ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 13

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኣምላኽ ዘይስሙ እትህቦ ብኸመይ እያ፧

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኣምላኽ ዘይስሙ እትህቦ ብኸመይ እያ፧

ኣምላኽ ፍቕሪ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ እዩ በተን ንዕኡ ንውክሎ ኢና ዚብላ ሃይማኖታት ኣዝዩ ብዙሕ ክፉእ ተግባራት ዚግበር፧ ምኽንያቱ፡ እዘን ሃይማኖታት ናይ ሓሶት እየን። ንኣምላኽ ዘይስሙ እየን ዚህባኦ። ብኸመይ እየን ዘይስሙ ዚህባኦ፧ ንሱኸ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ይስምዖ፧ ብዛዕባ እዚኸ እንታይ እዩ ኺገብር፧

1. ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብትምህርትታታ ኣቢላ ንኣምላኽ ዘይስሙ እትህቦ ብኸመይ እያ፧

ናይ ሓሶት ሃይማኖት “ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ብሓሶት [ለዊጣቶ]” ኣላ። (ሮሜ 1:25) ንኣብነት፡ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ንሰዓብተን ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ኣይምህራኦምን እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ንስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ኸም ዚግባእ ይምህር እዩ። (ሮሜ 10:13, 14) ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሕማቕ ነገር ኬጋጥም ከሎ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይምህሩ እዮም። እዚ ግና ሓሶት እዩ። ኣምላኽ ከቶ ምንጪ እከይ ኣይኰነን። (ያእቆብ 1:13 ኣንብብ።) እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ሃይማኖታዊ ሓሶት ንሰባት ካብ ኣምላኽ የርሕቖም እዩ።

2. ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብተግባራታ ኣቢላ ንኣምላኽ ዘይስሙ እትህቦ ብኸመይ እያ፧

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንሰባት፡ ከምቲ የሆዋ ዚሕዞም ገይራ ኣይኰነትን እትሕዞም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ “ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ” ይብል እዩ። (ራእይ 18:5) ሃይማኖታት ንሓያሎ ዘመናት ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ኣትየን፡ ንውግእ ደጊፈን፡ ጠንቂ ሞት ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኰይነን፡ ወይ ነቲ ተግባር ስምረተን ሂበን እየን። ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ፈንጣሕጣሕ እናበሉ እዮም ዚነብሩ፣ ካብ ሰዓብቶም ድማ ገንዘብ ይገፍፉ እዮም። እዚ ተግባራቶም ከኣ፡ ኣሽምባይዶ ተወከልቲ ኣምላኽ ኪዀኑስ፡ ንዕኡ ኸም ዘይፈልጥዎ እዩ ዜርኢ።—1 ዮሃንስ 4:8 ኣንብብ።

3. ኣምላኽ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ይስምዖ፧

ናይ ሓሶት ሃይማኖት እትገብሮ ነገር ንዓኻ እንተ ኣሕሪቑካ፡ የሆዋኸ እንታይ ዚስምዖ ይመስለካ፧ የሆዋ ንሰባት የፍቅሮም እዩ፣ በቶም ዘይስሙ ዚህብዎን ንሰዓብቱ ዚገፍዑን መራሕቲ ሃይማኖት ግና ይቝጣዕ እዩ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም እትድምሰስ ኪገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ከቶ ኣይክትርከብን እያ” ኢሉ ኣሎ። (ራእይ 18:21) ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣምላኽ ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኬጥፍአን እዩ።—ራእይ 18:8

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ኣምላኽ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ከም ዚስምዖ መርምር። ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ከም ዝገበረት ፍለጥ፣ እዚ ንየሆዋ ኻብ ምፍላጥ ስለምንታይ ኪዓግተካ ኸም ዘይግባእ እውን ተምሃር።

4. ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ኣይኰነን ዚቕበል

ብዙሓት ሰባት፡ ኵለን ሃይማኖታት ናብ ኣምላኽ ዚመርሓ እተፈላለያ መገድታት ከም ዝዀና ይኣምኑ እዮም። እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧ ማቴዎስ 7:13, 14 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ብኸመይ ይገልጻ፧

ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስሲ ንኣምላኽ ባህ ዜብላኦ ብዙሓት ሃይማኖታት ከም ዘለዋ ድዩ ዚምህር፧

5. ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣይተንጸባርቕን

ሃይማኖታት ንኣምላኽ ብብዙሕ መገድታት ዘይስሙ ሂበናኦ እየን። ሓደ ኻብዚ መገድታት እዚ ኸኣ፡ ኣብ ውግእ ኢደን ዜእትዋ ምዃነን እዩ። ሓደ ኣብነት ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እንታይ መትከል እየን ሒዘን፧

  • ብዛዕባ እቲ ዝሓዛኦ መትከል እንታይ ይስምዓካ፧

ዮሃንስ 13:34, 35 17:16ን ኣንብብ። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ሃይማኖታት ኣብ ውግእ ጣልቃ ኺኣትዋ ኸለዋ የሆዋ እንታይ ይስምዖ፧

  • ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብብዙሕ ክፉእ ተግባራት ተሓታቲት እያ። ሃይማኖታት ንፍቕሪ ኣምላኽ ዘየንጸባረቓሉ እንታይ ዝረኣኻዮ ነገር ኣሎ፧

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣየንጸባረቐትን

6. ኣምላኽ ንሰባት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ኼውጽኦም ይደሊ

ራእይ 18:4 a ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣምላኽ ነቶም ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝሰሓቱ ሰባት ኬድሕኖም ከም ዚድሊ ምፍላጥካ እንታይ ይስምዓካ፧

7. ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብቐጻሊ ተምሃር

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ኣረኣእያ ኽትጸልዎ ይግባእዶ፧ ብዛዕባ ሓደ ኻብ ኣቦኡ እተዋህቦ ጥበባዊ ምኽሪ ዘይተቐበለ ውሉድ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። እቲ ውሉድ ካብ ቤቱ ወጺኡ ብልሹው ህይወት ይመርሕ። እቲ ኣቦ ድማ ነቲ ውሉዱ ዚገብሮ ተግባራት ኣይቅበሎን እዩ። እሞ ደኣ እቲ ኣቦ ብኣነባብራ እቲ ዓለወኛ ውሉዱ ኺንቀፍ ግቡእ ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧

  • ብሰንኪ ተግባራት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንየሆዋ ኽንነቕፎን ብዛዕባኡ ምፍላጥ ክንሓድግን ደኣኸ ግቡእዶ ምዀነ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ሃይማኖት ጠንቂ ኣዝዩ ብዙሕ ጸገማት ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ተገዳስነት የብለይን።”

  • ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧

  • ተግባራት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዘሎካ ኣረኣእያ ኺጸልዎ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

ጽማቝ

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብናይ ሓሶት ትምህርትታትን ብኽፉእ ተግባራትን ኣቢላ ንኣምላኽ ዘይስሙ ሂባቶ እያ። ኣምላኽ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ኬጥፍኣ እዩ።

ክለሳ

  • ብዛዕባ ትምህርትታትን ተግባራትን ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ይስምዓካ፧

  • የሆዋ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ይስምዖ፧

  • ኣምላኽ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ኪገብራ እዩ፧

ሸቶ

ዳህስስ

መብዛሕትአን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ዜጕህያሉ ኽልተ መገዲ ፍለጥ።

“ኵለን ሃይማኖታት ሕደ ድየን፧ ኵለንከ ናብ ኣምላኽ ይመርሓ ድየን፧” (ዓንቀጽ ወብ)

የሆዋ ምስ ካልኦት ሓቢርና ኸነምልኾ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧

“ኣባል ሓንቲ እተወደበት ሃይማኖት ክትከውን ኣድላዪ ድዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ሓደ ኻህን ብሃይማኖቱ ተረቢሹ። እዚ ግና ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ኸይፈልጥ ኣይዓገቶን።

“ሓደ ኻህን ንቤተ ክርስትያኑ ዝሓደገሉ ምኽንያት” (ንቕሑ!፡ ለካቲት 2015)

ንሓያሎ ወለዶታት፡ ሃይማኖታት ኣብቲ ዚነዝሓኦ ሓሶት፡ ንኣምላኽ ከም ዘይቅረብን ጨካንን ገይረን ይስእላኦ ነይረን። ነቲ ሓሶት እቲ ዜቃልዕ ሓቂ ፍለጥ።

“ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየፍቅርዎ ዚገብሮም ሓሶታት” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሕዳር 2013)

a መጽሓፍ ራእይ ስለምንታይ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ሓንቲ ዓባይ ባቢሎን እትብሃል ሰበይቲ ገይሩ ኸም ዚገልጻ ንምፍላጥ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ 1 ርአ።