ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 04

ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣምላኽ መን እዩ፧

ደቂ ሰብ ካብ ዚፍጠሩ ኣትሒዞም ንብዙሓት ኣማልኽቲ ኣምሊኾም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንሓደ ኣምላኽ፡ “ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዚዓቢ” ኸም ዝዀነ ገይሩ ይገልጾ። (2 ዜና መዋእል 2:5) ንሱ መን እዩ፧ ካብ ኵሎም እቶም ሰባት ዜምልኽዎም ኣማልኽቲ ዝዓበየ ዚገብሮኸ እንታይ እዩ፧ ኣብዚ ትምህርቲ፡ እዚ ኣምላኽ እዚ ብዛዕባኡ እንታይ ክትፈልጥ ከም ዚደልየካ ተምሃር።

1. ስም ኣምላኽ መን እዩ፧ ስሙ ኽንፈልጦ ኸም ዚደልየናኸ ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ንኸውን፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ገሊጹልና ኣሎ። “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ” ኢሉና ኣሎ። (ኢሳይያስ 42:5, 8 ኣንብብ።) “የሆዋ” ኻብ እብራይስጢ እተተርጐመ ስም ኰይኑ፡ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ ይእመነሉ። የሆዋ ስሙ ኽንፈልጦ ይደሊ እዩ። (ዘጸኣት 3:15) እዚ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንስሙ ልዕሊ 7,000 ሳዕ ጠቒስዎ ኣሎ! a የሆዋ ዚብል ስም ናይቲ “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያትን ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድርን” ልዑል ዝዀነ “ናይ ሓቂ ኣምላኽ” እዩ።—ዘዳግም 4:39

2. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይገልጽ፧

ሰባት ካብ ዜምልኽዎም ኵሎም ኣማልኽቲ፡ የሆዋ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ስለምንታይ እዩ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚብሃል፧ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። የሆዋ ዝለዓለ ስልጣን ኣለዎ፣ ንሱ በይኑ ኸኣ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል” ተባሂሉ ኣሎ። (መዝሙር 83:18 ኣንብብ።) “ኵሉ ዚኽእል” ድማ ተባሂሉ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ዝደለዮ ንምግባር ሓይሊ ኸም ዘለዎ የመልክት። “ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ” እውን ተባሂሉሉ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንዩኒቨርስን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወትን ከም ዝፈጠረ የመልክት። (ራእይ 4:8, 11) የሆዋ በይኑ ኻብ ዘለኣለም ዝነበረን ንዘለኣለም ዚነብርን እዩ።—መዝሙር 90:2

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ኣብ መንጎ መዓርጋት ኣምላኽን እቲ ናይ በይኑ ስሙን ዘሎ ፍልልያት መርምር። ድሕሪኡ፡ ስሙ ብኸመይን ስለምንታይን ከም ዝገለጸልካ ፍለጥ።

3. ኣምላኽ ብዙሕ መዓርጋት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ሓደ ስም እዩ ዘለዎ

ኣብ መንጎ መዓርግን ብሕታዊ ስምን ዘሎ ፍልልይ ርአ፡ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብ መንጎ ኸም “ጐይታ” ዝኣመሰለ መዓርግን ኣብ መንጎ ብሕታዊ ስምን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

ሰባት ንብዙሓት ኣማልኽትን ጐይተትን ከም ዜምልኹ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢሩ ኣሎ። መዝሙር 136:1-3 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • “ኣምላኽ ኣማልኽት”ን “ጐይታ ጐይተት”ን ተባሂሉ ዘሎ መን እዩ፧

4. የሆዋ ንስሙ ኽትፈልጦን ክትጥቀመሉን ይደልየካ

የሆዋ ንስሙ ኽትፈልጦ ኸም ዚደልየካ ብኸመይ ትፈልጥ፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣምላኽ ስሙ ኺፍለጥ ዚደሊዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

የሆዋ ንሰባት ስሙ ኺጥቀሙሉ ይደልዮም። ሮሜ 10:13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ምጥቃም ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

  • ሓደ ሰብ ንስምካ ኺዝክሮን ኪጥቀመሉን ከሎ ኸመይ ይስምዓካ፧

  • የሆዋ ንስሙ ኽትጥቀመሉ ኸለኻ፡ ከመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧

5. የሆዋ ኽትቀርቦ ይደልየካ

ካብ ካምቦድያ ዝመበቈላ ሶተን ዝስማ ሰበይቲ፡ ስም ኣምላኽ ምፍላጥ፡ “ካብ ኵሉ ዝበለጸ ስምዒት” ኢላ ገሊጻቶ ኣላ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ሶተን ንስም ኣምላኽ ምፍላጣ ብኸመይ ጸልይዋ፧

ምስ ሰብ ንምትዕርራኽ መብዛሕትኡ ግዜ ብስም ትላለ ኢኻ። ያእቆብ 4:8ሀ ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሆዋ እንታይ ክትገብር እዩ ዚዕድመካ ዘሎ፧

  • ስም ኣምላኽ ምፍላጥካን ብእኡ ምጥቃምካን ብዝያዳ ኽትቀርቦ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዘሎ፡ እንታይ ኢልካ ኸም እትጽውዖ ዜገድስ ኣይኰነን።”

  • የሆዋ ስም ኣምላኽ ምዃኑስ ትኣምንዶ፧

  • ኣምላኽ ንስሙ ኽንጥቀመሉ ኸም ዚደሊ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

ጽማቝ

የሆዋ ስም እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ። ምእንቲ ኽንቀርቦ ኢሉ ኸኣ፡ ነቲ ስም እቲ ኽንፈልጦን ክንጥቀመሉን ይደልየና እዩ።

ክለሳ

  • የሆዋ ኻብቲ ሰባት ዜምልኽዎም ኵሎም ካልኦት ኣማልኽቲ ብኸመይ እዩ ዚፍለ፧

  • ስም ኣምላኽ ክንጥቀም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • የሆዋ ኽትቀርቦ ኸም ዚደልየካ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ንህልውና ኣምላኽ ዜረጋግጽ ሓሙሽተ ዜእምን ምኽንያታት መርምር።

“ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ዝነበረ ጌርካ ምሕሳብ ስለምንታይ ዜእምን ከም ዝዀነ ርአ።

“ንኣምላኽ መን ፈጢርዎ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ነሓሰ 2014)

ጥንታዊ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ብልክዕ ዘይፍለጥ ክነሱ፡ ስለምንታይ ብእኡ ኽንጥቀም ከም ዘሎና ፍለጥ።

“የሆዋ መን እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ንኣምላኽ እንታይ ኢልና ኸም እንጽውዖስ የገድስ እዩ፧ ሓደ ብሕታዊ ስም ጥራይ ኣለዎ እንብለሉ ምኽንያት ርአ።

“ኣምላኽ ክንደይ ስም ኣለዎ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

a ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ኰነ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ከም ዘይጥቀመሉ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ4 ርአ።