ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 10

ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይጠቕመካ፧

ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይጠቕመካ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዚገብርዎ ኣኼባ ተዓዲምካዶ ትፈልጥ፧ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣኼባኦም እንተ ዘይተኣኪብካ፡ ንፈለማ ግዜ ምኻድ ቍሩብ የሰክፈካ ይኸውን። ‘ኣብቲ ኣኼባታት እንታይ እዩ ዚግበር፧ እቲ ኣኼባታት ንምንታይ እዩ ዜድሊ፧ ስለምንታይ እየ ኽእከብ ዘሎኒ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኣብዚ ትምህርቲ እዚ፡ ኣኼባታት ንኣምላኽ ክትቀርቦ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካን ንዓኻ ብውልቂ ብኸመይ ከም ዚጠቕመካን ክትምሃር ኢኻ።

1. ኣኼባ ዚግበረሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኼባ ዚግበረሉ ቐንዲ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ” ኸም ዝበለ ኣስተብህል። (መዝሙር 26:12) ብተመሳሳሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓባር ምእካብ ብዙሕ የሐጕሶም እዩ። ኣብ ብዘላ ዓለም ንኣምላኽ ንምውዳስን መዝሙር ንምዝማርን ጸሎት ንምጽላይን፡ ኣብ ሰሰሙን ይእከቡ እዮም። ኣብ ዓመት እተወሰነ ግዜ ኸኣ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ ዓበይቲ ኣኼባታት ይገብሩ እዮም።

2. ኣብ ኣኼባታትና እንታይ ኢኻ እትምሃር፧

ኣብ ኣኼባታትና ኣብ ቃል ኣምላኽ ኢና እነተኵር። ነቲ ቓል ከኣ “ብንጹር [ንገልጾን] ትርጉሙ [ነብርሆን]” ኢና። (ነህምያ 8:8 ኣንብብ።) ስለዚ ኣብ ኣኼባታትና ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ዜደንቕ ባህርያቱን ክትምሃር ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ብዝያዳ ኽትፈልጥ ኢኻ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኢኻ። ዜዕግብ ህይወት ብኸመይ ክትረክብ ከም እትኽእል እውን ክትምሃር ኢኻ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

3. ኣብ ኣኼባታትና ምስ ካልኦት ምርኻብ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

የሆዋ ንዓና፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ” ኢሉ መምርሒ ሂቡና ኣሎ። (እብራውያን 10:24, 25) ኣብ ኣኼባታትና ንሓድሕዶም ብሓቂ ምስ ዚተሓላለዩን ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ኺፈልጡ ምስ ዚደልዩን ሰባት ክትራኸብ ኢኻ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተባብዕ ሓሳባት ኬካፍሉ ኸለዉ እውን ክትሰምዖም ኢኻ። (ሮሜ 1:11, 12 ኣንብብ።) ብዘይካዚ ድማ፡ ንዜጋጥሞም ጸገማት ብዓወት ኪሰግሩ ምስ ዝኸኣሉ ዘይተመርዓዉን ሰብ ሓዳርን ክትፋለጥ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዝረኣናዮ ነጥብታት ገለ ኻብቲ የሆዋ ብስሩዕ ኣኼባ ኽንገብር ዚደልየሉ ምኽንያታት እዩ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ከም ዚመስልን እንታይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎን ፍለጥ።

4. ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ክርስትያናት ንየሆዋ ንምምላኽ ኣዘውቲሮም ይእከቡ ነይሮም። (ሮሜ 16:3-5) ቈሎሴ 3:16 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ቀዳሞት ክርስትያናት ንየሆዋ ዜምልኽዎ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቦታታት ኣምልኾኦም ኣዘውቲሮም ይእከቡ እዮም። ኣኼባታቶም ከመይ ከም ዚመስል ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ስእሊ ኣኼባ ጉባኤ ጌርካ ነዚ ሕቶታት ተመያየጠሉ፦

  • ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ዚግበርን ኣብ ቈሎሴ 3:16 ዘንበብካዮን እንታይ ምስስላት ኣስተብሂልካ፧

  • ኣብታ ቪድዮ ወይ ኣብቲ ስእሊ፡ ካብቲ ኣኼባታት ዝሰሓበካ ነገር ኣሎዶ፧

2 ቈረንቶስ 9:7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ክፍሊት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ምስ መምህርካ ዄንካ ኣብዚ ናይዚ ሰሙን እዚ ኣኼባ እንታይ ትምህርቲ ኸም ዚቐርብ ርአ።

  • ኣየናይ ክፍሊ ናይቲ ኣኼባ እዩ ብዝያዳ መሲጡካ ወይ ጥቕሚ ዘለዎ ዀይኑ ተሰሚዑካ፧

ትፈልጥዶ፧

ኣብ jw.org ኣቲኻ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚግበር ኣኼባታት ኣበይን መዓስን ከም ዝዀነ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።

  1. ሀ. ኣብ ኣኼባታትና መደረታትን መርኣያታትን ቪድዮታትን ይቐርብ። ኣኼባታትና ብመዝሙርን ብጸሎትን ይጅመርን ይውዳእን

  2. ለ. ኣብ ገሊኡ ኽፋል እቲ ኣኼባ፡ ተኣከብቲ ሓሳብ ኪህቡ ይኽእሉ

  3. ሐ. ኵሎም ሰባት፡ ማለት ስድራ ቤታትን ዘይተመርዓዉን ኣረጋውያንን ቈልዑን ኪእከቡ ይኽእሉ እዮም

  4. መ. ኣኼባታትና ብናጻ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር መእተዊ ኣየኽፍሉን እዮም፣ ገንዘብ እውን እናዞሩ ኣይእክቡን እዮም

5. ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ ጻዕሪ የድሊ

ስድራ ቤት የሱስ ዝሓደግዎ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ ዓመታዊ ኣኼባ ንምእካብ፡ ካብ ናዝሬት ናብ የሩሳሌም ኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ኣኽራን ሓሊፎም ይጓዓዙ ነይሮም። ሉቃስ 2:39-42 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እዚ ናብ የሩሳሌም ዚገብርዎ ዝነበሩ ጕዕዞ ጻዕሪ ዚሓትትዶ ይመስለካ፧

  • ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ ጻዕሪ ኽትገብር ዜድልየካ ስለምንታይ እዩ፧

  • ጻዕሪ ኽትገብርሲ ዚግብኦዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምልኾ ምእካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይነግረና። እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ምስ ካልኦት ኣብ ኣኼባ ኽትእከብ ኣየድልየካን እዩ፣ ኣብ ገዛኻ ዄንካ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ እኹል እዩ።”

  • ኣብዚ ጕዳይ እዚ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚደልዮ ነገር ዚሕብረና እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕሲ ወይ ኣብነት ኣሎ፧

ጽማቝ

ኣብ ኣኼባታት ምእካብ፡ ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ኽትፈልጥ፡ ምስኡ ዘሎካ ዕርክነት ከተዕምቝ፡ ከምኡ ድማ ምስ ካልኦት ኴንካ ንዕኡ ኸተምልኾ ይሕግዘካ።

ክለሳ

  • የሆዋ ኣኼባ ኽንገብር ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧

  • ኣብ ኣኼባታት ብምእካብ እንታይ ተወሳኺ ጥቕሚ እትረክብ ይመስለካ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ናብ ኣኼባ ምኻድ እንተ ኣፍሪሁካኸ፧ ከምኡ ተሰሚዕዎ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ደሓር ንኣኼባታት ብኸመይ ከም ዝፈተዎ ርአ።

ነቲ ሰላምታ ፈጺምና ኣይንርስዖን ኢና (4:16)

ሓደ መንእሰይ ንኣኼባታትና ብኸመይ ከም ዝፈተዎን ኣዘውቲሩ ንምእካብ እንታይ ከም ዝገበረን ርአ።

ነቲ ኣኼባታት ኣዝየ እየ ፈትየዮ! (4:33)

ሓደ ዕዋላ ኣብ ሓደ ኻብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተኣከበ፡ ህይወቱ ብኸመይ ከም እተቐየረ ፍለጥ።

“ብዘይ ሽጉጠይ ኣይንቀሳቐስን እየ ነይረ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሓምለ 2014)