ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 08

ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ

ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ

የሆዋ ብዝያዳ ኽትፈልጦ ይደልየካ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ ባህርያቱን መገድታቱን ዕላማኡን ብዝያዳ ብዝፈለጥካ መጠን፡ ዓርኩ ኽትከውን ዝያዳ ድሌት ከተሕድር ተስፋ ይገብር እዩ። ግናኸ፡ ብሓቂዶ ዓርኪ ኣምላኽ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፧ (መዝሙር 25:14 ኣንብብ።) ዓርኩ ንምዃን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ይህብ እዩ። ምስ የሆዋ እትምስርቶ ዕርክነት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት እውን ይገልጽ እዩ።

1. የሆዋ እንታይ ዕድመ እዩ ኣቕሪቡልካ ዘሎ፧

“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።” (ያእቆብ 4:8) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ዓርኩ ኽትከውን እዩ ዚዕድመካ ዘሎ። ገሊኦም ንኣምላኽ ኪርእይዎ ስለ ዘይክእሉ፡ ምስኡ ዕርክነት ምምስራት ኣጸጋሚ ይመስሎም እዩ። የሆዋ ግና ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵሉ እቲ ናብኡ ንምቕራብ ክንፈልጦ ዜድልየና ባህርያቱ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዝለኣኸልና መልእኽቲ ኸነንብብ ከለና፡ ዋላ እኳ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ እንተ ዀንና፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ይዓቢ እዩ።

2. የሆዋ ብሉጽ ዓርኪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ከም የሆዋ ገይሩ ዜፍቅረካ ኻልእ የልቦን። ሕጉስ ክትከውንን ሓገዝ ኬድልየካ ኸሎ ናብኡ ኽትቀርብን ይደልየካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 5:7) የሆዋ ንፈተውቱ ንምድጋፍን ንምጽንናዕን ንምስማዕን ወትሩ ድሉው እዩ።—መዝሙር 94:18, 19 ኣንብብ።

3. የሆዋ ኻብ ኣዕሩኹ እንታይ ይጽበ፧

የሆዋ ንሰባት ብሓፈሻ የፍቅሮም እዩ፣ “ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።” (ምሳሌ 3:32) ስለዚ፡ ንኣዕሩኹ ጽቡቕ ኪገብሩን ካብ ሕማቕ ኪርሕቁን ይጽበዮም እዩ። ገሊኦም ሰባት በቲ የሆዋ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ዘለዎ መለክዒታት ኪመላለሱ ኸም ዘይክእሉ ይስምዖም እዩ። የሆዋ ግና ንድኻምና ይርድኣልና እዩ። ብሓቂ ዜፍቅሮን ንዕኡ ባህ ንምባል ዚከኣሎ ዚገብርን ዘበለ ብእኡ ቕቡል እዩ።—መዝሙር 147:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ከመይ ጌርካ ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ከም እትኽእልን ንሱ ስለምንታይ ብሉጽ ዓርኪ ኸም ዝዀነን ፍለጥ።

4. ኣብርሃም ዓርኪ የሆዋ እዩ ነይሩ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ኣብርሃም (ኣብራም እውን ዚብሃል)፡ ዓርኪ የሆዋ ብዛዕባ ምዃን ክንፈልጥ ይሕግዘና። ብዛዕባ ኣብርሃም ኣብ ዘፍጥረት 12:1-4 ኣንብብ። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ንኣብርሃም እንታይ ኪገብር እዩ ኣዚዝዎ፧

  • የሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ቓል ኣትዩሉ፧

  • ኣብርሃም ነቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ መምርሒ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧

5. የሆዋ ንኣዕሩኹ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚጽበዮም

መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ኣዕሩኽና ገለ ነገር ንጽበ ኢና።

  • ንስኻ ንኣዕሩኽካ እንታይ ኪገብሩልካ ኢኻ እትጽበ፧

ቀዳማይ ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ኻብ ኣዕሩኹ እንታይ እዩ ዚጽበ፧

ንየሆዋ ምእንቲ ኽንእዘዞ፡ ኣካይዳና ወይ ባህርያትና ኽንቅይር የድልየና ይኸውን። ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ንኣዕሩኹ ለውጥታት ኪገብሩ ዚጽበዮም ስለምንታይ እዩ፧

ጥዑይ ፈታዊ ንዕቝባናን ንጥቕምናን ዚኸውን ነገር የዘኻኽረና። የሆዋ እውን ንኣዕሩኹ ኸምኡ እዩ ዚገብረሎም

6. የሆዋ ንኣዕሩኹ እንታይ ከም ዚገብረሎም

የሆዋ ንኣዕሩኹ፡ ጸገማቶም ኪጻወሩ ይሕግዞም እዩ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ነታ ኣብታ ቪድዮ እተራእየት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንኣሉታዊ ሓሳባታን ስምዒታታን ከተሰንፍ ብኸመይ ሓጊዝዋ፧

ኢሳይያስ 41:10, 13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ንዅሎም ኣዕሩኹ እንታይ ከም ዚገብረሎም እዩ ቓል ኣትዩ ዘሎ፧

  • የሆዋ ንፉዕ ዓርኪ ዚኸውንዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ናይ ቀረባ ኣዕሩኽካ ብግዜ ሽግርካ ይድግፉኻ እዮም። የሆዋ እውን ይሕግዘካ እዩ

7. ኣዕሩኽ የሆዋ ንምዃን፡ ምስኡ ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጥ ኣሎና

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ዕርክነት የደልድል እዩ። መዝሙር 86:6, 11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ከመይ ጌርና ኢና ንሕና ንየሆዋ እንዛረቦ፧

  • ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ንዓና ዚዛረበና፧

ንየሆዋ ብጸሎት ንዛረቦ፣ ንሱ ድማ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ይዛረበና

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንኣምላኽ ክትቀርቦ ኣይከኣልን እዩ።”

  • ኣዕሩኽ የሆዋ ኽንከውን ከም እንኽእል ዜርኢ እንታይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምተጠቐምካ፧

ጽማቝ

የሆዋ ዓርክኻ ኪኸውን ይደሊ እዩ፡ ናብኡ ኽትቀርብ እውን ይሕግዘካ እዩ።

ክለሳ

  • የሆዋ ንኣዕሩኹ ብኸመይ ይሕግዞም፧

  • የሆዋ ንኣዕሩኹ ለውጥታት ኪገብሩ ዚደልዮም ስለምንታይ እዩ፧

  • የሆዋ ኻብ ኣዕሩኹ ዚጽበዮ ነገር ኣመና ኸቢድ ድዩ ዚመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ምስ ኣምላኽ እትምስርቶ ዕርክነት ንህይወትካ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

“የሆዋ—ክትፈልጦ ዘሎካ ኣምላኽ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ለካቲት 2003)

ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ብምምስራታ፡ ህይወታ ብኸመይ ከም ዝደሓነ ፍለጥ።

“ክመውት ኣይደልን እየ ነይረ!” (ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2017)

መንእሰያት ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎም ስምዒት ኪገልጹ ኸለዉ ስማዕ።

ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (1:46)