ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 3

ኣጠቓቕማ ሕቶታት

ኣጠቓቕማ ሕቶታት

ማቴዎስ 16:13-16

ጽማቝ ሓሳባት፦ ተገዳስነት ንምልዕዓልን ተገዳስነት ሒዝካ ንምጽናሕን ሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ንምግባርን ኣገዳሲ ነጥብታት ንምጕላሕን ብሜላ ሕቶታት ሕተት።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ተገዳስነት ኣለዓዕልን ተገዳስነት ሒዝካ ጽናሕን። ንሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ዚገብሮም ወይ ንምፍላጥ ህንጥዮት ዜሕድረሎም ብልቦም ምላሽ ዚህቡሉ ሕቶታት ሕተቶም።

  • ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ከም ዚሓስቡ ግበሮም። ሰማዕትኻ ናብ ርትዓዊ መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ነቲ እተቕርቦ መጐተ ኺከታተሉ ዚሕግዞም ተኸታታሊ ሕቶታት ሕተቶም።

  • ኣገዳሲ ነጥብታት ኣጕልሕ። ቀንዲ ሓሳባት ምእንቲ ኸተላሊ፡ መሳጢ ሕቶ ሕተት። ኣገዳሲ ነጥቢ ድሕሪ ምግላጽካ ወይ እተቕርቦ መልእኽቲ ኽትድምድም ከለኻ፡ ሕቶታት ክለሳ ሕተት።