ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 15ሀ

ኣመናዝር ኣሓት

ኣመናዝር ኣሓት

ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 23፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብሰንኪ ጥልመቶም ከም እተዀነኑ ዚገልጽ ሓያል ቃላት ኣሎ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ምስ ምዕራፍ 16 ትመሳሰል እያ። ምዕራፍ 23 ከም ምዕራፍ 16 ንምሳልያዊ ምንዝርና ትጥቀመሉ እያ። ኣብኣ ኸኣ የሩሳሌም ንእሽቶ ሓብታ ንሰማርያ ኸም ዝዀነት ተገሊጻ ኣላ። ኣብ ክልቲአን ምዕራፋት፡ እታ ንእሽቶ ነታ ዓባይ ሓብታ ስዒባ ኣመንዝራ ኸም እትኸውን፡ ካብኣ ዚገድድ እከይን ምንዝርናን ከኣ ከም እትገብር ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ምዕራፍ 23፡ የሆዋ ነተን ክልተ ኣሓት ስማት ኣውጺኡለን ኣሎ፦ እታ ዓባይ፡ ኦሆላ እትብሃል ኰይና፡ ነታ ርእሲ ኸተማ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ዝዀነት ሰማርያ ትውክል፣ እታ ንእሽቶ ኸኣ፡ ኦሆሊባ እትብሃል ኰይና፡ ነታ ርእሲ ኸተማ ይሁዳ ዝዀነት የሩሳሌም ትውክል። *ህዝ. 23:1-4

ነተን ክልተ ምዕራፋት ዜመሳስለን ተወሳኺ ነገራት እውን ኣሎ። ገለ ኻብቲ ኣገዳሲ ምስስል እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦ እተን ኣመናዝር ኣብ ፈለማ ኣንስቲ የሆዋ እኳ እንተ ነበራ፡ ደሓር ግና ጠሊመናኦ እየን። ግናኸ፡ ተስፋ ዝሓዘ መልእኽቲ እውን ተዋህቡ ኣሎ። ኣብ ምዕራፍ 23፡ እቲ ንድሕነት ዜተስፉ ተስፋ ብንጹር ኣይኰነን ተገሊጹ ዘሎ፣ እቲ የሆዋ፡ “ጽያፍክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ግና፡ ምስቲ ኣብ ምዕራፍ 16 ዘሎ ሓሳባት ይመሳሰል እዩ።—ህዝ. 16:16, 20, 21, 37, 38, 41, 42፣ 23:4, 11, 22, 23, 27, 37

ጽላሎት ህዝበ ክርስትያን ድየን፧

ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ እተን ኦሆላን ኦሆሊባን ዚብሃላ ኽልተ ኣሓት፡ ነታ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ተባሂላ እተኸፍለት ህዝበ ክርስትያን ዜመልክታ ትንቢታዊ ጽላሎት ከም ዝዀና ኣብ ጽሑፋትና ተገሊጹ ነይሩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ብጸሎት ምስ ተሓስበሉን ምርምር ምስ ተገብረሉን ግና ዜመራምር ሕቶታት ኣበጊሱ እዩ። ህዝበ ክርስትያን ብዝዀነ ይኹን መገዲ ሰበይቲ የሆዋ ዀይና ትፈልጥ ድያ፧ ምስኡኸ ኺዳን ተኣታትያ ትፈልጥ ድያ፧ ኣይትፈልጥን እያ። እቲ የሱስ ዝመንጐኛኡ “ሓድሽ ኪዳን” ምስቶም መንፈሳውያን እስራኤል ኣብ እተኣትወሉ እዋን፡ ህዝበ ክርስትያን ገና ኣይተፈጥረትን ነይራ፣ ብዘይካዚ፡ ህዝበ ክርስትያን ክፍሊ እቲ ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ መንፈሳዊ ህዝቢ ዀይና ኣይትፈልጥን እያ። (ኤር. 31:31፣ ሉቃ. 22:20) ህዝበ ክርስትያን ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ነዊሕ ጸኒሓ እያ ቘይማ። ህልውናኣ ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. እዩ ጀሚሩ፣ ንሳ ኸኣ በቲ የሱስ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ኣብ እተነበዮ ትንቢት እተጠቕሰ “ኽርዳድ፡” ማለት በቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት ዝቘመት ከሓዲትን ብልሽውትን ውድብ እያ።—ማቴ. 13:24-30

ካልእ ከነተኵረሉ ዚግባእ ኣገዳሲ ፍልልይ እውን ኣሎ፦ የሆዋ ነተን ጠላማት የሩሳሌምን ሰማርያን ናብ ቀደመን ዚምለሳሉ ተስፋ ሂቡ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 16:41, 42, 53-55) ብዛዕባ ህዝበ ክርስትያን ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሳሳሊ ተስፋ ኣሎዶ፧ የሎን! ከምቲ ዝተረፈ ኽፋል ዓባይ ባቢሎን ተስፋ ዘይብሉ፡ ንሳ እውን ተስፋ የብላን።

ስለዚ፡ ኦሆላን ኦሆሊባን ትንቢታዊ ጽላሎት ህዝበ ክርስትያን ኣይኰናን። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክንርዳእ ይሕግዛና እየን፦ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ንዕኡ ዚውክሉ መሲሎም እናቐረቡ ንቕዱስ ስሙን ንመለክዒታት ንጹህ ኣምልኾን ዜጸልሙ ኸመይ ከም ዚስምዖ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ምናዳ ህዝበ ክርስትያን ኣብዚ መዳይ እዚ ብገበን ተሓታቲት እያ፣ ከመይሲ፡ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ከም ዚውክላ እየን ዚዛረባ። ብዘይካዚ ድማ፡ መራሒአን እቲ ፍቑር ወዲ የሆዋ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝዀነ እየን ዚገልጻ። ግናኸ፡ ንየሱስ ከም ክፍሊ ስላሴ ገይረን ብምግላጽ፡ ነቲ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ዚብል ትእዛዙ ኸኣ ብዘይምሕላው፡ ከምቲ ዚብላኦ ዘይምዃነን የርአያ እየን። (ዮሃ. 15:19) ህዝበ ክርስትያን ኣብ ኣምልኾ ጣኦትን ኣብ ፖለቲካዊ ተንኰላትን ኢዳ ብምእታዋ፡ ክፍሊ እታ “ዓባይ ኣመንዝራ” ምዃና ኣርእያ እያ። (ራእ. 17:1) እምበኣር፡ ብዘይ ጥርጥር ካብቲ ነታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚጽበያ ዘሎ መዓት ክትካፈል እያ።

^ ሕ.ጽ. 3 ስማተን ትርጉም ኣለዎ። ኦሆላ፡ “[ናይ ኣምልኾ] ድንኳና” ዚብል ትርጉም ኣለዎ፣ እዚ ድማ እስራኤል በታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣብ ክንዲ እትጥቀም፡ ናታ ማእከላት ኣምልኾ ኸም ዘቘመት ዚእምት ኪኸውን ኣለዎ። ኦሆሊባ ኸኣ፡ “[ናይ ኣምልኾ] ድንኳነይ ኣብኣ እዩ” ዚብል ትርጉም ኣለዎ። ከመይሲ፡ ቤት ኣምልኾ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም እዩ ዚርከብ ነይሩ።