ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ

ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ

ፍሉይ ኣኼባ

ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ፦ ካብ 23 ክሳዕ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ዚደልዩ ፈለምቲ፡ ኣብቲ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ምስቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ዚደልዩ ኣመልከትቲ ዚግበር ኣኼባ ኺእከቡ ዕድመ ቐሪቡሎም ኣሎ። እዚ ኣኼባ እዚ ዚግበረሉ ቦታን ሰዓትን ኣቐዲሙ ኺንገር እዩ።

ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ

ኣአንገድቲ፦ እቶም ኣአንገድቲ ኺሕግዙኻ እዮም ተመዲቦም። ከም ማካይን ደው ምባልን ጻዕቒ ሰብ ምቍጽጻርን ኮፍ መበሊ ምሕዛእን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ብዚምልከት ንዚህቡኻ መምርሒ በጃኻ ኻብ ልቢ ተሓባበሮም።

ጥምቀት፦ ንናይ ጥምቀት ሕጹያት እተሓዝአ ቦታ ፊት ንፊት እቲ መድረኽ ኣብ ዚርከብ ቅድሚት ዘሎ መናብር እዩ። ናይ ጥምቀት ሕጹያት፡ ቀዳም ንግሆ ናይ ጥምቀት መደረ ቕድሚ ምጅማሩ ኣብቲ እተሓዝኣሎም ክፋል ኮፍ ኪብሉ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሽጎማኖን ሕንኪ ዘለዎ ንጥምቀት ዚኸውን ክዳንን ሒዙ ኺመጽእ ኣለዎ።

ውጽኢታት፦ እቲ ኣኼባ ባህ ዜብልን ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ዚሕግዘናን ምእንቲ ኪኸውን እኹል ኮፍ መበልን ናይ ድምጺ መሳርሕን ናይ ቪድዮ መሳርሕን ካልእ ሓያሎ ኣገልግሎታትን ንምድላው ዚኣክል ወጻኢታት ተገይሩ እዩ። እቲ ብፍታው እትገብርዎ ውጽኢታት ነዚ ወጻኢታት እዚ ንምሽፋንን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድንፋዕን ዚሕግዝ እዩ። እዚ ውጽኢት እዚ ንምሃብ ምእንቲ ኺጥዕመኩም ብንጹር ምልክት እተገብረሉ ሳጹን ውጽኢት ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ተዳልዩ ኣሎ። ኵሉ እቲ እትገብርዎ ውጽኢት ኣዝዩ ዚነኣድ እዩ። ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ነቲ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ኢልኩም እትገብርዎ ልግሲ ኺንእደኩም ይፈቱ።

ቀዳማይ ረድኤት፦ እዚ ንሃንደበታዊ ዅነታት ጥራይ እተዳለወ ምዃኑ ፍለጡ።

ጠፊኡ እተረኽበ፦ ኵሉ እተረኽበ ኣቕሑ ናብ ክፍሊ ጠፊኡ እተረኽበ ኺውሰድ ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ነገር እንተ ደኣ ጠፊኡካ፡ ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ኼድካ ድለዮ። ካብ ወለዶም ተፈልዮም ዝጠፍኡ ቘልዑ እውን፡ ናብዚ ኽፍሊ እዚ ኺውሰዱ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣብኡ ዜገልግሉ ዘየድሊ ውጥረት ኣይትፍጠሩሎም፡ በጃኻትኩም ንደቅኹም ተኸታተልዎም፡ ካባኻትኩም ድማ ኣይትፍለይዎም።

ኮፍ መበሊ፦ በጃኻ ንኻልኦት ሰባት ሕሰበሎም። ኮፍ መበሊ ንኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ብማኪና ምሳኻ ንዚመጹ፡ ምሳኻ ኣብ ሓደ ቤት ንዚነብሩ፡ ወይ ምሳኻ መጽሓፍ ቅዱስ ንዜጽንዑ ሰባት ጥራይ ኢኻ ኽትሓዝኣሎም እትኽእል። በጃኻ፡ ኣብ ዘይሓዛእካዮ ኾፍ መበሊታት ኣቕሑ ኣይተቐምጥ።

ብወለንታ ዚግበር ኣገልግሎት፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ብወለንታ ኸተገልግል እንተ ደኣ ደሊኻ፡ በጃኻ ናብ ክፍሊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ወለንታን ኣመልክት እሞ ኣብቲ ሓገዝ ዜድልየሉ ቦታ ኽትምደብ ኢኻ።

ብኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ