ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 12

ለውሃትን ድንጋጽን

ለውሃትን ድንጋጽን

1 ተሰሎንቄ 2:7, 8

ጽማቝ ሓሳባት፦ ናይ ሓቂ ስምዒት ብዜንጸባርቕን ንሰማዕትኻ ኸም እትሓልየሎም ብዜርእን መገዲ ተዛረብ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ብዛዕባ ሰማዕትኻ ሕሰብ። ብዛዕባ እቲ ጸገማቶም ብምሕሳብ፡ ንልብኻ ኣዳልዎ። ከመይ ከም ዚስምዖም ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእል ፈትን።

  • ቃላትካ ተጠንቂቕካ ምረጽ። ንሰማዕትኻ መንፈሶም ከተሐድሰሎምን ከተጸናንዖምን ከተበርትዖምን ፈትን። ኬጕህዮም ዚኽእል ቃላት ብዘየድሊ ኣይትጠቐም፣ ንዘይኣመንቲ ወይ ነቲ ንሳቶም ዚኣምኑሉ ነገራት ብዜቈናጽብ መገዲ ኣይትዛረብ።

  • ተገዳስነትካ ኣርኢ። ብጥዑም ቃና ድምጽን ብግቡእ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ጌርካ፡ ንሰማዕትኻ ኸም እትሓልየሎም ኣርእዮም። ኣብ ገጽካ ንዚንበብ መግለጺ ኣስተብህለሉ፣ ብዙሕ ሳዕ ፍሽኽ በል።