ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 13ሀ

በበይነን ኣብያተ መቕደስ፡ በበይኑ ትምህርቲ

በበይነን ኣብያተ መቕደስ፡ በበይኑ ትምህርቲ

እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ፦

  • ህዝቅኤል ነቶም ኣብ ባቢሎን ምሩኻት ዝነበሩ ኣይሁድ ገሊጹሎም

  • ብዙሕ መስዋእቲ ዚቐርበሉ መሰውኢ ነይርዋ

  • የሆዋ ንኣምልኾ ዝሰርዖ ቅኑዕ መለክዒታት ተጕልሕ

  • ኣብቲ ብ1919 እተጀመረ መንፈሳዊ ምምላስ ከነተኵር ትሕግዘና

እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ፦

  • ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ገሊጹሎም

  • “ሓንሳእ ንሓዋሩ” መስዋእቲ ዝቐረበሉ መሰውኢ ኣለዋ (እብ. 10:10)

  • እቲ ማሕደርን እታ ቤተ መቕደስን ካብ ቀደም ንዜመልክቶ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ነገር ትገልጽ፣ እዚ ድማ እቲ የሆዋ ብመስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ኣቢሉ ንንጹህ ኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ እዩ

  • ንኣቓልቦና ናብቲ ክርስቶስ ካብ 29 ክሳዕ 33 ድ.ክ.፡ ከም ዓብዪ ሊቀ ኻህናት መጠን ዝዓየዮ ዕዮ ኸም ዜተኵር ትገብር