ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 06

ህይወት ብኸመይ ጀሚራ፧

ህይወት ብኸመይ ጀሚራ፧

“ምንጪ ህይወት ምሳኻ [ምስ ኣምላኽ] እዩ።” (መዝሙር 36:9) ነዝስ ትኣምኖ ዲኻ፧ ገሊኦም ሰባት ህይወት ብወዝብን ብዘይ ዕላማን ዝመጸት ይመስሎም። እዚ ልክዕ እንተ ዀይኑ፡ ብሃንደበት ኢና ኣብዚ ዘለና ማለት እዩ። የሆዋ ኣምላኽ እንተ ፈጢሩና ግና፡ ህይወት ዕላማ ኺህልዋ ኣለዎ። a እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዚትርኾ ዛንታን እዚ ዜእምን ዝዀነሉ ምኽንያትን እስከ ንርአ።

1. ዩኒቨርስ ብኸመይ ጀሚሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ” ይብል። (ዘፍጥረት 1:1) መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ዩኒቨርስ መጀመርታ ኸም ዘለዎ ይኣምኑ እዮም። ኣምላኽ ንዩኒቨርስ ብኸመይ ፈጢርዎ፧ ንዅሉ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዚርከብ ነገራት፡ ማለት ንጋላክሲታትን ንኸዋኽብትን ንፕላነታትን ንምፍጣር፡ በቲ ንጡፍ ሓይሉ ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ እዩ ተጠቒሙ።—ዘፍጥረት 1:2

2. ኣምላኽ ንምድሪ ስለምንታይ ፈጢርዋ፧

የሆዋ ንምድሪ “ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ [ኣይፈጠራን]።” (ኢሳይያስ 45:18) ንፕላነትና ንሓዋሩ ምሽእቲ መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን እዩ ፈጢርዋ። (ኢሳይያስ 40:28፣ 42:5 ኣንብብ።) ምድርና ብርቂ ምዃና ስነ ፍልጠት ይሕብር እዩ። ክሳዕ ሕጂ ኸም እንፈልጦ፡ ንሰብኣዊ ህይወት መንበሪ ኽትከውን እትኽእል ፕላነት ንሳ ጥራይ እያ።

3. ንሰባት ካብ እንስሳታት ዚፈልዮም እንታይ እዩ፧

የሆዋ ንምድሪ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ኣብኣ ዚነብሩ ህይወት ዘለዎም ፍጥረታት እውን ፈጢሩ እዩ። ፈለማ፡ ንምድሪ ብኣትክልትን ብእንስሳታትን መሊእዋ። ድሕሪኡ፡ “ኣምላኽ . . . ብመልክዑ ሰብ [ፈጢሩ]።” (ዘፍጥረት 1:27 ኣንብብ።) ንሰባት ፍሉያት ዚገብሮም እንታይ እዩ፧ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ ከም ፍቕርን ፍትሕን ዝኣመሰለ ባህርያቱ ኸነንጸባርቕ ንኽእል ኢና። ቋንቋታት ከም እንምሃር፡ ስነ ጥበብ ከም እነድንቕ፡ ሙዚቃ ኸም እነስተማቕር ኴንና እውን ኢና ተፈጢርና። ዘይከም እንስሳታት ከኣ፡ ንፈጣሪና ኸነምልኽ ንኽእል ኢና።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ህይወት ከም እተነድፈትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍጥረት ዚሕብር ዛንታ ዚእመን ከም ዝዀነን ዚገልጽ መርትዖ ርአ። ባህርያት ሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚምህረና ፍለጥ።

4. ህይወት ተነዲፋ እያ

ደቂ ሰብ ነቲ ኻብ ተፈጥሮ ዝቐድሕዎ ንድፍታት ይምስገኑሉ እዮም። ነቲ ናይ ፈለማ ንድፍታት ደኣኸ መን እዩ ኺምስገነሉ ዚግባእ፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ነደፍቲ ኻብ ተፈጥሮ እንታይ እዮም ቀዲሖም፧

ቤት ዘበለት ነዳፍን ሃናጽን ኣለዋ። ኣብ ተፈጥሮ ዚርከብ ነገራት ደኣኸ መን እዩ ነዲፍዎን ሃኒጽዎን፧ እብራውያን 3:4 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብ ተፈጥሮ ዚርከብ እንታይ ንድፊ እዩ ዚምስጠካ፧

  • ዩኒቨርስን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ከም እተነድፈ ምእማንሲ ይውሓጠልካ ድዩ፧ ስለምንታይ፧

ትፈልጥዶ፧

ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ፡ ኣብ jw.org ኣብ ዚርከብ “ተነዲፉ ድዩ፧” ከምኡ ድማ “ርእይቶታት ብዛዕባ መበቈል ህይወት” ዘርእስቱ ዓምድታት፡ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

“ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ”

5. እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ፍጥረት ዜእምን እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1፡ ብዛዕባ መበቈል ምድርን ህይወትን ይገልጽ እዩ። ነቲ ዛንታ እትስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ ወይስ ጽውጽዋይ እዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ህይወትን ዐዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ኣብ ዝንውሓተን ሽዱሽተ መዓልትታት ከም እተፈጥረ ይምህር ድዩ፧

  • እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ፍጥረት ርትዓውን ዜእምንንዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ዘፍጥረት 1:1 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ዩኒቨርስ መጀመርታ ኸም ዘለዎ ይኣምኑ። እዚ መደምደምታኦም ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካዮ ኸተረኣእዮ ኸለኻ ኸመይ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ብፍልቀት ገይሩ ህይወት ፈጢሩ ደዀን ይኸውን፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ዘፍጥረት 1:21, 25, 27 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስሲ ኣምላኽ ቀሊል ዓይነት ህይወት ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ድሕሪኡ ናብ ዓሳታትን መጥበውትን ሰባትን ብፍልቀት ከም እተመሓየሹ ድዩ ዚምህር፡ ወይስ ኵሉ “ዓይነት” ህይወት ከም ዝፈጠረ እዩ ዚምህር፧ b

6. ደቂ ሰብ ፍሉያት ፍጥረት ኣምላኽ እዮም

ንሕና ኸምቶም የሆዋ ዝፈጠሮም እንስሳታት ኣይኰንናን። ዘፍጥረት 1:26 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ ከነፍቅርን ክንርሕርሕን ዘሎና ኽእለት ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ እንታይ ይእምት፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታ ፍጥረት ጽውጽዋይ እዩ።”

  • እንታይ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ጽማቝ

የሆዋ ንዩኒቨርስን ንዅሉ ህይወትን ፈጢርዎ።

ክለሳ

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መበቈል ዩኒቨርስ እንታይ ይምህር፧

  • ኣምላኽ ንእተፈላለየ ዓይነት ህይወት ካብ ቀሊል ዓይነት ህይወት ብፍልቀት እናተመሓየሹ ኸም ዚመጹ ድዩ ገይሩ፡ ወይስ ንዅሎም እዩ ፈጢርዎም፧

  • ንሰባት ፍሉያት ዚገብሮም እንታይ እዩ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ብዛዕባ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ንድፊ ፍለጥ።

“ተፈጥሮ እንታይ ይምህረና፧” (ንቕሑ!፡ መስከረም 2006)

ኣቦ ንወዱ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታ ፍጥረት ብኸመይ ከም ዚገልጸሉ ርአ።

‘የሆዋ ንዅሉ ፈጢርዎ’ (2:37)

ኣሰረ ህይወት ወይ ስነ ፍልጠታዊ ምከራ፡ ካብቲ ህይወት ከም እተፈጥረት ወይ ብወዝቢ ኸም ዝመጸት ዚብል ሓሳባት ነየናዩ ኸም ዚድግፍ መርምር።

The Origin of Life​—Five Questions Worth Asking (ብሮሹር)

a ትምህርቲ 25፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኺግለጽ እዩ።

b መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ዓይነት” እትብል ቃል፡ ንዝሰፍሐ ጕጅለ እቶም ህይወት ዘለዎም ፍጡራት ንምምልካት እዩ ተጠቒሙላ።