ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 15

እምነትካ ዜርኢ ኣዘራርባ

እምነትካ ዜርኢ ኣዘራርባ

1 ተሰሎንቄ 1:5

ጽማቝ ሓሳባት፦ ንሓቂ ብጽኑዕ ከም እትኣምነሉን ኣገዳስነት እቲ እትብሎ ዘለኻን ኣርኢ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ኣጸቢቕካ ተዳሎ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት እንታይ ምዃኑን መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ ብኸመይ ከም ዚድግፎን ክሳዕ ዚርድኣካ ኣጽንዕ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታትካ፡ ብሒደት ቀለልቲ ቓላት ጌርካ ገለጾ። ኣብቲ ንሰማዕትኻ ዘለዎ ጥቕሚ ኣተኵር። መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ጸሊ።

  • እምነትካ ዜርኢ ቓላት ተጠቐም። ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓላት ከም ዘለዎ ኣብ ክንዲ እትደግሞ፡ ብናትካ ቓላት ተዛረብ። ብዛዕባ እቲ እትብሎ ዘለኻ ርግጸኛ ኸም ዝዀንካ ዜርኢ ኣዘራርባ ሕረ።

  • ሓሳባትካ ኻብ ልቢ ብዕቱብ ግለጽ። ብእኹል መጠን ድምጺ ተዛረብ። ዓይኒ ዓይኒ ምጥማት ቅር ዜብል እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሰማዕትኻ ጠምቶም።