ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳጹን ትምህርቲ 21ሀ

“እታ እትፈልይዋ መባእ”

“እታ እትፈልይዋ መባእ”

ህዝቅኤል 48:8

ህዝቅኤል ነታ የሆዋ ዝፈለያ ኽፋል ምድሪ ብዝርዝር ኪምርምራ ኸሎ፡ ንሕና እውን ንስዓቦ። ኣብኣ ኸኣ ሓሙሽተ ቦታታት ተጠቒሰን ኣለዋ። እዚኣተንከ እንታይ እየን፧ ንምንታይ ዕላማኸ የገልግላ፧

ሀ. እታ “መባእ”

ንመንግስታዊ ኣገልግሎት እትውዕል ኰይና፡ ምምሕዳራዊ መሬት ክትብሃል ትከኣል እያ።

ህዝ. 48:8

ለ. “ብዘላ እታ መባእ”

ንኻህናትን ንሌዋውያንን ነታ ኸተማን እተፈልየት እያ። ካብ ኵሎም 12 ነገዳት ዝዀኑ ውልቀ ሰባት እውን ንየሆዋ ንምምላኽን ንምምሕዳራዊ መሰናድዎ ንምድጋፍን ናብዛ ኽፋል እዚኣ ይኣትዉ እዮም።

ህዝ. 48:20

ሐ. “ሃገር እቲ ሹም”

“እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ እስራኤል ርስቱ ኽትከውን እያ።” ‘ነቲ ሹም ድማ ክትከውን እያ።’

ህዝ. 45:7, 8፣ 48:21, 22

መ. “ቅድስቲ መባእ”

እዚ ቦታ እዚ “ቕድስቲ ግደ” ተባሂሉ እውን ተገሊጹ ኣሎ። እታ ላዕለወይቲ ኽፋል “ነቶም . . . ሌዋውያን” እያ። “እተቐደሰት” እውን እያ። እታ ማእከለይቲ ኽፋል “ንኻህናት ቅድስቲ መባእ” እያ። “ንኣባይቶም ቦታ፡ ነታ መቕደስ እውን ቅድስቲ ቦታ” እያ።

ህዝ. 45:1-5፣ 48:9-14

ረ. እታ “ዝተረፈት ቦታ”

ንሳ “ናይ ኵሎም ቤት እስራኤል ክትከውን እያ።” ብዘይካዚ፡ “ንሓባራዊ ጥቕሚ እታ ኸተማ፡ ንኣባይትን ንመጓሰይን ክትከውን እያ።”

ህዝ. 45:6፣ 48:15-19