ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 19ሀ

ካብ የሆዋ ዚውሕዝ ወሓይዝ በረኸት

ካብ የሆዋ ዚውሕዝ ወሓይዝ በረኸት

ካብ የሆዋ ንዚውሕዝ በረኸት ንምምልካት፡ ንወሓይዝ ወይ ንማያት ከም ምሳሌ ገይሩ ዚጥቀም እተፈላለየ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ነዚ ብሓባር ከነንብቦ ኸለና ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና ዚባርኸሉ መገዲ ዜተባብዕ ነገር ንርከብ ኢና። ብኸመይ፧

ዮኤል 3:18 እዚ ትንቢት እዚ፡ ካብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚርከብ መቕደስ፡ ዓይኒ ማይ ከም ዚውሕዝ ይሕብር። እቲ ማይ ድማ ንደረቕ “ስንጭሮ ኣእዋም ሰራው” ብመስኖ የስትዮ። ስለዚ፡ ዮኤልን ህዝቅኤልን፡ መኻን ኰይኑ ንዝነበረ ቦታ ህያው ብዛዕባ ዚገብር ውሒዝ እዮም ርእዮም። ኣብ ክልቲኡ ኸኣ፡ እቲ ውሒዝ ካብ ቤት የሆዋ ወይ ካብ ቤተ መቕደስ እዩ ዚወጽእ።

ዘካርያስ 14:8 ነብዪ ዘካርያስ፡ “ህያው ማያት” ካብ ከተማ የሩሳሌም ኪውሕዝ ርእዩ እዩ። ፍርቂ እቲ ማያት ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ማለት ናብ ምዉት ባሕሪ፡ ፍርቁ ድማ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ማለት ናብ ባሕሪ መዲተራነያን እዩ ዚውሕዝ። የሩሳሌም “ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እያ” ነይራ። (ማቴ. 5:35) ዘካርያስ ነታ ኸተማ እቲኣ ምጥቃሱ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ዚገዝኣሉ መጻኢ እዋን እዩ ዜዘኻኽረና። እቲ ኣብዚ ትንቢት እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ማያት፡ የሆዋ ኣብ ገነት ንኽልተ ጕጅለ እሙናት ሰባት፡ ማለት ነቶም ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚሰግሩን ነቶም ድሕሪኡ ዚትንስኡን ሰባት ከም ዚባርኽ ዜመልክት እዩ።

ራእይ 22:1, 2 ሃዋርያ ዮሃንስ ምስቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ዚመሳሰል ምሳልያዊ ፈለግ ርእዩ እዩ። እቲ ፈለግ ካብ ቤተ መቕደስ ዘይኰነስ፡ ካብ ዝፋን የሆዋ እዩ ዚውሕዝ። ስለዚ፡ እዚ ራእይ እዚ፡ ከምቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ነቲ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ዜምጽኦ በረኸት ዜጕልሕ እዩ ዚመስል።

ኣብ መንጎ እቲ ኻብ ኣገዛዝኣ የሆዋ ዚመጽእ በረኸትን ኣብ መንጎ እቲ ህዝቅኤል ኣብ ዝረኣዮ ራእይ ብውሒዝ እተመሰለ በረኸትን ቍሩብ ፍልልይ ጥራይ እዩ ዘሎ። ኵሉ እቲ በረኸት፡ ካብ የሆዋ ዚመጽእ ኰይኑ፡ ናብ እሙናት ህዝቡ እዩ ዚውሕዝ።

መዝሙር 46:4 እዛ ፍቕዲ እዚኣ ንኽልቲኡ መዳያት፡ ማለት ንኣምልኾን ንኣገዛዝኣን ዘጠቓለለት ትመስል። ኣብኣ ኸኣ እቲ ፈለግ ነታ ንመንግስቲ ኣምላኽን ንኣገዛዝኣኣን እተመልክት “ከተማ ኣምላኽ” ከም ዜሐጕስ፡ ነታ ንንጹህ ኣምልኾ እተመልክት “ቅድስቲ ዓባይ ማሕደር እቲ ልዑል” እውን ከም ዜሐጕስ ተጠቒሱ ኣሎ።

እዚ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ የሆዋ ንእሙናት ደቂ ሰብ ብኽልተ መገዲ ኸም ዚባርኾም የረጋግጸልና። ቀዳማይ፡ ካብ ኣገዛዝኣኡ፡ ካልኣይ፡ ካብቲ ዝገበረልና መሰናድዎ ንጹህ ኣምልኾ ንዘለኣለም ክንጥቀም ኢና። እምበኣር፡ ካብ የሆዋ ኣምላኽን ካብ ወዱን “ህያው ማይ” ወይ “ማይ ህይወት” ንምርካብ ጻዕሪ ንግበር፣ እወ፡ ካብቲ ብፍቕሪ ተደሪኾም ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዝገበርዎ መሰናድዎ ንጠቐም።—ኤር. 2:13፣ ዮሃ. 4:10