ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 12

ብቐጻሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር እንታይ ይሕግዘካ፧

ብቐጻሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር እንታይ ይሕግዘካ፧

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ዓስቢ ኸም ዘለዎ ጕዕዞ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብቐጻሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ትኽእል እንተ ዄንካ ትሓስብ ትኸውን። ስለምንታይ ኢኻ ነዚ ቐጻሊ ጻዕሪ ኽትገብረሉ ዚግባእ፧ ጸገማት እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ክትጸንዕ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

1. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

“ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን [ወይ፡ “ሓያልን”] እዩ።” (እብራውያን 4:12፡ እግረ ጽሑፍ) መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ብዛዕባኻ ዘለዎ ሓሳባትን ስምዒታትን ዝሓዘ ስለ ዝዀነ፡ ጠቓሚ እዩ። ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቂ ጥበብን ተስፋን ከተጥሪ ይሕግዘካ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ይሕግዘካ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዖ ኸለኻ፡ ሓይሉ ኣብ ህይወትካ ኣወንታዊ ጽልዋ ኺገብር ኢኻ እትፈቅድ ዘለኻ።

2. ነቲ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ዋጋ ኸነለልዮ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ከም ክቡር ሃብቲ ወይ መዝገብ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ንሓቂ ዓድጋ እሞ ኸቶ ኣይትሽጣ” ኢሉ ዜተባብዓና። (ምሳሌ 23:23) ነቲ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ዋጋ ነለልዮ እንተ ዄንና፡ ዋላ እውን ዕንቅፋታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብቐጻሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር ኢና።—ምሳሌ 2:4, 5 ኣንብብ።

3. ብቐጻሊ መጽናዕቲ ምእንቲ ኽትገብር፡ የሆዋ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪኻን ፈታዊኻን ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽትምሃር ኪሕግዘካ ይደሊ እዩ። “ድሌትን ንምግባር ዓቕምን” ኪህበካ ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 2:13 ኣንብብ።) ስለዚ፡ መጽናዕቲ ንምግባር ወይ ንእተምሃርካዮ ንምትግባር ተወሳኺ ድራኸ እንተ ደሊኻ፡ ንሱ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ዕንቅፋታት ወይ ተቓውሞታት ንምስጋር ተወሳኺ ብርታዐ እንተ ደሊኻ እውን፡ ብርታዐ ኺህበካ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ብቐጻሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ኣዘውቲርካ ንየሆዋ ብጸሎት ለምኖ።—1 ተሰሎንቄ 5:17

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ብዙሕ ግዜ ዘይብልካ ወይ ተቓውሞ እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ከመይ ጌርካ ብቐጻሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትገብር ፍለጥ። ምእንቲ ኽትጸንዕ ከኣ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ርአ።

4. ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳምነት ሃቦ

ሓድሓደ ግዜ፡ ህይወት ሃለኽለኽ ስለ ዝመልኦ፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግዜ ዘይብልካ ይመስለካ ይኸውን። ኣብዚ ኸምዚ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ፊልጲ 1:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ገለ ኻብቲ ኣብ ህይወትና እቲ “ዚሓይሽ” ኪብሃል ዚከኣል እንታይ ይመስለካ፧

  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳምነት ክትህቦ እትኽእል፧

  1. ሀ. ነቲ ሰንኬሎ ፈለማ ሑጻ፡ ድሕሪኡ ኣእማን ክትመልኦ እንተ ፈቲንካ፡ ነቲ ኣእማን ዚኸውን ቦታ ኣይትረክብን ኢኻ

  2. ለ. ፈለማ ነቲ ኣእማን እንተ ኣእቲኻ ግና፡ ንመብዛሕትኡ እቲ ሑጻ ዚኸውን ቦታ ትረክብ ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ህይወትካ ነቲ “ዚሓይሽ” ቀዳምነት እንተ ሂብካ፡ ንዕኡ ድሕሪ ምዕማምካ፡ ንኻልእ ዚኸውን ግዜ እውን ኪህልወካ እዩ

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እንሃርፎ መንፈሳዊ ነገራት፡ ማለት ነቲ ንኣምላኽ ክንፈልጦን ከነምልኾን ዘሎና ድሌት የማልኣልና። ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳምነት ክንህቦ ኸለና ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

5. ተቓውሞ እናኣጋጠመካ ኽነሱ ጽናዕ

ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከይተጽንዕ ይድህሉኻ ይዀኑ። ንፍራንቸስኮ ዘጋጠሞ እሞ ርአ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ፍራንቸስኮ ንኣዕሩኹን ንስድራ ቤቱን ብዛዕባ እቲ ዚምሃሮ ዘሎ ምስ ነገሮም እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧

  • ፍራንቸስኮ ስለቲ ጽንዓቱ እንታይ ዓስቢ ረኺቡ፧

ካልኣይ ጢሞቴዎስ 2:24, 25 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣዕሩኽካን ስድራ ቤትካን ብዛዕባ እቲ እትምሃሮ ዘለኻ እንታይ ይስምዖም፧

  • ብመሰረት እዘን ፍቕድታት እዚአን፡ ሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባርካ እንተ ዘይተሓጒሱ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ስለምንታይከ፧

6. ሓገዝ ንምርካብ፡ ናብ የሆዋ ተጸጋዕ

ናብ የሆዋ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን፡ ንዕኡ ባህ ንምባል ዘሎና ድሌት ይውስኽ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምስ መለክዒታቱ ንምስምማዕ ዜኽእል ለውጥታት ምግባር ኬጸግመና ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣይትተሓለል። የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ጂም ንየሆዋ ባህ ንምባል እንታይ ለውጥታት ገይሩ፧

  • ካብ ኣብነቱ እንታይ መሲጡካ፧

እብራውያን 11:6 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ነቶም “ኣጸቢቖም ዚደልይዎ፡” ማለት ነቶም ኪፈልጥዎን ባህ ኬብልዎን ዚጽዕሩ፡ እንታይ እዩ ዚገብረሎም፧

  • እዚ ነገር እዚኸ የሆዋ ነቲ ንስኻ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ ጻዕሪ ኺርኢ ኸሎ እንታይ ከም ዚስምዖ እዩ ዚሕብረካ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ስለምንታይ ኢኻ መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ፧”

  • እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ጽማቝ

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ግና ይሕግዘካ እዩ። ወትሩ ናብ የሆዋ ተጸጋዕ፡ ንሱ እውን ዓስቢ ኺህበካ እዩ።

ክለሳ

  • ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስለምንታይ ኢኻ፧

  • ነቲ “ዚሓይሽ” ቀዳምነት ክትህብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

  • ብቐጻሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትገብር፡ ንየሆዋ ኽትልምኖ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ብዙሓት ሰባት ንግዜኦም ብጥበብ ኪጥቀሙሉ ዝሓገዘ ኣርባዕተ ሜላታት ርአ።

“ንግዜኻ ብኸመይ ብጥበብ ከም እትጥቀመሉ” (ንቕሑ!፡ ለካቲት 2014)

ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ነቲ ንሳ ንኣምላኽ ባህ ንምባል እትገብሮ ጻዕሪ እኳ እንተ ዘይተረድኣላ፡ የሆዋ ግና ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ተመልከት።

የሆዋ ጾርና ኽንጸውር የበርትዓና (5:05)

ሓደ ሰብኣይ ካብቲ ናይ ሰበይቱ ጽንዓት ብኸመይ ከም እተጠቕመ ርአ።

ንሓቂ ኣብ ፍርዲ ኣቕሪበያ (6:30)

ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስድራ ቤታት ከም ዚበታትኑ ጌርካ ይኽሰሱ እዮም። እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧

“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስድራ ቤታት ይበታትኑ ድዮም ወይስ ይሃንጹ፧” (ዓንቀጽ ወብ)