ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 17

ንኻልኦት ዚርድኦም

ንኻልኦት ዚርድኦም

1 ቈረንቶስ 14:9

ጽማቝ ሓሳባት፦ ንሰማዕትኻ ትርጉም መልእኽትኻ ኣረድኣዮም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ንመልእኽትኻ ኣጸቢቕካ ኣጽንዓዮ። ነቲ ጕዳይ ብቐሊልን ብናትካ ቓላትን ምእንቲ ኽትገልጾ፡ ብንጹር ተረድኣዮ።

  • ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባትን ቀለልቲ ሓረጋትን ተጠቐም። ነዋሕቲ ምሉእ ሓሳባት ቅቡል እኳ እንተ ዀነ፡ ቀንዲ ነጥብታት ግና ብሓጸርቲ ሓረጋትን ብሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባትን ጌርካ ግለጽ።

  • ዘይፍሉጥ ቃላት ግለጽ። እንተ ተኻኢሉ፡ ሰማዕትኻ ዘይፈልጥዎ ቓላት ኣይትጠቐም። ዘይፍሉጥ ቃላት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት፡ ወይ ጥንታዊ መለክዒታትን ባህልን ክትጥቀም እንተ ኣልዩካ፡ ግለጾ።