ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 16ሀ

ህዝበ ክርስትያን ብየሩሳሌም ተመሲላ ድያ፧

ህዝበ ክርስትያን ብየሩሳሌም ተመሲላ ድያ፧

ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ዝወጸ ጽሑፋትና፡ ህዝበ ክርስትያን በታ ኸሓዲት የሩሳሌም ተመሲላ ኸም ዝነበረት ገሊጹ ነይሩ። እቲ ኣብታ ዘይእምንቲ የሩሳሌም ዝነበረ ዅነታት፡ እንተላይ እቲ ኣምልኾ ጣኦትን ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ብልሽውናን፡ ነቲ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዚኸውን ዘሎ ነገራት የዘኻኽረና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝወጸ ጽሑፋትና፡ እንተላይ ኣብዚ እተንብቦ ዘለኻ መጽሓፍ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ናይቲ ሓደ ጽላሎት ምዃኑ ብንጹር እተሓበረሉ መዳያት፡ ጽላሎት ወይ ተምሳል ዚብል ኣቀራርባ ሓዲግናዮ ኣለና። ህዝበ ክርስትያን ብየሩሳሌም ከም እተመሰለት ወይ የሩሳሌም ንህዝበ ክርስትያን ጽላሎት ከም ዝዀነታ ዚሕብር ድልዱል ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣሎዶ፧ የልቦን።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ የሩሳሌም ኣብ ሓደ እዋን ማእከል ንጹህ ኣምልኾ እያ ነይራ፣ ደሓር፡ ነበርታ ኸሓድቲ ዀይኖም እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ ህዝበ ክርስትያን ብንጹህ ኣምልኾ ተመላሊሳ ጠሪሳ ኣይትፈልጥን እያ። ካብቲ እተሰረተትሉ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዛ፡ ወትሩ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነት እያ ኽትምህር ጸኒሓ።

ብተወሳኺ ኸኣ፡ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ምስ ኣጥፍእዋ፡ የሆዋ ነታ ኸተማ ኸም ብሓድሽ ሞገሱ ሂብዋ እዩ፣ መሊሳ ድማ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዀይና እያ። ህዝበ ክርስትያን ግና ሞገስ ኣምላኽ ረኺባ ኣይትፈልጥን እያ፣ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጠፍአት ከኣ፡ ደጊም ኣይክትትንስእን እያ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንታይ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል፧ ኣብታ ዘይእምንቲ የሩሳሌም እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምር ከለና፡ ‘እዚ ነቲ ሎሚ ኣብ ህዝበ ክርስትያን እንርእዮ ዘለና የዘኻኽረና’ ንብል ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ህዝበ ክርስትያን ብየሩሳሌም ከም እተመሰለት፡ ወይ የሩሳሌም ንህዝበ ክርስትያን ጽላሎት ከም ዝዀነታ ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የብልናን።