ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 09

ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ

ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ

ኣብ ህይወትካ መምርሒ ዜድልየካ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ኪምለሰልካ እትደልዮ ኣገዳሲ ሕቶታትዶ ኣሎካ፧ መጸናንዒ ወይ መተባብዒ የድልየካዶ፧ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ትደሊዶ፧ ጸሎት ነዚ ዅሉ ኽትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ግቡእ ጸሎት ከተቕርብ እትኽእል፧ ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧ ንጸሎትካ ምእንቲ ኺሰምዖ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እስከ ንርአ።

1. ናብ መን ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧ ብዛዕባ እንታይከ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧

የሱስ ናብ ሰማያዊ ኣቦና ኽንጽሊ ኸም ዘሎና ምሂሩ እዩ። ንሱ ባዕሉ እውን ናብ የሆዋ ጸልዩ እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ . . .’” ኢሉ ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 6:9) ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ነደልድል ኢና።

ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ንጸሎትና ምላሽ ምእንቲ ኺህበና ግና፡ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ኽንጽሊ ኣሎና። “ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ።” (1 ዮሃንስ 5:14) የሱስ ብዛዕባ እንታይ ክንጽሊ ኸም ዚግባእ ኣብነታት ሂቡና ኣሎ። (ማቴዎስ 6:9-13 ኣንብብ።) ብብሕቲ ብዛዕባ ዜተሓሳስበና ነገራት ኣብ ርእሲ ምጽላይ፡ ንኣምላኽ ስለቲ ዝገበረልና ምምስጋንን ንኻልኦት ኪሕግዞም ምልማንን እውን ክንርስዕ የብልናን።

2. ብኸመይ ክንጽሊ ይግባእ፧

መጽሓፍ ቅዱስ “ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ” ኢሉ የተባብዓና እዩ። (መዝሙር 62:8) ስለዚ፡ ጸሎትና ኻብ ልቢ ኪኸውን ኣለዎ። ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ዓው ኢልና ወይ ብልብና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ኣብ ዝዀነ ግዜ ወይ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።

3. ኣምላኽ ንጸሎትና ብኸመይ ይምልሶ፧

ብእተፈላለየ መገድታት እዩ ዚምልሶ። የሆዋ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ፣ ኣብኡ ድማ ንመብዛሕትኡ ሕቶታትና መልሲ ንረኽበሉ ኢና። ቃል ኣምላኽ፡ “ንዘይለበመ የጥብቦ” እዩ። (መዝሙር 19:7፣ ያእቆብ 1:5 ኣንብብ።) ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኪህበና ይኽእል እዩ። ክንሽገር ከለና እውን፡ ብኣገልገልቱ ገይሩ ኺድግፈና ይኽእል እዩ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ልባዊ ጸሎት ከመይ ጌርካ ኸተቕርብ ከም እትኽእል መርምር፣ ጸሎት ብኸመይ ኪጠቕመካ ኸም ዚኽእል እውን ርአ።

4. ኣምላኽ ዚቕበሎ ጸሎት

ጸሎትና ብኣምላኽ ተቐባልነት ንምርካብ፡ እንታይ ረቛሒታት ኪማላእ የድሊ፧ ቪድዮ ኣጻውት

የሆዋ ናብኡ ኽንጽሊ ይደልየና። መዝሙር 65:2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እቲ “ሰማዕ ጸሎት” ናብኡ ኽትጽሊ ዚደሊዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ኣምላኽ ጸሎትና ኺሰምዕ እንተ ደሊና፡ ብመለክዒታቱ ንምምልላስ ክንጽዕር ኣሎና። ሚክያስ 3:4 1 ጴጥሮስ 3:12ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ኸመይ ጌርና ነረጋግጽ፧

ኣብ ግዜ ውግእ፡ ክልቲኦም ወገን ዓወት ንምርካብ ይጽልዩ ይዀኑ። እሞ ደኣ ኣምላኽ ንጸሎቶም ኪምልሶስ ትጽቢት ክንገብር ንኽእልዶ፧

5. ጸሎትና ኻብ ልቢ ኪኸውን ኣለዎ

ገሊኦም ሰባት ንገሊኡ ጸሎት ቃላቱ ኣጽኒዖም ኪደጋግሙ ይምሃሩ እዮም። ኣምላኽ ግና ከምኡ ጌርና ኽንጽሊ ድዩ ዚደልየና፧ ማቴዎስ 6:7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብ ጸሎትካ ነቲ፡ “ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ” ዚብል መምርሒ ኸመይ ጌርካ ኽትትግብሮ ትኽእል፧

ኣብ መመዓልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ ዝረኸብካዮ ሓደ በረኸት ሓሲብካ፡ ንየሆዋ ስለቲ በረኸት ከተመስግኖ ትኽእል ኢኻ። ሰሙን ምሉእ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ሕደ ቓላት ከይደጋገምካ ብዛዕባ ሸውዓተ እተፈላለየ ነገር ጸሊኻ ማለት እዩ።

ሓደ ሕያዋይ ኣቦ፡ ውሉዱ ኻብ ልቡ ኺዛረቦ እዩ ዚደሊ። የሆዋ ኸኣ ካብ ልብና ናብኡ ኽንጽሊ ይደልየና

6. ጸሎት ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት እዩ

ጸሎት ኣብ ጽቡቕ ግዜን ኣብ ሕማቕ ግዜን ብርታዐ ኺህበና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት

ጸሎት ናይ ኣእምሮ ሰላም ኪህበና ኸም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ጸሎት ወትሩ ንጸገማትና እኳ እንተ ዘየወገዶ ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧

  • ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትጽሊ እትደሊ፧

ትፈልጥዶ፧

እታ “ኣሜን” እትብል ቃል፡ “ይኹን፡” “እማን፡” ወይ “ብርግጽ” ማለት እያ። ካብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዙ፡ ኣብ መወዳእታ ጸሎት “ኣሜን” ይብሃል እዩ።—1 ዜና መዋእል 16:36

7. ንጸሎት ግዜ መድብ

ሓድሓደ ግዜ፡ ብስራሕ ስለ እንዋጠር፡ ጸሎት ንርስዕ ኢና። ጸሎት ንየሱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ ነይሩ፧ ማቴዎስ 14:23 ማርቆስ 1:35ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሱስ ንጸሎት ግዜ ንምርካብ እንታይ እዩ ገይሩ፧

  • ንጸሎት ዚኸውን ግዜ መዓስ ክትረክብ ትኽእል፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ጸሎት ስነ ኣእምሮኣዊ ጥቕሚ ጥራይ እዩ ዘለዎ።”

  • ንስኻ እንታይ ትብል፧

ጽማቝ

ልባዊ ጸሎት ናብ ኣምላኽ የቕርበና፡ ኣእምሮኣዊ ሰላም ይህበና፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ዜኽእል ብርታዐ እውን ይህበና።

ክለሳ

  • ናብ መን ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

  • ብኸመይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

  • ገለ ኻብ ጥቕምታት ጸሎት እንታይ እዩ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ብዛዕባ ጸሎት ኣዘውቲርካ ንዚሕተት ሕቶታት መልሲ ርኸበሉ።

“ጸሎት—ብዛዕባኡ ኽትፈልጦ ዘሎካ ሸውዓተ ነጥብታት” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ጥቅምቲ 2010)

ስለምንታይ ክትጽሊ ኸም ዘሎካን ጸሎትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽን ተምሃር።

“ስለምንታይ እየ ኽጽሊ ዘሎኒ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ መን ክንጽሊ ኸም ዚግባእ እዩ ዚምህር፧

“ናብ ቅዱሳት ክጽልስ ግቡእ ድዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ኣብዛ ሙዚቃዊት ቪድዮ፡ ኣበይ ወይ መዓስ ከም እትጽሊ ዜገድስ እንተ ዀይኑ ርአ።

ኵሉ ሳዕ ጸሊ (1:22)