢታት እዚ ይሰማማዕዶ፧

ብርግጽ ይሰማማዕ እዩ! ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ 1919 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ነቶም ሽዑ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣጸጋሚ እዋን ፈተናን ኵላዐን እዩ ነይሩ። ብ1914፡ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ ኣምላኽ፡ ከምቲ ተስፋ ዝገበርዎ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኸይመጸ ምስ ተረፈ ጐሃዩ። ብ1916 እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምምራሕ ዓብዪ እጃም ዝነበሮ ቻርለስ ቴዝ ራስል ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣብቲ ጓሂኦም ጓሂ ተወሰኾም። ንሓውና ራስል እምብዛ ዚፈትውዎ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ነቲ ንራስል ዝተክአ ጆሴፍ ፍራንክሊን ራዘርፎርድ ዚገብሮ ጻዕርታት ተጻረርዎ። ብ1917 ምክፍፋል ተፈጥረ፣ እዚ ድማ ነታ ውድብ ዳርጋ ገሚዕዋ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ብ1918 ኣቕሽሽቲ ብዝቘስቈስዎ ተቓውሞ ሓውና ራዘርፎርድን ሸውዓተ ብጾቱን ኣብ ቤት ፍርዲ ቐረቡ፡ ብዘይግቡእ ተፈርዶም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ተዳጐኑ። ኣብ ብሩክሊን ዝነበረ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ድማ ተዓጽወ። እምበኣር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ኸም ዘይነበሩ ንጹር እዩ።

ግናኸ፡ ብ1919 እንታይ ኰነ፧ ኵሉ ነገር ብፍጥነት ተቐያየረ። ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት እቲኣ፡ ራዘርፎርድን ብጾቱን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጹ። ብኡብኡ እውን ናብ ዕዮኦም ተመልሱ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ታሪኻዊ ኣኼባ ኺግበር መደብ ወጸ፡ ዘ ጎልደን ኤጅ (ሕጂ ንቕሑ!) እትብሃል ሓዳስ መጽሔት እውን ክትዳሎ ጀመረት። እታ ሓዳስ መጽሔት ከኣ፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንዚግበር ወፈራታት ተባሂላ እያ እትዳሎ ነይራ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ገጉባኤ ነቲ ኣገልግሎት ዚውድብን ዜደንፍዕን ሓላዊ ተሸመ። በታ ዓመት እቲኣ ድማ፡ ንዕዮ ስብከት ኣብ ምውዳብ ምእንቲ ኽትሕግዝ ተባሂሉ ቡለቲን (ሕጂ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ) እትብሃል ጽሕፍቲ ኽትሕተም ጀመረት።

እሞ ደኣ እንታይ ስለ ዝዀነ እዩ እዚ ዅሉ ለውጥታት ዝመጸ፧ ብንጹር እምበኣር፡ ክርስቶስ ንህዝቡ ኻብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ኣውጺእዎም ነይሩ እዩ። እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እውን ሸይሙ ነይሩ እዩ። ዕዮ ቐውዒ ድማ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ካብታ ኣገዳሲት ዓመተ 1919 ኣትሒዙ፡ እቲ ዕዮ ብዜደንቕ ደረጃ ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ።