ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 16

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እንታይ ገይሩ፧

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እንታይ ገይሩ፧

ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ከም ሓደ መስኪን ሕጻን፡ ጥበበኛ ነብዪ፡ ወይ ዚመውት ዘሎ ሰብ ገይሮም እዮም ዚሓስብዎ። ንምድራዊ ህይወቱ እንተ መርሚርናዮ ግና፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ኣብዚ ትምህርቲ እዚ፡ ገለ ኻብቲ የሱስ ዝገበሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገራትን እዚ ንዓኻ ብኸመይ ኪጸልወካ ኸም ዚኽእልን ክንርኢ ኢና።

1. ቀንዲ ዕዮ የሱስ እንታይ እዩ ነይሩ፧

ቀንዲ ዕዮ የሱስ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ምብሳር እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 4:43 ኣንብብ።) እቲ ዚሰብኮ ዝነበረ ብስራት ከኣ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ እትፈትሕ መንግስቲ ኸም ዜቕውም ዚሕብር እዩ ነይሩ። a የሱስ ነዚ ጥዑም መልእኽቲ እዚ፡ ደኺመ ኸይበለ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ሰቢኹ እዩ።—ማቴዎስ 9:35

2. ዕላማ እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ እዩ ነይሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ “ኣምላኽ [ብየሱስ] ኣቢሉ . . . ዝገበሮ ግብርታት ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትታትን” ይገልጽ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:22) የሱስ ብሓይሊ ኣምላኽ ኣቢሉ ንዅነታት ኣየር ኪቈጻጸር፡ ንኣሽሓት ኪምግብ፡ ንሕሙማት ኬሕዊ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንምዉታት ኬተንስእ ክኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 8:23-27፣ 14:15-21፣ ማርቆስ 6:56፣ ሉቃስ 7:11-17) እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ከኣ፡ ንሱ ብኣምላኽ ከም እተላእከ ንጹር ከም ዚኸውን ገይሩ እዩ። የሆዋ ንዅሉ ጸገማትና ኺፈትሕ ሓይሊ ኸም ዘለዎ እውን ኣርእዩ እዩ።

3. ካብ ኣነባብራ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

የሱስ ንየሆዋ ኣብ ኵሉ ተኣዚዝዎ እዩ። (ዮሃንስ 8:29 ኣንብብ።) ተጻብኦ እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ክሳዕ ሞት እኳ ብተኣማንነት ከምቲ ኣቦኡ ዚደልዮ ገይሩ እዩ። ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ፡ ሰባት ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ኸም ዚኽእሉ ኣርእዩ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ የሱስ “ኣስኣሰሩ [ኽንስዕብ] ኣርኣያ” ሓዲጉልና እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:21

ኣዕሚቝካ ዅዓት

የሱስ ብኸመይ ብስራት ከም ዘበሰረን ተኣምራት ከም ዝገበረን መርምር።

4. የሱስ ብስራት ሰቢኹ

የሱስ ኣብ ዶራን መገድታት ኣማእታት ኪሎ ሜተራት እናተጓዕዘ ብእተኻእሎ መጠን ንብዙሓት ሰባት ብስራት ሰቢኹ እዩ። ሉቃስ 8:1 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሱስ ኪሰምዕዎ ንእተኣከቡ ሰባት ጥራይ ድዩ ሰቢኹ፧

  • የሱስ ንሰባት ንምርካብ እንታይ ጻዕሪ እዩ ገይሩ፧

መሲሕ ብስራት ከም ዜበስር ኣምላኽ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኢሳይያስ 61:1, 2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሱስ ነዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ፈጺምዎ፧

  • ሎሚ ሰባት ነዚ ብስራት እዚ ኺሰምዑ ዜድልዮምዶ ይመስለካ፧

5. የሱስ ኣገዳሲ ሓቅታት ምሂሩ

የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ኣብ ርእሲ ምስባኹ፡ ግብራዊ ትምህርትታት እውን ምሂሩ እዩ። ካብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ። ማቴዎስ 6:14, 34 7:12ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሱስ ኣብዚ ፍቕድታት እዚ እንታይ ግብራዊ ምኽሪ እዩ ሂቡ፧

  • እዚ ምኽሪ እዚ ሕጂ እውን ጠቓሚ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧

6. የሱስ ተኣምራት ገይሩ

የሆዋ ንየሱስ ብዙሕ ተኣምራት ንምግባር ሓይሊ ሂብዎ እዩ። ሓደ ኣብነት ንምርኣይ፡ ማርቆስ 5:25-34 ኣንብብ ወይ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ እታ ዝሓመመት ሰበይቲ እንታይ እምነት እዩ ነይርዋ፧

  • ካብዚ ተኣምር እዚ ዝመሰጠካ እንታይ እዩ፧

ዮሃንስ 5:36 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ብዛዕባኡ እንታይ እዩ ‘ዚምስክር’ ወይ ዜረጋግጽ፧

ትፈልጥዶ፧

መብዛሕትኡ እቲ ብዛዕባ የሱስ እንፈልጦ ነገራት፡ ኣብተን ወንጌላት ዚብሃላ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ እዩ ዚርከብ፣ ንሳተን ድማ ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ፡ ዮሃንስ ይብሃላ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወንጌል፡ ብዛዕባ የሱስ ኣብ ካልእ ዘይርከብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣሎ። እዚ ዅሉ ዝርዝር ሓበሬታ ብሓደ ተደሚሩ ኸኣ፡ ብዛዕባ ህይወት የሱስ መሳጢ ስእሊ ይስእለልና እዩ።

  • ማቴዎስ

    ንወንጌሉ፡ ካብተን ካልኦት ወንጌላት ኣቐዲሙ እዩ ጽሒፍዋ። ወንጌል ማቴዎስ ንትምህርትታት የሱስ ተጕልሕ፣ ምናዳ ኸኣ ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሃሮ ተተኵር።

  • ማርቆስ

    ካብ ኵለን ዝሓጸረት ወንጌል እዩ ጽሒፉ። ወንጌል ማርቆስ ከኣ ሓያሎ ነጥብታት ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ዝሓዘት እያ።

  • ሉቃስ

    ብዝያዳ ኣብ ጸሎትን ኣብቲ የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሓዘሉ መገድን እዩ ኣተኲሩ።

  • ዮሃንስ

    ብዛዕባ እቲ የሱስ ምስ ናይ ቀረባ ፈተውቱን ምስ ካልኦትን ዝገበሮ ዝርርባት ብምዝንታው፡ ብዛዕባ ባህርያት የሱስ ብዙሕ እዩ ገሊጹ።

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “የሱስ ሕያዋይ ሰብ ጥራይ እዩ ነይሩ።”

  • እንታይ ይመስለካ፧

ጽማቝ

የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኹ፡ ተኣምራት ገይሩ፡ ኣብ ኵሉ እውን ንየሆዋ ተኣዚዝዎ።

ክለሳ

  • የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ቀንዲ ዕዮኡ እንታይ እዩ ነይሩ፧

  • የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ የረጋግጽ፧

  • የሱስ እንታይ ግብራዊ ትምህርትታት ምሂሩ፧

ሸቶ

ዳህስስ

የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

“መንግስቲ ኣምላኽ ንየሱስ እተገድሶ ስለምንታይ እያ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ጥቅምቲ 2014)

ተኣምራት የሱስ ብሓቂ ኸም ዝዀነ ስለምንታይ ከም እንኣምን መርምር።

“ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ሓምለ 2004)

የሱስ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ዝሓደጎ ኣብነት ንሓደ ሰብኣይ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ርአ።

“ኣብ ርእሰይ ጥራይ እየ ዘተኵር ነይረ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ጥቅምቲ 2014)

a ኣብ ትምህርቲ 31-33፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝርዝር ኪግለጽ እዩ።